ወግዒ ምስ ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ሕቶ፡- ኣብ ድሕሪ ናጽነት (ካብ 1991 ጀሚሩ)፡ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ዘፍረየቶም ምሁራት (ብውሑዱ ካብ ደቀንስትዮ ተመረቕቲ)፡ መሪሕ ብዝበሃል ኣካይዳ ኣብ ዝለዓለ ሞያዊ ጥርዝን ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን በጺሕኪ ዘለኺ ኣብነታዊት ሓብትና ምዃንኪ’የ ዝኣምን። ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ጀሚርኪ፡ በጺሕክዮ ዘለኺ ጉዕዞ ምርምር፣ ምስትምሃርን ካልእ ሞያዊ ኣበርክቶን ጽሙቕ ኣቢልኪ’ዶ ንኣንበብቲ ክትገልጽለይ?

መልሲ፡- ኣብ እዚ ጊዜ እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ካሊፎርኒያ፡ መርሰድ (University of California, Merced) ፕሮፈሰር ኮይነ እየ ዝሰርሕ። ስርሐይ ኣብ ዓውደ-ፍልጠት ናይ ሓመድ (soil sciene) ከምኡ ‘ውን ስነ-ፍልጠት ዓለማዊ ለውጢ (global change) ዘተኩር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝተጥቕሰ ዓውደ-ፍልጠታት ይምህርን ይመራመርን። ብዝኸኣልክዎ መጠን ከኣ፡ ሳይንስ ወይ ስነ-ፍልጠት ተጠቂምና ከመይ ጌርና ሂወትን መነባብሮን ሕብረተሰባት ከመነሓይሽ ከም ንኽእል፡ ግብራዊ ኣብነታት እንዳሰነኹ የርእን ይምህርን። ናብዚ ዘለዅዎ ደረጃ ንኽበጽሕ፡ ናይ መጀመሪያ ዲግሪ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተቐቢለ። ብድሕሪኡ ናብ ኣሜሪካ መጺኤ ኣብ ሚሺጋን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ተቐቢለ። ካብኡ ቀጺለ ካብ ናይ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ በርክልይ ናይ ዶክቶሬት ወይ ፒ.ኤች.ዲ. (ሊቅነት) ዲግሪ ተቐቢለ። ካብኡ  ቀጺለ ውን ንክልተ ዓመታት ኣብ ናይ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ በርክልይን ናይ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ ዴቪስን ከም ተመራማሪት/ስነ-ፍልጠተኛ ኮይነ ሰሪሐ።

ሕቶ፡- ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከለኺ፡ ካብ 55 ተመሃሮ፡ ሰለስተ ጥራይ ኢኽን ደቀንስትዮ ኔርክን፡ ኣብ ክፍሊ ምዕቃብ ማይን ሓመድን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያ ናይቲ ሽዑ እዋን ኣሰሩ ኣዐርዩ ዘይሃሰሰ ጸቓጢ ባህሊ ኣንጻር ደቀንስትዮ ምዃኑ’የ ዝርዳእ። ካብ ከምዚ ዓይነት ድሕረ-ባይታ መጺኺ ኣብዚ በጺሕክዮ ዘለኺ ደረጃ ምብጻሕኪ እቲ ምስጢር ዓወት እንታይ’ዩ ትብሊ? ንኻልኦት ብሕጂ ዝዓብያ ኤርትራውያን ወይ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ’ኸ እንታይ ምመኸርኪ?

መልሲ፡- ሓቂ እዩ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝነበርናሉ ጊዜ ብዙሓት ደቂ አንስትዮ አይነበርናን። አብ ዓለም ሙሉእ ዝረአ ዋና መበገሲ ናይ እዚ ዋሕዲ ደቂ አንስትዮ ኣብ ደረጃ ዩኒቨርስቲ ከኣ እቲ ሕብረተሰባት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘርእይዎ ጸቕጥታት እዩ። ማለት ቆልዑት ክዐብዩ ከለዉ ኣትሒዙ፡ ስድራቤታት ዝያዳ ንደቂ ተባዕትዮ ክመሃሩ፡ ክስልጥኑን ክሰርሑን ይድፍኡሉ። ደቂ ኣንስትዮ ግን ናብ ትምህርቲ ዘይኮነስ፡ ቅልጥፍ ኢለን ናብ ሓዳር ከድህባ፡ ኣተኩረአን ኣአ ንስድርአንን ስድራ ሰብኡተንን ንምልዓል ክኸውን ከም ዘለዎ ይምከራ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውን ይረአይ እዩ።

ኣነ ዕድል ጌረ ኣብ ከምዚ ዐይነት ኩነታት ኣይዓበኹን። ኣብ ስድራና ትምህርቲ ዓቢ ቦታ እዩ ዝወሃቦ ኔሩ። ኣቦይን ኣደይን ኩሉ ጊዜ ንሽዱሽቴና ደቆም (ኣዋልድናን ኣወዳትን) ተማሃሩ፡ ትምህርቲ እዩ እቲ ዘልአለም ዘይበርስ ሃብቲ ኣብዛ ዓለም እንዳበሉ እዮም ኣዒብዮምና። ኣቦይን አደይን ካብ ንኣሽቱ ከለዉ ኣትሒዞም ጽዒሮም ዝተማህሩ እዮም። ዋላ ምስ ተመርዓዉ ‘ውን ትምህርቶም ቀጺሎም፡ ኣቦይ ብሕጊ ዲግሪ ረኺቡ፤ ኣደይ ከኣ ናይ ምምሕዳር (Management) ዲግሪ ረኺባ። ሓዳር ጌሮም ቆልዑት እንዳ ኣዕበዩ ከለው’ዩ እዚ። ማዕዳ ጥራይ ዘይኮነ ብኣብነት ‘ውን ስለዘርኣዩንን ኣብ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ጕዕዞይ ከኣ ኣብ ጎነይ ኮይኖም ስለ ዝሓገዙንን እየ ኣብ ትምህርተይ ክዕወት ሓሊመን በቂዐን። ኣነ ዕድለኛ እየ ኵሉ ጊዜ ኣን ትምህርተይ ንኽደፍእን ንኽዕወትን ክጽዕርን ናይ ቤተሰብ ሓገዝ ስለዝነበረኒ። ካብ ገዛ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ሓጋዚ ዘይኮነ ነገር እንተተባሂለ ወይ እንተሰሚዐ ‘ውን ኣብ ገዛ ዘድልየኒ ዘበለ ምትብባዕ ይረክብ ኔረ። ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ እቲ ዝዓበዅሉ ኣተዓባብያን ቤተሰብን ናብ ትምህርተይ ንኸተኩር ዝተገብረለይ ምትብባዕን ሓገዝን እዩ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑኒን ኣብዚ ንኽበጽሕ ከኣ ኣኽኢሉኒን ኢለ እየ ዝኣምን።

ንብሕጂ ዝዓብያ ኤርትራውያን ወይ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽተይ ከኣ ናይ ምትብባዕ እዩ። ዝመጸ እንተመጸ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ኣብ ትምህርትኽን ኣተኩሮ ከይተጉድላ። ኣብ ዓለም ብዘይካ ትምህርቲ ኩሉ ሓላፍይ እዩ። ኣንብባ፡ ተመሃራ፡ ሓንጎልክን ንኹሉ ነገር ክመሃር ክፉት ክኸውን ኣለዎ ኩሉ ጊዜ። ዋላ እኳ ናይ ናብራ ኵነታት ናይ ትምህርቲ ጊዜኽን ንግዜኡ ከጥፍኣልክን እንተኸኣለ ተስፋ ኣይትቑረጻ። ንዓኽን ዝመስል/ላ፡ ከማኽን ዝሓስባ/ቡ መዛኑ ኣናዲኽን መገዲ ትምህርትኽን ቀጽላ። እዚ ከኣ ንዓኽን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኽን ዘለዉ ቆልዑትን መንእሰያትስ ኣብነታዊ ተግባር እዩ እብል።

ሕቶ፡- ካብዚ ዘለኽዮ ብዝበለጸ ሓይልኪ ክንርኢ ስለ ዝምነ፡ ናይ ዝመጽእ ቀረባን ርሑቕን እዋን ናይ ምርምር፣ ምስትምሃርን ካልእን መደባት ሕልምኺ ወይ ባህግኺ ከመይ ትገልጽዮ?

መልሲ፡- ኣብዚ ዘለኹዎ ስራሕ ሕጂ ጥቓ እቲ ዘለዓለ ደረጃ ይበጽሕ ኣለኹ.። ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዓውዲ ናይ ስነ-ፍልጠት ኣብ ዓለም ሓመድ ወይ ከኣ መሬት ከመይ ጌሩ ክሊማ ክቆጻጸር ከምዝኸእልን ደቂ ሰባት ከኣ ከመይ ጌርና ናይ ሓመድ ኩነታት፣ ባህሪ ወይ ከኣ ጥዕና ኣጉዲልና ናይ ብሕጂ ዝመጹ ሕብረተሰባት ናይ መግቢ ምርካብ ዕድሎምን ናይ ጊዜኦም ክሊማን ከም ዝቕየር ንገብር ከም ዘለና መጽናዕተይ ክክቕጽል እዩ። ምስኡ ዝተኣሳሰር ባህገይ፡ ካብ ሕጂ ንንየው እቲ ኣነ ዝበጻሕኩዎ ደረጃ  ካልኦት ንዓይ ዝመስሉ ንኽበጽሕዎ ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ከኣ መንእሰያት ትምህርቲ  ንኽመርጹ ምትብባዕን ምሕጋዝን፡ ንብድሕሬና ዝመጹ ዘለዉኡ መንገዲ ምኽፋትን፡ ብዝኸኣልኩዎ  ደረጃ ከኣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምዝርጋሕን እዩ።

ሕቶ፡- ካብ ስራሕ፣ ሞያውን ስድራ-ቤታውን ሓላፍነት ወጻኢ፡ ኣየናይ መዳያት ናይ ሂወት ዝያዳ ይምስጠኪ? ንኣነብት፡ ትርፊ ግዝኺ (ብዙሕ ትርፊ ግዜ’ኳ ክንደየናይ ከይህልወኪ ኢሉ) ኣብ ምንታይ ከተሕልፍዮ ትመርጺ?

መልሲ፡- ኣብዚ ግዚ እዚ’ኳ አደ ክልተ ቆልዑት ስለ ዝዀንኩ ብዙሕ ትርፊ ግዜ ኣለኒ ክብል ኣይክእልን እየ። እቲ ዘሎኒ ግዜ ግን ስም ስድራይ ብምጋሽን ዓዲ ብምረኣይን፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ግዚ ምፍላፍን ምዝዋርን ምንባብን፡ ኣብ ገዛ ከኣ ምስ ስድራይ መግቢን ሽኮራዊ ሕብስቲ ምስራሕን ከሕልፎ እየ ዝመርጽ።

ሕቶ፡- ኣብ እዋን ለበዳ ኮረናቫይረስ ኢና ዘለና’ሞ፡ እዚ ኩነታት ከመይ ይጸልወኪ’ሎ? ሓፈሻዊ ጦብላሕታኺ ብዛዕባ’ዚ ለበዳ ከመይ’ዩ?

መልሲ፡- ንሕና’ኳ ደሓን ኢና ዘለና። ስራሕ ካብ ዘይንኸይድ ክልተ ወርሒ ኮይኑና። ኣብ ገዛ ኴንና ንሰርሕ ኣለና። በዓል ቤተይ ከኣ ከማይ ፕሮፌሰር ስለዝኾነ ክልቴና ኣብ ገዛ ኴንና ንምህርን ካልእ ስራሕና ንሰርሕን ኣለና። ከም ጊዜኡ ከኣ ንቖልዑት ንምህርን ነዘናጋዕን ኣለና። ህይወት ብዘይ ምልክታ ኩሉ ነገር ተቐይሩ ግን ኩልና ምስ ጥዕናና ክሳብ ዘለና ኩሉ ደሓን እዩ።

እዚ ኵሉ ምስ ሓለፈ ናተይ ተስፋ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ከመይ ጌርና ኣብዚ ከም ዝበጻሕና፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ተፈጥሮ ብርሰት ከመይ ጌሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ለበዳ ናይ ኮረናቫይረስ ከም ዘምጽኣልና ክንርዳእ ክንክእል’የ ዝብህግ። እዚ ክሳብ ዝኸውን ድማ እሙናት ምንጭታት ናይ ሓበሬታ ጥራይ ክንከታተል፡ ንነብስናን ንሕብረተሰብናን ካብ ሕማምን ዘየድሊ ምድንጋርን ክንሕልው ክንክእል ተስፋ ይገብር።

የቐንየለይ ኣስመረት!

የቐንየለይ ዳኒኤል!

11.05.2020