ወግዒ ምስ ዶ/ር ፋኑኤል መስፍን መብራህቱ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ሕቶ፡- ካብ ቅድሚ 17 ዓመትን ልዕሊኡን ኣትሒዙ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት ናይ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)፡ ከምኡ ‘ውን ብደረጃ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ መሪሕነት ኤምዲሰመ ዘገልገልካ ምዃንካ ስለዝፈልጥ፡ ምስቲ ናይ ቅድም ተሞክሮ ኣዛሚድካ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓፈሻዊ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኣካይዳ ከመይ ኣሎ ኢልካ ትግምግም?

መልሲ፡- ብምኽንያት ትምህርትን ናብራን ንነዊሕ እዋን ኣብ ንጡፍ ተሳታፍነት ስለዘይጸናሕኩ፡ ዝህቦ ርእይቶ ኣን ዘንብቦን ዝሰምዖን ዝተሞርኮሰ፡ ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ’ዩ። ካብዚ ተበጊሰ ክርእዮ ከለኹ፡ ደምበ ተቓውሞ ሓባራዊ ራእይን ረብሓን ዘማእከለ ሓያል ጥርናፈ ክፈጥር ዝኸኣለ ኣይመስልን። ከም ሳዕቤኑ፡ ናይ ሓባር ስትራትጂ ክፈጥርን ኣብ ውሽጢ’ዚ ድማ ቀዳምነታቱ ኣለልዩ ክሰርዕን ኣይከኣለን። እዚ ጊዜ ሂብካ፡ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ከፊልካ ካብ እዋናዊ ዛዕባታት ወጺእካ ክግበር ዘሎዎ እዩ። እዚ ክሳብ ዘይተገብረ ኣብ ኣጀንዳ ክኾኑ ዘይግብኦም ጉዳያት ግዜ ክባኽን እዩ። ናቱ ኣጀንዳ ክፈጥር ስለዝጸግሞ ኻኣ ኣብ ናይ ካሎኦት ኣጅንዳን ጉዳይን ግዙእ ኮይኑ ጉልበቱ የባኽን ስለ ዘሎ ንብዙሓት ናብ ተስፋ ምቑራጽ ዘምርሕ ዘሎ ይመሰል። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ ብዙሕ ምኽንያታት ክህልዎ ዝኽእል እዩ፤ ኮፍ ኢልካ ግቡእ ገምጋምን መጽናዕትን ዝሓትት ይመስለኒ። ሕጂ ዝርአ ዘሎ ኣካይዳ ግን ኣብቲ ዘለኻዮ መስመር ሱቕ ኢልካ ምቕጻል ወይ ድማ ምስ ዚመጸ ሓድሽ ንፋስ ሱቕ ኢልካ ምኻድ ይመስል።

ሕቶ፡- ኣብ ታሪኽ ድሕረ-ናጽነዊት ኤርትራ፡ ኤምዲሰመ ፈላምን ናጻን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ምንባሩ ስለ ዝእመነሉ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ወለዶ መንእሰያትን ሕጂ ዘሎ ወለዶ መንእሰያትን ዝነጻጸሩሉ ዓንኳር ኣብነታት (ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ) እንታይ ምጠቐሰካ?

መልሲ፡- ኣብ መንጎ ክልተ ወለዶታት ገለ ዘይምርድዳኣት ምህላው ንቡር ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ባህርያዊ ናይ ዕደመ ፍልልይ ዘንቀሎ ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ድማ እናዓበኻ ክትመጽእ ከለካ ሓድሽ ነገር ምቕባል ቀሊል ስለ ዘይከውን፡ መንእሰይ ድማ ብኣንጻሩ ብባህሪኡ ቀልጢፉ ምስ ኩነታት ናይ ምቅይያርን ነቲ ኩነታት ተረዲእካ ናይ ምኻድን ብቅዓት ስለ ዘለዎ፡ ካብዚ ዝነቅል ባህርያዊ ፍልልያት ክህሉ ይኽእል። ነዚ ንቡር ባህርያዊ ፍልልይ መሊሱ ዘካብዶ ድማ ብፍላይ ከምዚ ናትና ንነዊሕ እዋን ቀሲኑ ክነብር ዘይከኣለ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ እቲ ባህርያት ካብ ናይ ደገ ዝመጽእ ጽልዋታት እዩ። ወይ ከም ስነ-ሓሳብ ተቐቢልዎ ወይ ድማ ኣንጻሩ፡ ከም ኣብነት እዚ ናይ 60ታት ወለዶ ኮሚንስታዊ ስነ-ሓሳብ ዓብላሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስለዝነበረ መብዛሕቲኡ ኣተሓሳስብኡ በዚ ዝተቓነየ ኔሩ። እዚ ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ኣሕዲሩ እዩ። ናትና ወለዶ ኣብ ዘበን ግሎባላይዘሽን ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ኣብ ዝዓብለሉ እዋን ዝመጸ ስለዝኾነ መብዛሕትኡ በዚ ኩነታት ዝተጸልወ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ከኣ ዓለም ብመራኸቢታት ማሕበራዊ መድያ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ እዋን ስለ ዘርከበ በዚ ምዕባለታት ኣዝዩ ዝተጸለወ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ በቲ ዘሎ እዋናውን ዓለማውን ኩነታት ኣዝዩ ዝተጸልወ እዩ።

ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስ ተሞክሮይ ኣዛሚደ ክዛረብ እንተኾይነ ግን፡ ኣብ ስደት ነዊሕ ዝለዝጸናሕኩ ነዞም ሕጂ ዘለው ኤርትራውያን መንእሰያት ኣመልኪተ እንታይ ይመስሉ ክፈልጦም ኣይክእልን። እቶም ሂወቶምን ሂወት ስድርኦምን ንምቕያር ኣብ ስደት ዝኣተው ታሪኾም ክተስምዖ ከለኻ ግን መስተንክር እዩ። እዚ ናይ መንፈስ ጽንዓትን ትብዓትን ዘሎዎም መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ተስፋ ዘለዎ ኩነታተ እንተዝፍጠረሎም ብዘይ ጥርጥር ሃገር ምቐየሩ። ሕጅስ እቲ መንእሰይ እንታይ ዓይነት ዕድላትን እንታይ ዓይነት ግድላትን ረኺቡ ኢልካ ክሕተት ኣለዎ።

ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ነቲ ዘሎ ብድሆ ዝገጥመሉ ምስቲ እዋን ዝኸይድ ኣገባብ ኣለዎ። በዚ መንጽር ከም ኣብነት ናይ ኤምዲሰመ እንተወሲድና ቀንዲ ናይ ሽግርና ሓያል ሕብረተሰብ ዘይምህላው እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ፡ ብኹሉ ዓቅምና ነዚ ክንሰርሕ ይግባእ ዝብል እምነት ኔሩ። ነዚ ንምግባር ድማ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ፈቲኑ። እዚ እቲ ኣወንታዊ ዝብሃል ጎኑ ኮይኑ በቲ ካልእ መዳይ ድማ መብዛሕትኡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ትምህርቲ ዝመጸ ወይ ድማ ትምህርቲ ወዲኡ ኣብ ካልእ ተሞክሮ ብዙሕ ዘይጸንሐ ምዃኑ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ብግቡእ ንፈልጦን ንርድኦን ዝነበርና ኣይመስለንን። ከም ሳዕብኑ ነቲ ሓሳብ ህዝቢ ወዲብካ ተግባራዊ ምግባሩ ኣጸጋሚ ነይሩ። እዚ እቲ ሓፈሻዊ ርእይቶ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ ምናልባት ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ኣይህልዎን ይኸውን ኣብ ተሞክሮን ነዛ ናይ ሎሚ ዓለም ኣብ ምርዳእን ግን ዝሐሸ ይመስለኒ። ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ግን ምስቲ ዘሎ ዘበን ዝተተሓሓዝ ኣወንታዊን ኣሉታውን ጎንታት ኣለዎ።

ሕቶ፡- ሞያውን ኣካዳምያውን ሕድረ-ባይታኻ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትሰርሓሉ ዘለኻ ዓውደ-ፍልጠትን ቦታን፡ ኣሕጽር ኣቢልካ’ዶ ክትገልጸለይ?

መልሲ፡- ናይ መጀመያ ዲግሪ፡ ብስነ-ቀመም (ኬሚስትሪ) ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተቐቢለ። ብድሕሪኡ ኣብ ካብ ስተለንቦሽ ዩኒቨርሲቲ ናይ ማስትርስ ዲግሪ ረኺበ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ኤምዲስመ ድማ ናብ ትምህርቲ ተመሊሰ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ ናይ ፒ.ኤች.ዲ ዲግሪ ረኺበ። ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውን፡ ኣብ ከም ፖስት ዶክቶራል ሪሰርች ፌለው ይሰርሕ ኣለኹ። ዝሰርሓሉ ዓውዲ ኢሚኖ ተራፒ ናይ ካንሰር (cancer immunotherapy) እዩ።

ሕቶ፡- ዓለም ብለበዳ ኮቪድ-19 ተጨኒቓትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ብዛዕብኡ ገለ ከይበልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፡ ሓፈሻዊ ትዕዝብትኻ ከመይ’ዩ? ብፍላይ ወዲ-ሰብ ኣብ ዘመናዊ ታሪኹ ደሊብዎ ምስ ዘሎ እልቢ ዘይብሉ ፍልጠትን ተሞክሮን ተዛሚዱ ክርአ እንከሎ፡ እዚ ለበዳ’ዚ ንዓለም ከምዚ ጌሩ ከጭንቓ ምኽኣሉ ብኸመይ ዝግለጽ ኮይኑ ይስመዓካ?

መልሲ፡- ብዙሓት ክኢላታት ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ፖለቲከኛታትን ብዛዕባ’ዚ ለበዳ ክዛረቡ ጸኒሖምዮም። እቲ ጸገም ኣብ ውሱን ከባቢታት ዓለም ውን ከርኣ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ነዚ ሕጂ ዘሎ መድሃኒት ኣንቲባዮቲክ ክጻወሩ ዝኽእሉ ሓድሽቲ ዓይነት ባክተርያን ዝተፈላለዩ ብቐሊሉ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሓደገኛታት ቫይረስን ከም ስግኣታት ጸኒሖም እዮም።

ይኹን እምበር ምስ ዘሎ ሳይንሳውን ቴክኖሎጂካዊን ምዕባለ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ሰብኣዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ውድቅት ክስዕብ ዝኽእል ተላባዒ ሕማም ክኽሰት ይኽእል እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ዳርጋ ንኹሉ ሕማቕ ሕልሚ ዝርኢ ዘሎ ኮይኑ እዩ ተሰሚዕዎ ዘሎ። ምስዚ ዘሎ ደረጃ ምዕባለ ቀልጢፉ መድሃኒት ክርክቦ ወይ ድማ ዝርጋሐኡ ብቕልጡፍ ክዕገት እዩ ዝብል ትጽቢት ዝነበረ ይመስለኒ። እዚ ኣይኮነን፤ ሳይንስ ናቱ ድሩትነት ኣለዎ፤ ዘገምታዊ እዩ። ሓደ መድሃኒት ካብ ዝጅመር ክሳብ ኣብ ዕዳጋ ዝበጽሕ ነዊሕ ዓመታትን ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብን እዩ ዝወስድ። ብዘይካዚ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት መድሃኒት ዘይተረኽበሎም ሕማማት ‘ውን ኣለዉ፤ አዚ ናይ ሕጂ ከምኦም ድዩ ክኽውን ወይስ መድሃኒት ወይ ክትባት ክርከበሉ ኣብ ዝቕጽል እዋናት ዝረአ እዩ ክኸውን።

በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ኣብ ኣተኣላልያን ኣትሓሕዛን እዚ ለበዳ ዝተረኣየ ነገር’ዩ። እዛ ዓለምና ንከምዚ ዝበለ ለበዳ እኹል ምድላው ዘይምግባራ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ኣውሪድዎ ዘሎ ጉድኣት እኹል መርኣያ እዩ። ኣብ ፖሊሲታት ጥዕና፣ ጉዳይ ምወላ ሳይንሳዊ ምርምራትን መጽናዕትታን ተራ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳያትን ኣካታዕን ኣዛራብን ኮይንሉ ዘሎ እዋን እዩ። ብሓጺሩ ነዛ ናይ ምድሪ ወዲኣ ናይ ጠፈር ምርምር ተካይድ ዘላ ዓለም ናብ መሰረታዊ ጉዳያት ኣድህቦ ክትህብ ዝገብረ ዘሰንብድ ለበዳ እዩ። ብፍላይ ጉዳይ ጥዕና ድማ ማሕበረሰባዊ ጸገም እምበር ውልቃዊ ናይ ውልቀሰብ ጸገም ከምዘይኮነ፡ ናይ ሕብረተሰብ ጉዳይ ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ክህልዎ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኣየ ኣጋጣሚ ‘ውን እዩ።

ሕቶ፡- ሓደ ካብ ውፉያት ኣባላት ኤምዲሰመ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ፡ ኣብ ራድዮ ድምጺ መሰልና-ደሊና ዝነበረካ ፍሉይ ተራን ኣበርክቶን ኣጸቢቐ ዝዝክሮ ተሞክሮ’ዩ። ዕድል እንተዝርከብ ብዝሓሸ ከተማዕብሎ ወይ ክትደፍኣሉ ትሓስብ’ዶ (በቲ ሞያዊ ዓይኒ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝርኢ ኣመቱ ማለተይ’የ)?

መልሲ፡- እቲ ድልየት ኣሎ፡ ግን ምስ ናይ ናብራ ኩነታት ቁሩብ ይኸብድ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ኤምዲሰመ እቲ ዕድል ብወለንታ ስለዝነበረ እየ ረኺብዮ። ብዙሕ ዓቕሚ፣ ድሌትን ተውፋይነትን ዝነበሮ ካብ ውሽጢ ደቡብ ኣፍሪቃን ወጻእን ዝቖመ ኣዝዩ ሓያል ጋንታ ኔሩ። ሕጂ ከምኡ ዓይነት ጋንታ ክትረክብ ቀሊል ኣይኮነን።

የቐንየለይ ፋኑኤል!

27.04.2020