ወግዒ ምስ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

መእተዊ፡-  ዶክተር ናዝሬት ኣምለሶም፡ ኣብ ኖርወይ እትነብር፡ ናይ ስነ-ቋንቋ ክኢላ እያ። ኣብ ዮኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ምምህርናን ቋንቋ እንግሊዝን ድሕሪ ምጽናዓ፡ ብ1996 ብብሉጽ ነጥቢ (distinction) ተመሪቓ፡ ን4 ዓመትን ፈረቓን ከም ተሓጋጋዚት መምህር ኮይና ድሕሪ ምስራሓ፡ ኣብ ኖርወይ ትምህርታ ብምቕጻል፡ ብ2012 ብስነ ቋንቋን ተክኖሎጅን ናይ ሊቅነት መዓርግ (doctrate degree) ተቐቢላ። ንስነ-ቋንቋ ዝምልከት ናይ ዘካየድናዮ ዕላል ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ሕቶ፡- ትግርኛ ካብቶም ብዙሕ ዘይተጸንዑን ዘይተሰነዱን ቋንቋታት’ዩ ዝብል ግምት ከም ቅቡል እንተተወሲዱ፡ ኣብ እዋን ኣህጉራውነት/ዓለም-ለኸኣውነት (globalization)፡ እቶም ነዚ ዝምልከቱ ቀንዲ ብድሆታት እንታይ’ዮም ትብሊ፧

መልሲ፡- ግምት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓቂ እዩ። ትግርኛ ካብ’ተን ብግቡእ ዘይተጸንዓን ዘይተሰነዳን፡ ከምኡ’ውን መሳለጢ ተክኖሎጂ ካብ ዘይብለን (less studied and under resourced languages) ተባሂለን ዝጥቀሳ ቋንቋታት ሓንቲ እያ። ብርግጽ፡ ኣብ ምስናድ ሓፈሻዊ ቃላት፡ ብመልክዕ መዝገበ ቃላት መሰረታዊ ዝተዓየ ስርሓት ኣሎ። ኣብ መዳይ ሞያዊ መዝገበ ቁንቑኛ ቃላትን (terminology)፡ ዝተማለአ ሓፈሻዊ ስርዓተ ሰዋስውን (comprehensive grammar) ግን ብዙሕ መጽናዕቲ የለን። መብዛሕቱ መጽናዕቲ ሰዋስው ትግርኛ ኣብ ስርዓት ኣቃውማ ቃላት (morphology) እዩ ዘተኩር። ቋንቋ ብግቡእ ተጽኒዑ ንኽንብሎ፡ ስርዓት ኣደማምጻ (phonetic and phonology)፡ ስርዓት ሓረጋትን ዓንቀጻትን (syntax): ስርዓት መደረ (discourse) ከካትት ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ መጽናዕቲ ስነ-ቋንቋ፡ ሓደ ቋንቋ ሕጂ ብኸመይ ይዝውተር ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ (synchronic): ብምንታይ ናይ ምዕባለን ለውጠን መስርሕ ሓሊፉ (diachronic)፡ እውን ዘማልእ እዩ። ብኸም’ዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ትግርኛ ካብ’ቶም ብዕምቈት ዘይተጸንዑ ቋንቋታት እዩ ዝምደብ።

ኣህጉራውነት ድማ፡ ነተን ዘይተጸንዓን መሳለጢ ዝውሕደንን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንብዙሓት ዝተጸንዓን መሳለጢታት ዘለዎን ቋንቋታት’ውን ከይተረፈ፡ የዳኽመንን ስፍሓተንን ዝውታረአን ይሓጽርን ከም ዘሎ ብዙሕ መጽናዕትታት እዩ ዝእምት። ኣብ እዋን ኣህጉራውነት፡ ንኣህጉራዊ ንጥፈታት፡ ከም ትምህርቲ፣ ንግዲ፣ ስነ-ፍልጠት፣ ዲፕሎማሲ፣ ቱሪዝም ዝኣመሰሉ፡ ዝምረጻ ቋንቋታት፡ እተን ዋናታተን ብሕሉፍ ፖለቲካውን፡ ቁጠባውን ጸብለልትነት ዘስፋሕፍሑወን፡ ከም እንግሊዘኛ፣ ስጳነኛ፣ ፈረንሰኛ፣ ወዘተ ዝኣመሰላ ዓብለልቲ ቋንቋታት እየን። ኣብ’ዚ ኣሃዛዊ (ድጅታል) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘመን’ውን፡ ኣብ’ዚ ዓውድታት ዓብላሊ ኮይኑ ዝጸንሐ እንግሊዘኛ፡ ንብሕቱ ከም ናይ ተክኖሎጂ ቋንቋ በዓል መዚ ኮይኑ እርከብ። ሓደ ቋንቋ ኣብ’ዚ ዓውዲታት እዚ ተሳትፎኡ ዝተሓጽረ እንተ ኾይኑ፡ ምዕባለኡን ቀጻልነቱን ኣብ ሓደጋ እዪ ዘሎ። ተጠቀምቲ ቋንቋ፡ ንቋንቋኦም፡ ኣብ መነንባብርኦም ክዋስእሉ እንከለዉ እዩ እቲ ቋንቋ ዝምዕብልን ዝቕጽልን። ብሕርሻን ጉስነትን ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ንመነንባብርኡ ዝገልጽ፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ የዘውትር። እቶም ካልእ ዓነይነት ንጥፈታት ቁጠባን ማሕበራዊ ርከባትን ዘዘውትሩ ድማ፡ ንዕኡ ዝኸውን መዳያት ቋንቋ የማዕብሉ። እቲ ንቡር መስርሕ ከም’ዚ እንተኾይኑ፡ እቲ ቋንቋ ብቁንቁኛታት ናይ ዝተፈላለዪ ዓውድታትን ጽላት ሞያን ተደሪዑ ይድልድል፤ ተጠቅምቱ’ውን ብቕዓትን ክእለትን ኣጠቓቕማ ቋንቋኦም የማዕብሉ።

እተን ውሑዳት ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት፡ ካብ ዶባተን ሰጊረን ምስ እንግሊዘኛ ክወዳደራ ክኽእላ እንተኰይነን፡ ተዛረብተን ማዕረማዕረ እግሊዘኛ ከማዕብሉወንን ከዘውትሩውንን ኣለዎም። ኣብ ፖሊሲ ትምህርቲ፡ መዝነትን ሓላፍነትን ቋንቋታት ተለልዪ ይሰፍር፤ ትምህርቲ ቋንቋ ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርት ይወሃብ፣ መማህራን ቋንቋ ይስልጥኑ፣ መምሃርን መካወንን ትምህርቲ ይዳለዉ፡ ወዘተ። ብተወሳኺ፡ ነተን ኣህጉራዊ ኣገዳስነት ዘለወን ቋንቋታት፡ ከም እንግሊዘኛ፡ ብዙሕ ኣድህቦ ክህባ ስለዘለወን፤ ንዓአን እውን ብዙሕ ወፍሪ ብመልክዕ ክኢላዊ ኣቕምን መሳለጢታትን የድልይ። እዚ ብዙሕ ወጻኢታት ስለዝሓትት፡ ንብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዓብይ ብድሆ እዩ። ብኻእል መዳይ’ውን፡ መንእሰያት ንእንግሊዘኛ ከም ቋንቋ ምዝንጋዕ፣ ሙዚቃ፣ ፊልምን ጸወታትን ስለዝመርጽዎ፡ ኣብ’ተን እንግሊዘኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝዝውተረለን ሃገራት፡ ብቕዓት ቋንቋ ኣደ ኣብ መንእሰያት ክዳኸም ይርአይ እዩ። ካልእ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሓበሬታ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዓለም ከም ሓንቲ ቁሸት ገይሩ ኣቀራሪቡዋ ስለዘሎ፡ እተን ነዚ መራኸቢታት ዓብሊለናኦ ዝረከባ ቋንቋታት’ውን እተን ናይ ተክኖሎጂ ቋንቋታት፡ ከም እንግሊዘኛ እየን። እምበኣር ውሑዳት ተዛረብቲ ዘለዉወን፡ ከም ትግርኛ ዝኣመሰላ ቋንቋታት፡ ንጸጋታት ተክኖሎጂ ክጥቀማሉ እንተ ኰይነን፡ እቲ ቋንቋ ንተክኖሎጂ ብዝሰማማዕ ሜላ ክቐርብ ኣለዎ። ንኣብነት፡ መኽዘን ኣሃዛዊ ጽሑፋት (corpora)፣ ኣሃዛዊ መዝገበ ቃልን (online dictionary)፣ ኣሃዛዊ መኽዘን መሳርዕ ቋንቋን (treebank) ክዳለወለን ኣለዎ። እዚ ትሕዝቶታት ዘይብለን ቋንቋታት ድማ እየን፡ ኣደዳ ዕብለላ ቋንቋታት ተክኖሎጂ ዝኾና። ቋንቋ ትግርኛ’ውን፡ ነዚ ቅጥዕታት እዚ ገና ስለዘየማልአ፡ ናይ ዕብልብላ ኣህጉራውነት ግዳይ ክኸውን ዝተቓልዐ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ተክኖሎጂ ንመጽናዕትን ንምምዕባል ቋንቋን ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣቋራጭ ሜላ’ውን እዩ። ቃላትን ትርጕማቶምን ንምእካብ፡ ስርዓትን ኣቋውማን ቋንቋ ንምጽናዕ፡ ስፍሓት ዘለዎ ኣሃዛዊ መኽዘን ጽሑፉን ዝሩቡን ቋንቋ ንምእካብን ንምምማይን እንጥቀመሉ መሳለጢታት ስለዘበርክተልና።

 ሕቶ፡- ብዛዕባ ምዕባሌን ስፍሓትን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣንጻር ምቕያርን ምርታዕን ግጕይ ኣረኣእያን ጕስጐሳን ኣሎ’ዶ ትብሊ፧ ምገለጽክዮ’ዶ፧

መልሲ፡- ስፍሓትን ምዕባለን ቋንቋ ብብዙሕ መዳይ እዩ ዝግምገም። ሓደ ካብ’ዚ መምዘኒ፡ ብዝሕን ስፍሓትን ናይ ዝተፈላለዪ ሞያዊ ንጥፈታት ሕብረተሰብ (ንኣብነት፡ ሕርሻ፣ ምሕደራ፣ ሕጊ፣ ስነ ጥዕና፣ ስነ ቁጠባ፣ ፍልስፍና ወዘተ) ዝገልጹ ቁንቁኛታት (terminology) ምህላው እዪ። ካልእ፡ ቋንቋ ብዘለዎ ሰዋስዋዊ ውስብስብ (complexity)፡ ብሕልፊ ኣብ ኣቃውማ ቃላት ዝጥቀመሎም ስፍሓት ረባሕታ፡ ተመርኲስካ’ውን ይግምገም እዩ። በዚ መሰረት፡ ቋንቋታት ዝተወሳሰበ ወይ ቀሊል ኣቋውማ (complex morphology and simple morphology) ዘለወን ተባሂለን ይልለያ። ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ቋንቋታት ኩለን (ሰማውያን፣ ኩሻውያን፣ ኒሎሰሃራውያን) ምድበን ምስ’ተን ዝተወሳሰበ ኣቃውማ ዘለወን እዩ። ቋንቋ እንግሊዝን ቻይናን ብቀሊል ኣቋውማአን እፍለጣ። ምውስሳብ፡ ሓደ ቃል ብቑጽሪ ብዝስከሞም ሰዋስዋዊ ምልክት (ኣዛማዲ፣ ኣሉታ፣ ተገብሮ፣ ኣግብሮ፣ በዓል ቤት፣ ተሰሓቢ ወዘተ) ይዕቀን። ንኣብነት፡ እዚ ግሲ ‘ዘይኣብላዕኩላ’ ኣብ እንግሊዘኛ ክትርጐም እንከሎ ናብ ምሉእ ሓረግ እዩ ዝዝርዘር ‘that I do not let him/it eat for her)። ምኽንያቱ፡ እዞም ኣብ ናይ ትግርኛ ተነቢሮም ዝለዉ ጥብቆታት፡ ኣብ እንግሊዘኛ ብቃላት እዮም ዝውከሉ። እዚ ክንብል እንከለና ግን፡ እተን ቀሊል ረባሕታ ዘለወን ቋንቋታት ጎደሎ፡ ዘይተማልኣ ማለት ኣይኮነ። ምኽንያቱ፡ ቋንቋታት ዝተፈላለየ ቅዲ እዩ ዘለወን። እተን ቀሊል ዓምዲ ረባሕታ ዘለወን ቋንቋታት፡ ነዚ ብካልእ ሰዋስዋዊ ስርዓት ይትክእኦ፤ ንኣብነት፡ ብጽኑዕ ሕጊ መሳርዕ ቃላት (word order) ብምልክታት ዝምድናታትን (case marking)።

ካብ ትዕዝብተይ፡ ገሊኣቶም ንምርታዕ ዝደፍኡ ሰባት፡ ትግርይኛ ካብ’ቲ ባህላውን ጥንታ’ውን ሰረቱ ወጺኡ ኣሎ ኣብ ዝብል ምጉት ተመስሪቶም እዮም ዝካትዑ። ኣብ ምርታዕ ጽሕፈተን፡ ኣደማምጻን፡ ኣብ ምብርባር ያታውያን ቃላት ዝተመርኰሰ እማመታት ከኣ የቕርቡ። ብወገነይ፡ ነቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣገባባት፡ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ብኸምዚ ይትኣረም ንዝብል ምጕት ቅቡል ኣይኮነን እየ ዝብል። ግለ ሰባት ክዛረቡ እንከለዉ ናይ ኣደማምጻን፡ ሰዋስውን ጌጋታት ክገብሩ እኽእሉ እዮም። ሕብረተሰብ ምሉእ ዝጥቀመሉ ስርዓት ግን፡ ብመሰረት ሰነ ቋንቋ ግጉይ እዩ ኣይብሃልን እዩ። ከመይ ሕብረተሰብ ናይ ቋንቋ ኣእምሮ ስለዝኾነን። ሰዋስው’ውን ኣብ’ቲ እኩብ ኣእምሮ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ቦታኡ። ብተወሳኺ፡ ለውጥን ምዕባሌን መሰረታዊ ባህርይ ቋንቋ እዩ። ቋንቋታት ምስ ካልኦት ቋንቋታት ርክብን ዝምድናን ክገብራ እንከለዋ፡ ናይ ግድን ይጽለዋን ይቕየራን እየን። ድምጽታት ይውስኻ፣ የጉድላ፣ ቃላት ይልቅሓ፣ ቃላት ይፈጥራ፣ ከምኡ’ውን ዝውታረኦም ዝተሓጽሩ ቃላት’ውን ይሞቱ። ብኣገላልጻ ዓውዲ ስነ ሕብረተሰብኣዊ ቋንቋ (sociolinguistics)፡ ናይ ቋንቋ ስርዓትን ሕግን ወሳኒ እቲ ተዛራቢ ሕብረተሰብ እዩ። ንሓደ ቋንቋ ክንገልጾን፡ ሕጊ ከነውጽኣሉን ከለና፡ ነቲ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ኢና፡ ንቋንቋኡ ከመይ ከም ዘዘውትሮ እንዕዘብ። እምበኣር እቲ እውነተኛ ነጸብራቕ ናይ ቋንቋ እቲ ተዛራቢኡ እዩ። እዚ ኸኣ ብትምህርቲ ስለዝተኸስተሉን ዘማዕበሎ ዘይኮነስ፡ ከም ቋንቋ ኣዲኡን መኽፈቲ ኣፉን ዝተማህሮ ናይ ልቡን ኣእምሮኡን ቋንቋ ስለዝኾነ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዝሩብ ቋንቋ ዝሰፍሐን ላህጃዊ ፍልልያትን ዘለዎ እዩ። ምርታዕ ነቲ ፍልልያት ንምጽባብን፡ ንጽሑፍ ዝኸውን ስርዓት ንምውሳን እምበር፡ ነቲ ዝሩብ ቋንቋ ንምእራምን መርታዕን ኣይኮነን ዕላማዑ። እቲ ጽሑፋዊ ቋንቋ፡ ከም ርእሱ ዝኸኣለ ላህጃ እዩ ዝውሰድ። ቀንዲ ኣድላይነት ምርታዕ ከኣ፡ ንወግዓዊ ንጥፈታት ሕብረተሰብ (ምሕደራ፣ ሕትመት፣ ትምህርቲ፣ ስነ ፍልጠት) ዘገልግል፡ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝኸውን ማእከላዊ ቋንቋ ንምፍጣር እዩ። እዚ ከኣ፡ ኮነ ኢልካ ኣብ’ቲ ቋንቋ ጣልቃ ብምእታትው ዝፍጠር እምበር፡ ብባህርያዊ ለውጢ ዝኽሰት ኣይኮነን። ኣብ ምርታዕ ቀንዲ ኣስተዋጽኦን ጽልዋን ዘለዎም፡ ክኢላታት ስነ ቋንቋ፣ ዘገብቲ መዝገበ ቃላት፣ ጽሓፍትን ኣሕተምትን፣ ተርጐምቲ፣ ጋዘጠኛታትን ሰብ መድያን እዮም። ስለዚ እዚ ኣብ ማህበራዊ መድያ ዝርአ ክትዓት፡ ንተዛረብቲ ቋንቋ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ቋንቋኦም ንቕሓት ንኽሓድሮም ተራ እጻወት እዩ፤ ግን ኣብ ምውሳን ሕግታት መርትዒ ናይ ፍሑፋዊ ቋንቋ ብዙሕ ጽልዋ ዘለዎ ኣይመስለንን።

ሕቶ፡ ዝተጸቕጡ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ምሕያል (empower ኣብ ምግባር)፡ ወይ‘ውን ብኣንጻሩ መሊስካ ኣብ ምድቋሶም፡ ቋንቋ ዝጻወቶ ተራ ብኸመይ ትገልጽዮ፧

መልሲ፡- ቋንቋ፡ ከም መረዳድእን መለዋወጢ ሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ሕብረተሰብ ርድኢት፡ ስነ ሓሳብን ዝምድናን፡ ዝገልጽ ባህላዊ ቅርሲ’ውን እዩ። ከም ቅርሲ ዝዓቀቦም ባህላዊ ኣበሃህላታት፣ ቃላት፣ ሓረጋት፣ ምስላታትን ከም’ኡ ሰዋስዋዊ ስርዓታትን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ቋንቋ ንዝምድና ሓይልን ስልጣንን ኣንስትዮን ተባዕትዮን፡ ልክዕ ከም’ቲ እቲ ሕብረተሰብ ዝኣምኖን ዘለዎ ርድኢታትን እዩ ዝገልጾ። እቲ ሕብረተሰብ ጾታዊ ኣድልዎ ዘዘውትር እንተ ኰይኑ፡ ነቲ ተግባር ኣድልዎ፡ ብቋንቋ’ውን እገልጾ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሰዋስው ትግርኛ፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ንዝሓቝፍ ጉጅለ ብተባዕታያዊ ረባሕታ ግሲ ንገልጾ። ብዛዕባ 5 ኣወዳትን 5 ኣዋልድን ዝሓቁፍ ጉጅለ፡ ክትዛረብ እንከለኻ፡ ከም ተባዕትዮ ጌርካ ትውክሎም። ንእትንዕቆ ኣካል ከም ኣንስተይቲ ጌርካ ምጽዋዕ – “ኣቲ ወዲ፡ ትሕሸኪ!” ይበሃል። ኣብ ምስላታት እውን ብዙሕ ንደቂ ኣንስትዮ ዘነኣእሱ እምነታት ንርእይ። ንኣብነት “ብተባዕታይ እዩ ዝወግሕ።” “ንዝኣኸለት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ።” ኣብ ትግርኛ ክዝውተር ንሰምዕ። ንስረ ከም መግለጺ ጅግነነት፡ ንቐምሽ ከኣ ከም መግለጺ ድኻም ጌርካ ይርኣይ። እዚ ካብ’ቲ ውሑድ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘነኣእስ፡ ንምሕያለን ከኣ ዝዕንቅፍ ልምድታት ኣዘራርባ እዩ። ስለዚ፡ ሕብረተሰብ ማዕርነትን ተሳትፎን ጾታ ንምውሓስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ነዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣብ ቋንቋ ዘሎ ልምድታት እውን ዳግመ ግምት ክገብረሉ ይግባእ።

የቐንየለይ!