ወግዒ ምስ ኣቶ ጎይትኦም ክፍሎም

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

(ቀዳማይ ክፋል)

 መእተዊ፡- ኣቶ ጎይትኦም ክፍሎም፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጥ ሓውናን ኣያናን ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ (እንኮላይ ኣብቲ ድሒሩ ዝተበገሰ ናይ “ይኣክል ምንቅስቓስ”) ንነዊሕ እዋን ከይተሓለለ ሞራላዊ ሓላፍነቱ ዝዋጻእ ዘሎ’ዩ። ኣቦ ወንበር ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን-ኤርትራ/ሆደ እንኮላይ እዩ። ኣብ መሰል ውሓዳን (minority rights) ዘተኮረ ናይ ጽሑፍ ዕላል ኣካይዳና ኔርና። ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ሕቶ፡- ኣብ ኤርትራ፡ ነቶም ብውሑዳን (minority) ዝፍለጡ ብሄራት ዝጸሉ፡ ብሄራዊ፡ ወይ ከኣ ቋንቋን ካልእን ሰረት ዝገበረ ወጽዓ ኣሎ ኢልካ’ዶ ትኣምን፧ እወ ወይ ኣይፋሉን፡ ብኸመይ፧

መልሲ፡- ኣቐዲመ፡ ነዚ ዕድል ዝሃካኒ አመስግነካ። ሰፊሕ ሕቶ’ኳ እንተኾነ፡ ኣሕጽር አቢለ ክምልሶ ክፍትን’የ። ኣብ ኤርትራ ብሄራውን ደርባውን ወጽዓታት ኣሎ። ሓባራዊ ተረድኦ ክህልወና የድሊ። ግደፍ’ዶ አብ ኤርትራ ከም ሃገር ሓጺር ታሪኽ ዘለዋሲ፡ ኣብተን ብደሞክራሲን ልዕልና ሕጊን ነዊሕ ተመክሮ ዘለወን ምዕራባውያን ሃገራት ከይተረፈ፡ ዘጋጥም ብድሆ’ዩ። ንኣብነት አብ አመሪካ እንተሪኢና ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝበጽሕ ዘሎ ወጽዓታት ሓደ ኣብነት’ዩ።

እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ዘገምታዊ ምዕባለኣ ሓልያ ብሰናይ ድሌት ናይ ኩሎም ህዝብታታ ዝተመስረተት ሃገር ኣይኮነትን። ቅድም፡ ብግዳማዊ መግዛእታዊ ወራር ጣልያን፡ ብናታቶም ረብሓ፡ ልክዕ ከምተን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ብዓመጽ ዝተመስረተት ሃገር’ያ። ንሓደ ህዝቢ ኣብ ክልተ ወይ ኣብ ሰለስተ ሃገራት መቒሎም፡ መንነት፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ታሪኽ፣ መሬት፣ ቋንቋ፣ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ኣብ ግምት ከየእተው፡ ካብቲ ጎቦታት ወይ ስንጭሮ ንነጀው ግዝኣትና’ዩ ብምባል፡ ኣብ ካርታ ኣቐሚጦም፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምን ረብሓን ጥራሕ ብዝገልግል ኣተሃናድሳ እዮም ንሃገራት ኣፍሪቃ መስሪሖመን።

ህዝብታት ኤርትራ ናይ ሓባር ሃገር ክትህልዎም ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም። ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ብ1991 ኤርትራ ናጻ ኮይና። ኣብቲ መስርሕ ዝፈጠርዎ ሓድነት ብቐሊሉ ዘይድምሰስ’ዩ። ኣብ ሓድነት ቃልሲ፡ ኣብ ቃልሲ ድማ ሓድነት ኣሎ። ናይ መድረኻት ሕቶታትና ካልኣዊ ግርጭታትና’ዮም። ነዞም ሕቶታትና መፍትሒ ምርካብ ድማ ሓላፍነትና እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ስርዓት ምዃኑ ከነለሊ የድሊ።

እዚ ስርዓት (ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ.) ነዚ አብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሕውነትን ሓድነትን መዝሚዙ፡ ስልጣኑ ምስ ጨበጠ፡ “ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ደኣ’ንበር ብሄራት ዝበሃላ የለዋን፡ ድሕሪ ሕጂ ብሄር ምባል ገዲፍናዮ ኢና” ኢሉ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ብዕሊ ኣዊጁ። ኣብ ኤርትራ ብሄራት ዝበሃላ የለዋን ኢሉ ብቐንዱ ንህልውንኦም ክሒዱ፡ ንኸጽንተን’ውን መደባት ሓንጺጹ’ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ካብ ህልውናኻን ቋንቋኻን መንነትካን ታሪኽካን ምኽሓድ ንላዕሊ ዝኸፍእ ወጽዓ እንታይ አሎ፧ እዚ ደኣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንኹለን ብማዕረ እንዲዩ የለዋን ኢሉ፡ ንሓደ ከልኪሉ ነቲ ካልእ ኣየፍቀደን ዝብል ሓሳብ ክቐርብ ይኽእል’ዩ። ብተግባር ዝረኤ ሓቂ ግን ናይ ኤርትራ መንግስቲ ዕላዊ ቋንቋን መንነትን ባህልን ስልጣንን ኮታ ኩሉ ኣብ ኢድ ገዛኢ ደርቢ ብሄረ ትግርኛ’ዩ። ካብዚ ውጹዕ ህዝቢ ትግርኛ ይርባሕ ኣሎ ማለትና ኣይኮነን፡ ግን ድማ ብታሪኹን መንነቱን ባህሉን ቋንቋን ከምቶም ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ወይ ከም ብሄረ ብሌን አይሹቕረርን’ዩ።  

ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ናይ መን ብሄር ወይ ዞባ ይበዝሑ ብዘየገድስ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም። ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ንብሎም። ሕድሪ ስዉእትናን ባህጊ ህዝብናን ዝጠለሙ’ዮም። ህግደፋዉያን ክብል ከሎኹ ነቶም “ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ዝበሉ ዝምልከት እንኮላይ’ዩ። ንሱ ዝቐትሎም ንሕና’ዉን ንሕተት፡ ንሱ ዝኣበሶ ንሕና’ውን ንድግፎ ዝብሉ ሓዊስካ እቲ ድሕሪ 1991 ኣብ ገዛኢ ደርቢ ዝተሰጋገረ ጉጅለ ማለት’ዩ። ኣብ ሃገርና ናይ ሓደ ሰብ ቃልን ድልየትን ሕጊ ሃገር ኮይኑ ኣሎ። ኩልና ንጭቆንን ንዉጻዕን ንእሰርን ንመውትን ንስደድን ኣሎና። ዝወርደና ዘሎ መልክዑ ደአ ይፈላለ’ንበር ጭቆናና ሓደ’ዩ። መን’ዩ ባህጊን ትጽቢትን ህዝብናን ሕድሪ ስዋአትናን ዝጠለመ፧ መን’ዩ ዝጭቁነናን ዝዉጽዓናን፧ ቀንዲ መሳርሒ ናይ እዚ ስርዓት እሙን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ናይ መን ብሄርን ቋንቋን ባህልንከ’ዩ፧ እዚ ብኣሃዛት ክግለጽ ይከኣል’ዩ (ኣብ ታሕቲ ክገልጾ’የ)።

ዲሞክራሲ ካብ ዉልቂ ክሳብ እኩባት ንዘሎ መሰል ምኽባር’ዩ። እዚ መሰል ብእኩብ/ብጉጅለ ክርአ ከሎ፡ ንኻልኦት መሰል ደረት ከይሰገረ ቋንቋ፣ እምነት፣ ፖሎቲካ፣ ኤትኒክ (ብሄር)፣ ረብሓታት፣ ጾታ፣ መሰል ስድራ-ቤትን ወዘተ ዘካተተ’ዩ። ብዉልቂ ክርኤ ከሎ ድማ ሓደ ሰብ ደረት ወይ መሰል ካልእ ከይሓለፈ፡ ክኣምን፣ ክመርጽ፣ ክምረጽ፣ ክጽሕፍ፣ ክንእድ፣ ክነቅፍ፣ ዘሎ መሰላት ወዘተ ዘካተት’ዩ። እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ከይተረፈ ተፈላጥነት ዝተዋህቦ መሰላት’ዩ።

ዲክታቶራትን ትምክሕታኛታትን ነዚ መሰላት ብሓይሊ ስለ ዝጭፍልቑ ገዛእቲ ንብሎም። ዲክታቶራት ክነግሱ ከለዉ ጸግዒ ቋንቋን ባህልን እምነትን ተጠቂሞም’ዮም ዝድይቡ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ናይ ጨቆንቲ ደርቢ ንብሎ። ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴን ናይ ደርግን ስርዓታት ናይዚ ኣብነታት’ዮም። ናይ ኢሳያስ ስርዓት፡ ብቛንቋ ብሌን’ “ድርኩዂ” ክትብሎ ይከኣል። ካብ ዲክታቶርነት ልዕል ዝበለ ሕግን ሕድገትን ንዘይብሉ ስርዓት ዝወሃብ ቃል’ዩ። ከም’ቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ባህሊ ኣምሓራ ተሸኺሎም ንኻልኦት ከምሓርሕሩና ዝጸዓሩ እዚ ስርዓት’ውን ብግስ ክብል ከሎ ንባህልን ቋንቋን ብሄረ ትግርኛ መንጸፍ ገይሩ’ዩ ደዉ ዝበለን ዘሎን። ኣብ መዋቕር መንግስቲ፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ወሰንቲ ቦታታት ብኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ፡ ብደቂ ብሄረ ትግርኛ’ዩ ዝውነን። ሚኒስትትሪታት፣ ናይ ጸጥታን ሰራዊትን ሓለፍቲ ተዛረብቲ ትግርኛ’ዮም። መማቕርቲ የለዉን ከስምዕ የብሉን። ናይ መንግስቲ እንኮ ቋንቋ ትግርኛ’ዩ። ካሪኩለም ትምህርቲ ብትግርኛ’ዩ። ኣብ ሳዋን ኣብ ሰራዊትን ወግዓዊ ቋንቋ ትግርኛ’ዩ። ኣብ ናይ ትምህርቲ ትካላትን ስራሕ መንግስትን ክትኣቱ ትግርኛ ኣጽሪኻ ክትፈልጥ ኣሎካ። ንጣር ምርኣይ ግን ንቡር’ዩ። ካልእ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣብ ዓመታዊ ፈስቲፋቫል ጥራይ’ዮም ዝርኣዩ። ኣብ ባይታ የሎዉን። ወላ እተን ነባራት ቋንቋታት ኣብ ቁዋም መንግስቲ “ሰፊረን ኣለዋ” ዝብሉና ዓረብን ትግርኛን ማዕረ ኣይኮናን። ዓረብኛ፡ ከም ቋንቋ፡ ንኣሃዱኣዊት ትግርኛዊት ኢሳያሳዊት ኤርትራ ጸላኢት’ያ። ብሄራት ኤርትራ ትግርኛ ሓዊስካ ጭቆናን ወጽዓን ከም ዘለዎም ፍሉጥ’ዩ። እዚ ግን ከም ስኒ ኣድጊ ማዕረ’ዩ ማለተይ ኣይኮነን።

ብሄራት “ንሕና ንፈልጠክን” እየን ዝበሃላ። ነቲ ኣሜን ኢሉ ዝቕበሎም ናይ ዞባ ሓላፊ እንተሾሙዎ እቲ ናይ ቀበሌ/ምምሕዳር ሓላፊ ተወላዲ ትግርኛ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ይእዝዞ። ንፖሎቲካን ንፕሮፓጋንዳን ኢሎም ቆንስል እንተሾሙ ’ውን ብተራ ኣባል ቤት ጽሕፈት ይእዘዝ። ባይቶታትና ፈሪሰን፣ ባህላዊ ዉዳቤና ተበሊሉ። ብሄራት ኣብ ፖሎቲካ ተራ መታን ከይህልወን ብምኽኒት ዞባዊ ምሕደራ ኣታትዩ ኣፈን ዓጺዩወን። ናይ ዞባ ምምሕዳር ታሪኻዉን ባህላዉን ህዝባዉን ኣይኮነን። ንብሄረ ትግሪኛ ኣብ ናይ ኩለን ብሄራት መሬት ከም ዝኣቱ ጌሮሞ። እዚ ድማ ክጭፍልቕን መሬተን ክወርርን ኩነታት ፈጢሩሉ። ብሓፈሻ ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ መሰል ንኣሽቱ ብሄራት ተዓፊኑ’ዩ ዘሎ። ድርብ ጭቆናን ወጽዓን ከም ዘሎ ዝካሓድ ኣይኮነን። ብሄረ ትግርኛ ተጠቂማ ከስምዕ የብሉን። እንተኾነ ግን እቲ ስርዓት ብስም ብሄረ ትግርኛ ዲክታቶር ኮይኑ ብዓመጽ ረብሓታቱ ኣስፋሕፊሑ’ዩ። ስእሊ ብሄራት ኤርትራ ኣብ ካርታ እንበር ኣብ ባይታ ይድምሰስ ኣሎ።      

ናይ ንኡሳን ብሄራትና ቀንዲ ምንጪ እቶተን መሬት’ዩ። ዝበዝሐ ህዝብና ብማሕረስን መጓሰን ምግፋፍ ዓሳን ይናበር። ኩለን ብሄራት ጸገም መሬት ኣለወን። ብሄር ትግርኛ ዝያዳ ጸገም ከም ዘለዋ ንርዳእ። እዚ መፍቲሒ ንሓደ ዘየኽስር ንሓደ ድማ ዘየኽስብ ብሓልዮትን ብፍትሕን ክኸዉን ምተግብኤ። ኣካይዳ መንግስቲ ግን ንኹለን ብሄራት ብዘኽስር ግን ሓዊ ዝኣጉድ ኣገባብ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብ መሬት ብሌን ዓፋርን ኩናማን ናራን ሃረንዱዋን ብግልጺ ዝረኤ’ዩ። ህዝቢ ብሌን መጋርሕ መሬት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ታቦታቱ መዕቖብን፡ መግለጺ መንነቱን ታሪኹን መቓብር ኣባሓጎታቱን ዝኾነ ሰክረት ክቡር ቦታ’ዩ። ሰርዓት ህግደፍ ግን ነዚ መሬት’ዚ ካብ ዋናታቱ መንዚዑ ብሓይሊ ንላዕለዎት ሰበስልጣናት መንበሪ ኣባይቲ ጌርዎ። ካልእ ናይ ሕርሻ ቦታታት ድማ ናይ መንግስቲ ሕዛእቲ እንዳበለ ብተዘዋዋሪን ሕቡእን ንእሙናቱ ዝኾኑ ደቂ ብሄረ ትግርኛ ይዕድሎ። ስርዓት ህግደፍ መሬት ህዝቢ ዓፈር ንናይ ግዳም ሓይልታት ኣሕሊፉ ይህብ ኣሎ። መሬት ህዝቢ ዓፋር ንኢማራት ኣካርይዎ ኣሎ። ዓፋርን ዓሳን ካብ ባሕሪ እንተዉጺእካዮም ይሞቱ። ካብ መሬቱ ሚነራላትን ዓሳታትን ክራይ መሬትን ክገሓጥ ከሎ ዓፋር ግን ሰሪሑ ክበልዕ እኳ ሕጊ ኣይፍቅደሉን። ህዝቢ ኩናማ መሬቱ ተሓዲጉ ጠቕሊሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝስደድ ተገሩ ኣሎ። ከተማታት ባረንቱን ተሰነይን ከረን ካልኦት ሕጂ ዝጣየሳ ሰፈራታት ኣብ መሬት ሓረስታይ’የን ዘስፋሕፍሓን ዝምስረታን ዘለዋ። ሓረስታይ እዘን ብሄራት ግደፍ ብቑጠባ ክምዕብል ነዛ ሂወቱ እኳ ክነብር ዋሕስ የብሉን። ነቲ መሬትና ዝወርር ገዛኢ ደርቢ ብሄረ ትግርኛ’ዩ። “ኣሓዋትና” ትብልዎምን ንብሎምን’ዮም። ብደዐ ቓላቶም ካብ’ቲ ዱላታቶም የሕምም። ኣብ ፈይስቡክ ብድዐኛታት “ኣግኣዝያን” ዝብልዎ ብግብሪ ገዛኢ ደርቢ ብሄረ ትግርኛ ይፍጽሞ ኣሎ።

ንባህሊ ዝምልከት ‘ውን ኣሎ። ባህሊ ከም ዕንባባ’ዩ። ንግሆ ንግሆ ማይ ክተስትዮ ኣሎካ። ባህሊ ክዕንብብን ሃገራዊ መልክዕ ሒዙ ንህዝቢ ከርብሕን እንተኾይኑ ብቐዳምነት ዝቕበሎን ዝሰርሓሉን መንእሰይ የድሊ። መንእሰይ እንተዘየሎ ባህሊ የሎን። መንእሰይ ኮነ ኢልካ ከም ዝስደድን ዝብተንን ይግበር ኣሎ። እቲ ዘይተሰደደ ድማ “ብሕጽቦ ሓንጎል” ኣተሓሳስብኡ ይብከል። ብባህሊ ዝተሳዕረ ህዝቢ ድማ ንዘልኣለም ግዙእ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ። ኣብ ኣዉዳኣመትን ፈስቲቫላትን ንመጸባበቕን ንፕሮፕጋንዳን ባህልታተን እንተረኤኹም ንሱ ኣይኮነንን ባህሊ ዝበሃል። ኣብ መሬት ናኣሽቱ ብሄራትና ናይ ትግርኛ ባህልን ቋንቋን ክሳብ ኣብ ሕንብርቲ ቦታታትና ኣትዩ። ኮቦሮን ቆለን ደርፍታት ትግሪኛ ዘይክእል ኣይስልጡንን’ዩ። ኣብነት ክኾነነና መደብ ሽንግርዋ ንመልከት። ንዕቀት ክሳብ ክንደይ ዓዚዙ ከም ዘሎ ይርደኣና። ክፈርድ ዝኽእል ወዲ ብሄር ጠፊኡ ኣስተርጓሚ እኳ ዝተሳእነሉ ህሞት በጺሕና። ብሕጽር ዝበለ ባህሊ ዋናኡ ዝተጨቆነ እንተኾይኑ ንሱ’ውን ጭቁን’ዩ።

ንቛንቋ ዝምልከት፡ ከም መንግስቲ “ትግርኛን ዓረብን መሳርሒ ቋንቋ ሃገር’ዩ” እዩ ዝብል። እዚኣ ናይ ኢሳያሳዊት ትግሪኛዊት ሓዳስ ኤርትራ ግን ብግስ ክትብል ጸረ ቋንቋ ዓረብ’ያ። ንፕሮጋንዳን ንኣምሰሉን ንሸፈጥን ኣብ ዓበይቲ በዓላትን ፈቲቫላትን ብዓረብ ክምደር ንሰምዕ። ኣብ ግብሪ ግን ስራሕ መንግስትን ካሪኩሉም ትምህርትን ብዘይካ ትግሪኛ ቋንቋ ካልእ ወሰኽ የልቦን። ኩሉ ክርድኦ ዘለዎ፡ ኣምሓርኛ ንቋቋታና ጸቒጡ የስፋሕፍ ኣሎ ኢልና ዝመከትና ትግርኛ ንኻልኦት ቋንቋታት ክጸቅጥ ደሊናን ሓሲብናን ኣይኮንናን። ናኣሽቱ ብሄራት፡ ዜጋታተን ብቋንቋ ዓረብ ዝተማህሩ ብዙሓት ደቂ ኣለውወን። እዚ ድማ ቅድሚ ኤርትራ ሃገር ምዃና ኣብ ኤርትራ እቶም እስልምና እምነት ዝኽተሉ ኣሕዋትና ብብዝሒ ብቋንቋ ዓረብ ደቆም የምህሩን ንናብሮኦም ምምሕዳር ይጥቀሙሉ ነሮም። ሎሚ ናእሽቱ ብሄራትና ብዙሓት ዝተማህሩ ደቀን ንስደት ስለ ዝተጓዕዙ ሓይሊ ሙሁራተን ተጸንቂቑ’ዩ። መሳርሒ ቋንቋታት ምኽባር ሃገር ምኽባር ክቁጸር ኣለዎ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንሕናስ ንመዉትን ንስደድን’ዶ የሎናንን ዝብሉ ኣለዉ። ነቲ ዓመጽና ክንዲ ክርድእዎ ዝፍትኑ ከነኣእስዎ ይረኣዩ። መረደእትኦም ከስፍሑ የድሊ።

(ይቕጽል)

14.12.2020