ወግዒ ምስ ኣቶ ጎይትኦም ክፍሎም (2ይ ክፋል)

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

 ሕቶ፡- ሓደ ግዜ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘስፈርካዮ ዓንቀጽ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ዕብለላ ብሄረ-ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ብሄረ-ብሌን ንምግላጽ (ብውሑዱ በቲ ባህላውን ቋንቋውን መዳያት)፡ ምቕያር ያታዊ ኣስማት ናይ ደቂ ብሌን፡ ካብ ብሌን ናብ ትግርኛ፡ ከም ኣብነት ኣልዒልካ ኔርካ። ብኸመይ’ዩ ዝፍጸም ኔሩ እቲ ምቕያር፧ ጽልውኡ’ኸ ክሳብ ክንደይ’ዩ፧

መልሲ፡- ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ናይ ተሰማዕቲ ጸሓፍትን ደረፍትን ናይ እምነትን መንግስትን ሓለፍትን ባህሊ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ብፍላይ ገዛእቲ ባህሎም ኣብ ግዙኣት ጽልዋ ክህልዎ ብመደብ’ዮም ዝስርሐሉ። ንኣብነት ናይ ጣልያን መግዛእቲ ባህሊ ኣብ ፖሎቲካናን ቁጠባናን ባህልናን ብዙሕ ጽልዋ ገዲፉ’ዩ። ብሃይማኖትካ፣ መንነትካን ቋንቋኻን ነብሰ-ምትሓት ከተሕድር ዘገድድ ኩነታት ክፈጥሩ ህርዲግ ይብሉ። ንኣብነት “እንታይ ጭሪቕ-ምሪቕ ትብሉ ሰብ ዝሰምዖ ቋንቋ ዘይትዛረቡ” ዝብል ተጽዕኖ ይጥቀሙ።

ናይ ብሌን ኣሽማት፡ ንኣብነት ደርማስ፣ ገንደር፣ ጨባዕ፣ ዳህባ፣ ዓበት፣ ዕድለት፣ ሕጂ ቀስ ብቐስ ብናይ ትግርኛ ኣስማት ይትክኡ ኣለው። ጽልውኡን ስፍሓቱን ኣቃሊልካ ዝርኤ አይኮነን። ስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮ’ዩ። እዚ ግን ኣብ ብሌን ተሓጺሩ ዝተርፍ አይኮነን። ካብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝጀመረ፡ ምስ ምምጻእ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝተተሓዝ ሓደ ጸገም ክገልጽ። እቶም ንጣር ደቂ ኣባት ኣቕሽሽቲ ወይ ደናግል እንተኾኑ ‘ውን ናይ ሓበሻ ስሞም ብናይ ጻዕዳ ስም ይልዉጥዎ ነይሮም። ኣብ ብሄር ብሌን እቲ ወገን ካቶሊክ ብባህሊ ትግርኛ ዝተዓብለለ ስለ ዝነበረ ኩሉ ባህላዊ ኣስማትና ኣብ ጥምቀት ይኹን ብወለዲ ብናይ ትግርኛ እናተተክአ ከይዱ። ስመይ ንዉሰድ። ብብሌን ምስ ዝትርጎም “ትንእስ’” ኢያ ትመስሎም። ኣነ ብንእስነተይ ክሳብ ሕጅ’ውን ፓን ኣፍሪካኒስት’የ። ባህሉ ዝሓድግ ሕብረተሰብ ከም ኣብ ማይ ዉዑይ ኣትያ ዝተመልጠት እሞ ዝሞተት ደርሆ’ዩ እየ ዝብል። ከም ጎደፋይ፣ ኣድጎም ዝኣመሰሉ ኣስማት፡ ብድሕሪኦም ታሪኽ ስለ ዘለዎም ደስ ይብሉኒ። ብሓፈሻ ምኽረይ ንደቅና ስም ክህቡ ከለዉ ብጽልዋ ናይ መራሕቲ ሓደ ገዛኢ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ እምነት ከይጽለዉ እላበዎም።

ሕቶ፡- ኣብ መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ መሰል ውሑዳን ብዝተኣማምን መገዲ ፍታሕ ክርከበሉ ካብ ዘኽእል ቀንዲ ኣገባባት እንታይ ምጠቐስካ፧

መልሲ፡- ቁስልኻ ቁስለይ’ዩ ክንበሃሃል ኣለና። ብዙሕ ዕዮ ገዛ ኣሎና። ንጸገማትና ካብ ሕጂ ብግሁድ ንዘራረበሉ። ነይረን ነይርናን ዝብል ኣጉል እምነታት ነወግድ። ሓድሽ መድረኽ ንኣቱ ስለ ዘለና ንዕኡ ዝመጣጠን ናይ ቃልሲ የድልየና። ጸላኢና መጻእተኛ ኣይኮነን፣ ብቁልና’ዩ። ብዓባያ እታ ሃገር ኣብ ሓድጋ ኤእቱዩዋ ኣሎ። ብታሪኽ፡ ብሄራትና ምዕቡል ሕግታት እንዳባን ምሕደራን ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ህዝቢ ናተይ ስለ ዝብሎ ይሕልዎን ብድልየቱ ይግዛኣሉን ነይሩ። ኣብ ህንጸት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንዕወት እንተኾይንና ብጽልዋታት ኣብ ታሪኽና ክንምለስ ኣሎና። ፍትሓዊ ናይ ግርጭት ኣፈታትሓ ባህሊ ኣለና። ክንፍትሾ የድልየና። ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ቃልስና ‘ውን ንፈትሾ። ጥበብን መሳርሕን መሳርሕትን ዝጎደሎ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝብና ሰላም ምንባር ረኺቡ እንበር ዝያዳ ደኽዩን ተበታቲኑን’ዩ ዘሎ። ቓልስና ብቀዳምነት ንመን ዘማዕደወ’ዩ ክኸዉን ዝግባእ፣ ንመንከ ሓቑፉ ክቅጽልን ክዕወትን ይኽእል፣ ዘይተመለሱ ሕቶታት’ዮም። ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ምስ ዘሎ ህዝብና ጽኑዕ ምትእስሳር ክንፈጥር የድሊ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ምስ ዝነብር ህዝብና ብመንፈስ ኢና ንራኸብ። ምስ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ድማ ዓፍራዊ ዝምድና’ዩ ዘሎና። እዚ ክዕረ ይግባእ። ደገፍቲን ተቓወምቲ ብባህግን ብሕልምን ኩልና ኣብ ኤርትራ ኢና ንነብር። ህግደፋዉያን ይኹኑ ካልኦት ንሃገር ኪዱ እንተንበሃል ግን ዝኸይድ ካብ ዝተርፍ ምወሓደ። እቶም ዕድል ሃብትን ትምህርትን ዝረኸቡ’ውን ኣይድቅሱን። ስደተኛታት’ዮም። ኣብ ስደተኛ ኣልፋ ኦሜጋ የሎን።

እቲ ናይ ቀደም ገድላዉን መንግስታዉን ታሪኽን ሃብትን ሹመትን ሙያን ነበረ’ዩ። ሎሚ ዘድልየና ብናይ ቀደም ጽልዋታትና ከይተሞቓሕና ነዚ ዘለናዮ ዘበን ዝምጥን ናይ ፖለቲካ ኣካይዳ እዩ።

በዚ ዘለናዮ ዘበነ ነብረሉ መንነት ፖሎቲካና ክእንፍት ኣለዎ። ንስደትና ንርዓሞ ዘይኮነ ካብ ኮነ ካብኡ እንታይ መኽሰብ ከም ንረክብን ሓባራዉነትና ኣደልዲልና ንቅድሚት ናብ ሓንቲ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህንጽ ብኸመይ ንበዕቅዕ ክርኢ ኣሎና። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ስደተኛ ብተዘማዲ ተስፋ ዝነበሮ ነይሩ። ህግሓኤ ነዚ ግርም ኣጽኒዓ ቲፎዞ ከም ዝኸዉን ገይራቶ። ኣብ ስደት ዘሎ ዓቕሚ ህዝብና ብግቡእ መዝሚዙ ዝቓለስ ዉድብ የሎን። ዲሞክራስያዊ ዉድብ ብሄረ ብሌን ነዚ ብንጹር ክንርእዮ ንደሊ ኢና። እንተኾነ ጽልዋታት ይዓግተና’ዩ። ናይ ደንበ ተቓዉሞ ፖሎቲካ ካብ ሂወት ስደተኛ ዝተበገሰ እንተዝነብር እዘን ሕጂ ዝጣየሳ ሓደስቲ ምንቅስቅሳት’ውን ጫፍ ፖሎቲካ ኣይምሓዛን።

ማንትለ ነጢራ ነጢራ ኣብ ባይታ ከም ዝበሃል፡ መንነትና ኣኽቢርና ካብኡ ንበገስ። ኣብ ኩለን ንነብረለን ሃገራት ንህላዌና ዘረጋግጽ ፖሎቲካዊ መንገድን ቁጠባን ባህልን ንስራሓሉ። እዚ ፈትዉን ጸላእን ዝብል ቃል ብጥንቃቀ ክንጥቀሞ ይግባእ። ደርብታት ምስ ዝህልዉ ኣብ መሬት ድማ ምስ ዝቖሙ ጸላእን ፈታዉን ኣሎ። ኣብ ስደት ግን ስሚዒትን ቲፎዞነትን ተስፋ ምቑራጽን’ዩ ዘሎ። ፈዉሱ ምሕቛፉ’ዩ። ምስጉጓግን ምጽላምን ንፍልልያትና ስለ ዘብዝሖም ኣብ ዕንክሊል የንብረና። እዚ ዝበልክዎ ቅድመ-ኩነት ናይ ህንጸት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ’ኸ (እንኮላይ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት) ናይ ውሑዳን ሕቶ ብኸመይ ክተሓዝ ኣለዎ ትብል፧ 

መልሲ፡- ባይቶ ይኣክል ናይ ዝቐደሙ ቃልስታትና መቐጸልታ’ዩ። ብዓወት ዝንየት ብቑስልታት ዝሕንክስ ባይቶ ግን ክኸዉን ኣይግባእን። ህዝቢ ንቓልሱ ባዕሉ ክዉንን፣ ክቃለስ፣ ሕድሪ ዘንበረሉ ባይቶ’ውን’ዩ። ዘምጽኦ ግዜን መድረኽን ግን ብግቡእ ክርድኣ የድልዮ። ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና ስነኣምሮእዊ ኲናት ተኻይድሉ መይቱ ክበሃል ከሎ እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ይኣክል ካብ ከርሲ ዉጹዓት ተወሊዱ። ቅድሚኡ ዝነበሩ ቃልስታት ወላ ሕጅ’ውን ሰለይ ዘይብሉ ዘየዋጽኡ ኮይኑ ስለ ዝተሰሞዖም ገለ ስሚዒታዉያን ዘበገስዎ ህዝቢ ድማ ዝዓሰሎ ህዝባዊ ምልዓል’ዩ። ጽቡቑ ኣይተሰዓርናን ኣሎና ክኸዉን ከሎ ሕማቑ ድማ ኣብ ሓጺር ዉጺኢት ክርኢ ዝደሊ ህንጡይነት ዝዓብለሎ ምልዕዓል ምዃኑ’ዩ። ኩሉ ፖለቲካውን ባህላዉን ምልዓላት ህዝቢ ኣብ ዲያስፖራ ሓላዊ ዘይብሉ ሰፍኢ እኽሊ ኣብ ኣፍ ደገ ዘቐመጥካዮ’ዩ። ንመላኺ ስርዓት ዝተጋለጸ’ዩ። እቲ ህዝቢ ከይሕልዎ ድማ እቲ ንሕና ነበግሶ ምልዓላት ኣብ ስሚዒታትና እንበር ኣብ ምኽኒታት ሂወትና ዘየማዕደ’ዮ። ባይቶ ይኣክል ነዚ ምልዓል’ዚ ህዝባዊ ክግብሮ ብዙሕ መንገዲ ክኸይድ’ዩ።

ብቐዳምነት ንፍልልያትና ብባህላዊ ኣገባብ ዝፈትሕ፡ ንሰብ ብእምነቱን ብጾቱኡን ብብሄሩን ብባህሉን ብዉደባኡን ዝሓቑፍ ክኸዉን ኣለዎ። ካብ ነበርኩን ነበረንን ሕልምታት ተላቂቑ፡ ካብ ሕጂ ዘሎናሉ ህሞትን ሂወትን ዝዛመድ ኣገባብ ኣልሲ ከተኣታቱን ክኽተልን ኣለዎ። ባይቶ ይኣክል ንሱን ባዕሉን ናይ መጀመርታን ናይ መጠረሽታን ቃልሲ ከም ዘይኮነ ኣሚኑ ባህላዊ ትሕትና ዝተላበሰ ባይቶ ክኸዉን ኣለዎ። ቀንዲ ጸላእቱ ግዝያዊ ስሚዒታትን ውልቃዊ ሕልምታትን ምዃኖም ኣሚኑ ነዚኦም በብዝመጽእዎ ኣገባብ ናብ ዘይፍትሑ ቁጽርታት ከይባዝሑ ብዘተን ብትዕግስትን ብፍትሕን ክፈትሖም ክጽዕር ኣለዎ። ባይቶ ይኣክል ናይ ዲያስፖራ ህዝቢ ምዃኑ ኣሚኑ ናይ መቃለሲ “ፕላትፎርም” ኮይኑ ንህዝቢ ዋልታን ጭማራን ኮይኑ ዝከላኸል ንሽግራቱ ዝፈትሕ ንመጽኢኡ ከም ዝሰርሕን ብርዝርድኦ ቋንቋ ምስ ህዝቢ ክዛረብ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ንሕና ነልዕሎ መሰል ብሄራት ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽኩዎ መሰል ህዝቢ’ዩ። ብትምክሕትን ጸቢብነትን ክረኤ ኣይግባእን። ሓሙሽተ ብሄራት ኤርትራ ጭንቀንን ዝወርደን ወጽዓን ይገልጻ ኣለዋ። ባይቶ ይኣክል ሙሉእ መሰል ብሄራት ምስ ዝኣምን ሙሉእነት ሃገር ዘለዎ ምዃኑ ባዕሉ መርኣያ’ዩ። እዚ መሰል ብሄራት ካብ ካልኦት ዝተለቓሕናዮ ወይ ናይ ጸጋም ጽልዋ ኣይኮነን። ቅድሚ ኩናማን ናራን ዝነበረ’ኳ የሎን። መሰል እዚኦም ይከበር ምባል ጀዲድ ክኸውን የብሉን። ታሪኽና ምስ ነንብብ ቅድሚ ጸጋማዊ ቃልስታት ምምጽኡ፡ ህዝብና ንመሰላት ህዝቢ ዝኣምን ባይቶን ሕግታትን ነይርዎ’ዩ። ባይቶኣዊ ሓይሊ ድማ ዘኽብር ከም ዝነበረ ከዝኻኽር ደስ ይብለኒ። ባይቶ ይአክል ንመንእሰያት፣ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ኣብ ቃልሲ ሃብታም ተሞክሮ ዘለዎም፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኮታ መላእ ሕብረተሰብና ምስሉ ዝርእየሉ ኣካቢን ናይ ተስፋን ብሩህ መጻእን መንገዲ ክኸዉን ሓደራ እብል።

ሕቶ፡- ካልእ ክትብሎ ትድሊ፧

መልሲ፡- ሕቶ ብሄራት ብትምክሕተኛታትን ብጸበብትን ክተሓዝ ከሎ ንሓድነት ህዝብን ንህልዉና ሃገርን ሓደጋ ኣለዎ። ናይ ብሄራት ሕቶ ብግቡእ ዘይምምላስ ሕማቕ መግቢ ከም ዝበልዐት ከርሲ ጌርካ ክምሰል ይከኣል። ድቃስ ኣይህብን። ንዘሎ ናይ ወጽዓታ ሕቶታት ብሓልዮትን ብፍትሕን ክንጥሞ ይግባእ። ካልእ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ምስ ህዝቢ ብሄረ ትግርኛ ስድራዉን ሃገራዉን ቓልሳዉን ደርባዉን ሕውነት’ዩ ዘሎና። ብማይ ብመሬት ብሰማይ ብእምነት ንተእሳሰር ህዝብን ስድራን ኢና። ዝዉጻዓና ዝጭቑነና ዘሎ ገዛኢ ደርቢ ንፖለቲክኡ ኣብ መንጸፍ ባህልን ቋንቋን ትግርኛ ኮይኑ ይትግብሮ ምህላዉ’ዩ። እንበር ብህዝቢ ትግርኛ ንጭቆንን ንዉጻዕን ኣሎና ንብል የሎናን። ኢልና’ውን ኣይፈልጥን። ንወጽዓና ንብሄረ ትግርኛ ክነርድእ ድማ ሓላፍነት ኣሎና። ገለ ናይ ብሄረ ትግርኛን ካልኦት ብሄራትን ትምክሕተኛታትን ጸበብትን ነዚ እህህታና ከይንዛረብ ከይንቃለስን ክዓግቱና ከቶ ኣይክእሉን’ዮም። ብዝሕነትና ጽባቐና፣ ሓይልናን መልክዕና’ዩ ኢና ንብል። ናይ ሕሉፋትን ትምክሕተኛታትን ክንቃልሶ እንከልና፡ ካብ ደላይ ፍትሒ ሞራልዊ ሓላፍነት ናይ ምውጻእ ግዴታ ንጽበ። ደሞክራቲክ ዝኾኑ ደቂ ብሄረ ትግርኛ ነዚ ተረዲኦም ካባና ንላዕሊ ዝቃለሱሉ ከም ዘለዉ ንኣምንን ንኣበርክቶም ድማ ንንእድ። ንሕና ንዘተ ቁሩባት’ና። ኣብ ንሕና ዘየሎናሉ ዝዛረቡን ዘጸልሙን ሓደራ ደዉ በሉ ንብል። ገጽ ንገጽ ንዛተ። ህዝቢ ድማ ምርጫኡ ይግበር። ገለ ስሚዒታዉያን ንህዝቢ ዝጸርፉን ዘስተናዑቑን ከም ባህልና ወጋህ ምባሎም ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ። ብሕጊ ክሕተትት ዝኽእል ተግባት ይፍጽም ከም ዘሎ ምዝኽኻር ‘ውን ሓላፍነትና እዩ። እዛ ሃገር ካብ ኢድና ሸታሕ ኢላ ከይትሞሉቑ፡ ግርጭታትና ብዘተ እና ፈታሕና ንቀዳምነታትና ቀዳምነት እናሃብና ክንቃለስ ኩልና ግዴታ ኣለና። ደጊመ ንዝሃብካኒ ዕድል አመስግን።

31.12.2020