ወግዒ ምስ ኣቶ ኣሕመድ ራጂ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ሕቶ፡- እቲ ኣብ ፈይስቡክ እተመሓድሮ፡ “Eritrea’s Disappeared” ብዝብል ስም ዝፍለጥ፡ ደሃዮም ናይ ዘይፍለጥ ግዳያት ታሪኽ ዝጸዊ ዓምዲ፡ ብኸመይ ጀሚርካዮ? ክሳብ ሕጂ ናይ ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ናይ ወጽዓ ታሪኽ ሰኒዱ ኣሎ?

መልሲ፡- ሓደ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ዘተሓሳስበኒ ዝነበረ ጉዳይ፡ ዓለም ብዛዕባ ግህሰት መሰል ወዲ ሰብ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ሓበሬታን ተረድኦን፡ መጠኑ ምስቲ ብመንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዝዳረግ ዘይምዃኑ እዩ። ዕላማ ናይቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ እምበኣር፡ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብኣሃዝ ጥራይ እንገልጾም እሱራትን ካልኦት ግዳያትን፡ ስሞምን ስእሎምን ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታኦምን ብምስናድን ናብ ኣንበብቲ ብምቕራብን፡ ተራ ኣሃዛት ዘይኮኑስ፡ ስጋ ዝለበሱ፡ ነናቶም ውልቃዊ መንነት ዘለዎም፡ ካብ ንቡር ህይወቶምን ካብ ስድራቤቶምን ተመንዚዖም ዝተወስዱ ዜጋታት ምዃኖም ንምግላጽ እዩ።

ዓማጺ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቅላዕን፡ ኣማሲያኡ ነዚ ተግባራት ዝኣዘዙን ዝፈጸሙን ሰባት ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ ኣብ ምግባር፡ ስነዳ ዓቢ ተራ አለዎ። ስለዚ፡ ኣብዚ “Eritrea’s Disappeared” ዝብል ገጽ ተጀሚሩ ዘሎ ምስናድ፡ ነቲ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ወይ’ውን ናብ ግቡእ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ንምቕራብ ክነዳልዎ ዝግባእ ሕጋዊ ማህደር (legal case) ንእሽቶይ ኣስተዋጸኦ እንተኾነ ብምባል እውን እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት ናይ 60 ዝኾኑ እሱራትን ደሃዮም ዘይፍለጥ ግዳያትን፡ ምስ ስእሎምን ውልቃዊ ሓበሬታኦምን፡ ከምኡ’ውን ንምእሳሮም (ወይ ብዘይ ደሃይ ምስዋሮም) ዝምልከት ሓበሬታን፡ ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ተሰኒዱ ኣሎ። ብተወሳኺ እቲ ገጽ ናይ ዓሰርተታት ስእሎም ዘይረኸብና እሱራትን ብመንግስቲ ዝተጨውዩ ሰባትን ሓበሬታ እውን ሒዙ ይርከብ።

ሕቶ፡- ብዙሓት ሰባት ነቲ “Events Monitor” ዝብል ካልእ ስምካ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ምስኡ ኣተሓሒዝካ ብዛዕባ ኣንጻር ምልኪ ዝለዓዓለካ ድሕረ-ባይታ፡ ንኣበብብቲ ብኸመይ ምገለጽካዮ?

መልሲ፡- ኣብ 2003 ኣብ ኤርትራ ኮይነ ክጽሕፍ ምስ ጀመርኩ፡ መርበብ ዓዋተ ዝሃቡኒ ናይ ብርዒ ሽም እዩ። ክሳብ መጀመርታ 2006 ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ዓንቀጻት ኣብቲ ዌብሳይት በዚ ሽም’ዚ ይወጽእ ኔሩ። ገለ ካብኡ ahmed-raji.blogspot.com ኣብ ዝብል ብሎግ ክርከብ ይከኣል። መቸም፡ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ’ቲ ናይ 2001 ናይ G-15/ጉጅለ 15 ምንቅስቓስ ምብርዓኑ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምልኪ ተሰጋጊሩ፡ ጨፍላቒ ትሕዝቶኡ ዝያዳ ዘጉለሓሉ መድረኽ እዩ ኔሩ። ግህሰት መሰል ኤርትራውያን እቲ ስርዓት ንነዊሕ ዓመታት ተተሓሒዝዎ’ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒታት ሰብ ኣብቲ እዋን’ቲ ብጋህዲ ክዛረበሉ ጀሚሩ ኔሩ። ጎኒ ጎኒ’ዚ ኸኣ፡ ድምጺ ናይቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ኣንጻር’ቲ ስርዓት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ውሽጢ ሃገር ብተዛማዲ ብዝሓሸ መንገዲ ክቃላሕ ዝተራእየሉ እዋን‘ዩ ኔሩ። ብፍላይ ከም በዓል ዓዋተ፣ ኣዝማሪኖ፣ ዖና፣ ኣልናህዳን መስከረምን፡ ወዘተ፡ ዝኣመሰላ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝቢ ይከታተለን ኔሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት’የ ኣነ’ውን ብሕቡእ ሓበሬታ/ዜና ብምልኣኽን፡ ዓንቀጻት ብምጽሓፍን፡ ኣብ ዓዋተ.ኮም ክሳተፍ ዝጀመርኩ።

ሕቶ፡- ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብታሪኹ ህዉጽ ናይ ኵናትን ዕግርግርን ዞባ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ነባሪ ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ብወገንካ ክግበር ኔርዎ እትብሎ ቀዳምነታት እንታይ’ዩ ትብል?

መልሲ፡- እዚ ሕቶ’ዚ ኣዝዩ ገፊሕ’ዩ። እተን ሃገራት ነናተን ጸገማትን ንርእሱ ዝተሓላለኸ ውሽጣዊ ኩነታትን ኣለወን። ንሎሚ ግን ምስ ዘለና ድሩትነት ናይዚ ቃለ-መጠይቕ’ዚ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንበይኑ እንተዝዝረበሉ ምሓሸ እብል።

ሕቶ፡- ኣብዚ እዋን’ዚ ኣንጻር ምልክን ጭቆናን ናይ ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ዓሲልዎን ተጸንቢርዎን ይርአ ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣብ ኣሳጉምኡ ብዙሕ ክሓንን ኣይርአን። ገለ ካብቲ መሰረታዊ ጸገማት እንታይ’ዩ ትብል?

መልሲ፡- ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእል ጸገማት’ኳ እንተሎ፡ ኣብ ሓደ መሰረታዊ ኮይኑ ዝረኣየኒ ሽግር ኣተኲረ ክዛረብ። ኣብ ከምዚ ናትና ክውንነት፡ ማለት፡ ብውድባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላውን ጂኦግራፊያውን ብዙሕነት ዝልለ፡ ነቲ እነካይዶ ቃልሲ ንምቅልጣፍን፡ ኣድማዕነቱ ክብ ንምባልን፡ ብዝሰፍሐ ልፍንታዊ ኣካይዳ (broad coalition) ብትዅረት ምስራሕ የድሊ። እንተኾነ፡ ነዚ ኣገባብ ቃልሲን፡ ምስኡ ዝኸይድ ባህሊን፡ ገና ኣየማዕበልናዮን። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ቀንዲ መወከሲናን ድሕረ-ባይታናን እቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ብምዃኑ፡ ናይ መብዛሕትና ኣተሓሳስባ ወይ ድሌት ኣብ ትሕቲ ሓደ ስጡምን፡ ኩለንተናዊን፡ ብሓያል ማእከልነት ዝምራሕ፡ ደርማስ ውድብ (monolithic organization)፡ ምስራሕ ወይ ምቅላስ’ዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ከምዚ ዓይነት ውድብ ምፍጣር፡ እቲ ዝያዳ ኣድማዒ ኣገባብ ናይ ቃልሲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽ ግን ካብኡ ዝተፈለየ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ሕቶ ስምረት ወይ ጥርናፈ፡ ሕቶ መሪሕ ውድብ ዘይኮነስ፡ ሕቶ ምውውሃድ እዩ። ሕቶ ኣድማዒ ልፍንቲ ምፍጣር እዩ።

ኣብዚ ከም ኣብነት ክንወስዶ እንኽእል፡ እቲ ኣብ 2011 ዝተመስረተ ሃገራዊ ባይቶ እዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ንመጀመርያ ግዜ ዝዓበየ ቁጽሪ ፖሊቲካውያን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ተቓለስቲ ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ፡ ነዊሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ ጉባኤን፡ ካብኡ ዝወጸ ባይቶን፡ ንምንታይ ብዘይ ፍረ ተሪፉ? ንምንታይ ንነዊሕ ዓመታት ጊዜኡ ኣብ መብዛሕትኡ ቅጥዓዊ (procedural) ዝኾነ ምስሕሓብን ኮለልን አሕሊፍዎ? ሰባት ነቲ ፍሽለት ብዙሕ ምኽንያታት ይህብዎ እዮም። ንኣብነት፡ ናይ ስልጣን ውድድር፣ ናይ ውድባዊ ባህሊ (organizational culture) ፍልልያት፣ ወዘተ፡ ይጥቀሱ እዮም። እዚ ሓቂ’ዩ። ግን ኣብ ዝኾነ ንብዙሓት ኣካላትን ጉጅለታትን ዝሓቁፍ መኣዲ፡ ከምዚ ዓይነት ፍልልያት ክረአ ባህሪያዊ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጸገም ዝነበረ፡ ነቲ ከም ጽላልን ኣዋሃሃዲ ኣካልን ከገልግል ዝነበሮ ባይቶ፡ ከም ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ሓድሽ ውድብ ምውሳዱ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ባይቶ መደባት ክሕንጽጽን ክትግብርን ትጽቢት ተገይሩሉ። ከም ነጸብራቕ ናይዚ ድማ፡ እቲ ባይቶ ናይ ዞባን ናይ ከተማታትን ጨናፍር፡ ወዘተ፡ ክውድብን፡ ኮሚተታት ከቕውምን ፈቲኑ። ነዚ ኣቃውማታት ዝመርሕ ቅጥዕታትን ውሽጣዊ ሕግታትን ኣብ ምንዳፍ ተጓየየ። ብኸምዚ ድማ፡ እቲ ዝበዝሕ ግዜ ኣባላት ባይቶን፡ ዞባዊ ሽማግለታቱን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ንኣቃውማን ቅጥዕታትን ዝምልከት ክትዓት ክጠፍእ ተራእዩ። ኣብ መጨረሻ ከኣ፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ እቲ ዕላማ፡ ከመይ ጌርካ ናብ ካልኣይ ጉባኤ ከም ዝብጻሕ ኮነ። እዚ ጸገም፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ተቓወምቲ ንጥፈታት ይረአ እዩ። ገለ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ነበግስ‘ሞ፡ ከይጸናሕና ኣድህቦና ኣብ ምህንዳስ ሓዲሽ ትካላዊ ቅርጽታት፣ ምንዳፍ ቅጥዕታት፣ ምውሳን ስልጣናት ይኸውን። ፈጻሚ ኣካል’ዶ ማእከላይ ሽማግለ ክንብል፡ ማእለያ ዘይብሉ ግዜን ጸዓትን ነጥፍእ። መን ንመን ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎ፡ መንከ ንመን ናይ ምእላይ ስልጣን ኣለዎ፡ ኣብ ዝብል ሸንኮለል ንሽረብ። ኣብ ዘየድሊ ረጽሚን ምክፍፋላትን እውን ንኣቱ። እቲ ተስፋ ተነቢርዎ ዝነበረ ተበግሶ ከኣ፡ ብቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታት ኣልባቡ ኣጥፊእና ብዕሸሉ ንቖጽዮ።

እምበኣር፡ ዘድልየና ዝሎ፡ በብዘለናዮ ልፍንቲ ፈጢርና፡ ንጥፈታትና ምውህሃድ እዩ። ናይ ሓባር ፕሮጀክታት እንዳው’ጻእና ብዝተወሃሃደ መንገዲ ምስራሕ ከድልየና እዩ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኣመሰሉ ዕዉታት ስራሓት በዚ መልክዕ ተሰሪሖም’ዮም። እዚ ክነማዕብሎን ክንደፍኣሉን ይግባእ። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ክኾኑና ዝኽእሉ፡ ንናይ ኣልበሺር ስርዓት ዘውደቐ ህዝባዊ ሰውራ ሱዳን ዝመርሐ “ናይ ሓርነትን ለውጥን ሓይሊታት” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ዓሰርተታት ውድባትን ሲቪክ ማሕነራትን ዝሓቁፍ ሰፊሕ ልፍንቲ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣካል ናቱ ዝኾነ፡ ብቐጥታ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ኣድማታትን ዘወሃህድ ዝነበረ “ሕብረት ሞያውያን ሱዳን”፡ እዮም ።

ሕቶ፡- ናይ ቲናሪወን/Tinariwen ሙዚቃ ተደንቕ ኢኻ ዝብል ግምት ኣለኒ። ግምተይ ቅኑዕ እንተኾይኑ፡ ብዛዕባኡ’ኸ ገለ’ዶ ምጸወኻና?

መልሲ፡- ልክዕ ኣለኻ። ናይ ኣማዚግ (ጥዋርግ ተባሂሎም እውን ዝፍለጡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣህዛብ) ሙዚቃ ብሓፈሻ እፈቱ እየ። ብጀካ ናይ ቲናሪወን፡ ካልእ ከም ናይ ብዓል ቦምቢኖ ዝኣመሰለ ናይ ኣማዚግ ሙዚቃ’ውን ደስ ይብለኒ። ከምኡ ድማ፡ ናይ ብዓል ዓሊ ፋርካ ቱረ (ወዲ ማሊ) ደርፊ ኣዚዩ ይምስጠኒ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ባህላዊ መሳርሒታትን፡ ብፍሉይ ኣገባብ ዝተቓነየ ጊታር ዝዝውተረሉ፡ ዘይተበከለ ዓይነት ሙዚቃ’ዩ። ብፍላይ ንዓና ሰሓቢ ዝገብሮ፡ ምስ ናይ ዞባና ኣዝዩ ዝመሳሰል ዓይነታት ህርመትን ቃናታትን እውን ስለዘለዎ እዩ ይመስለኒ።

ብስመይን ብስም ኣንበብትን አመስግነካ!

02.02.2020