ወግዒ ምስ ኣቶ ኣሌክስ ፎቶ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ሕቶ፡- ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ህግደፍ፡ ካብቶም ዝገደሙን ኣዝዮም ንጡፋትን ተዋሳእቲ ብምዃንካ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ብሕጽር ዝበለ ከመይ ምገለጽካዮ?

መልሲ፡- ብመጀመርያ ኣኽቢርካ ነዚ ዕድል ስለ ዝሃብካኒ አምግነካ። ኣብዚ ኣክትቪዝም ካብ ዝጽንበር ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ካብቲ ዝጀመርኩሉ ኣትሒዙ ብዙሕ ለውጢ ተራእዩ’ዩ ክብል እደፍር። ሓደ ካብኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ነቲ ቃልሲ ተጸንቢሮሞ ክንርእይ ምኽኣልና’ዩ። ብዓውታ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ምንቅስቓስ ይኣክል’ዩ። እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሕበረ ተበግሶ፡ ናህሩ ዓጋቲ ኣይረኸበን።

ይኹን ‘ምበር በቲ ሓደ ሸንኽ ድማ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን እቶም ኣብ ዳያስፖራ ዝረከቡ ተደናገጽቱን ነቲ ኣንጻር ምልኪ ተጸሚዱ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ንምጉጅጃልን ኣብ ሓድሕዱ ምትእምማን ንከይህልዎ ናይ መዓልትን ለይትን ስርሖም ይቕጽልሉ ኣለዉ። ንሓናሳብ እቲ ደላይ ፍትሒ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ዕንክሊል ክኣቱ ክትርእዮ እንከለኻ የሰክፍ’ዩ። ዕድመ ውለቀ-መላኺ የናውሕ ከይህሉ ስግኣት ከሕድር ይኽእል። ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ናይ ኮለልን ሓሸውየን ተሞክሮታት ክንቆጠብ ዘድለየና ‘ውን ይመስለኒ።

ሕቶ፡- ናይ ካሜራ ስእሊ (ፎቶግራፊ) ዝነኣድ ተውህቦን ተሞክሮን ከም ዘለካ ተዓዚበ ኣለኹ። ብኸመይ ማዕቢሉ? ንመጻኢኸ ብዛዕባኡ እንታይ ትሓስብ?

መልሲ፡- ብልቢ ዝፈትዎ ኣርእስቲ ኢኻ ኣልዒልካ። የቐንየለይ። ብዙሕ ሰብ፡ ብኣሌክሳንደር ጠዓመ’ዩ ዝፈልጠኒ። ስም ኣብሓጎይ ፎቶ’ዩ። ምናልባት እዚ ከይከውን ጽቡቕ ፋል ጌሩለይ ናብ ፎቶግራፊ ክኣቱን ክፈቱን ዝገበረን J

ኣዝየ ካብ ዝፈትዎ ነገራት ሓደ ኣርት እዩ:: ፎቶግራፊ ሓደ ክፋል ናቱ እዩ:: ንብዙሕ ግዜ ናይ ፎቶግራፍ ስርሓትን ናይ ፎቶግራፍ ክኢላታትን እናድነቕኩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2007 ዓመተ-ምሕረት እታ ናይ መጀመርታ ዲጂታል ካሜራ (DSLR – Digital Single-lens reflex camera) – d80 ናይከን (Nikon) ዝዓይነታ ክዕድግ ወሰንኩ። እቲ ግዜ’ቲ እታ ዓባይ ጓለይ ዝተወለደትሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ናብ ሞያ ፎቶግራፍ ንምእታው መመኽነይታ ረኺበ ማለት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነታ ጓለይ ብዙሕ’የ ዘመስግና። ካሜራ ንኽዕድግ ስለዘተባባዓትኒ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካሜራ ምስዓደኩ ክለማመድ ሰለዝነበረኒ ከም ሞደል ንኽስእላ ዕድል ሰለዝረኸብኩን እዩ።

ካሜራ ምዕዳግን ምስኣልን ጥራይ ግን እኹል ስለዘይነበረ፡ ናይ ስእሊ በዓልሞያ (ፎቶግራፈር) ተፋሊጥካ ካብኦም ልምድን ተመክሮን ምቕሳም ግድን እናኾነ መጸ። በዚ መሰረት ሓደ ዓርኪ ተላለኹ። ሌላና’ካ ናይ ፎቶግራፍ ተሞክሮ ንምቕሳም ኢለ ኣይነበረን። ኣነን ኣብቲ ግዜ’ቲ ሕጽይተይ (ናይ ሕጂ ብዓልቲ ቤተይ) ኣብቲ ግዜ’ቲ ንመርዓ ንዳሎ ብምንባርና፡ ናይ መርዓና ሰኣላይ ንኽኸውን ከነዛራርቦ ብምባል ንሳ ትፈልጦ ሰኣላይ ክንረኽቦ ወሰንና። ስሙ ያሬድ ጸጋይ ይብሃል። ኣብቲ ዕላል ብዛዕባ ዘምጻና ጉዳይ ዝተዛረብናሉ ግዜ ብዘይ ምግናን ካብ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣበዝሕን ኔሩ። መብዛሕቱ እቲ ዕላል ብዛዕባ ፎቶግራፍን ክልቴና ብሓባር እንፈልጦም ንዓይ ኣብ ኤርትራ መሳርሕተይ ዝነበሩ እሞ ከኣ ኣብ ፎቶግራፍ ንፉዓት ዝኾኑን ሰባት ኣብ ምዝራብ ኣሕሊፍናዮ። ኣብ መወዳእታ ናይ መርዓ ፎቶግራፈር ንምዃን ድሌት ከምዘለንን ምሱኡ ኣብ ጎኑ ኮይነ ተሞኩሮ ክቐስም ከምዝደልን ሓቢረዮ። ብሓጎስ ተቐቢልዎ ንሓሳበይ። ኣብ ትሕቲኡ ኮይነ ድማ ተሞክሮ ምቕሳም ጀሚረ። ዝምድናና ካብ መምህርን ተማሃራይን ናብ ዕርክነት ሰጊሩ። ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ ክርብ ኣለና። በዚ ኣጋጣሚ ‘ውን ወሰን ዘይብሉ ምስጋናይ እገልጸሉ።

ቀስ ብቐስ፡ ካብ 2008 ጀሚሩ፡ ብዩትዩብን ካልእ ዕድላትን ተሞክሮይ ምምዕባል ቀጺለ። ከምኡ እንዳበለ፡ ምስ ንእሽቶይ ሓወይ መርዓታት ምስኣል ጀመርና። ንሱ ቪደዮ ኣነ ደረቕ ስእሊ ማለት’ዩ። ብሓንሳብ ኰና ከኣ ኣብዚ እንነብረሉ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ከምኡ ‘ውን ናብ ካልኦት ግዝኣት ኣሜሪካ እናገሽና ናይ ኤርትራውያን ይኹን ናይ አትዮጵያውያን መርዓ ንስእል።

ኣነ መቸም ብዛዕባ ፎቶግራፊ እንድሕር ጀሚረ ኣየቋርጽን’የ። ብዝኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝተገብረ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ፈስቲቫል ንመጀመርታ ግዜ ኤግዝብሽን ብምድላው ስርሓተይ ከርኢ በቂዐ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ምስጋናይ አቕርብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ላንድስኬፕ (landscape) ከምኡ’ውን ሲስኬፕ (seascape) ፎቶግራፊ ዝንባሌ እናጥረኹ ይመጽእ ኣለኹ። ነዚ ድሌትን ዝንባሌን ኣቓልቦ ሂበ ናይ ፎቶግራፍ ስርሓት ከፍሪ መደብ ኣለኒ። ኣለኒ ጥራይ ‘ውን ዘይኮነ ጀሚረዮ ኣለኹ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ስርሓተይ ብዌብሳይት ንምዝርጋሕ ኣብ ምስራሕ እርከብ። ናይ መርዓ፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ላንድስከይፕን ናይ ሲስከይፕን ስርሓተይ ክህልዎ’ዩ። ካልኣይ ኤግዚብሽን ናይ ምቕራብ መደብ ‘ውን ኣሎኒ። ብኻልእ ደረጃ፡ መቸም ትምህርትን ፍልጠትን እንተዘይኮስኪስካዮ ክበንን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ ናይ ስቱድዮ ፎቶግራፊ ትምህርቲ ክወስድ መደብ ኣሎኒ።

ሕቶ፡- ብዛዕባ ኤሪፔን (Eri-PEN) ዝተበሃለ ተበግሶ፡ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ብማሕበራዊ መራኸብታት ክትዝርግሕ እርየካ’የ። ኤሪፔን እንታይ’ዩ፣ መዓስ ተመስሪቱ፣ እንታይ ክዐውት ይሕልን፣ ክንደይ ዝኾኑ ኣባላት’ከ ኣለዉዎ፣ ተራኻ ኣብቲ ተበግሶ እንታይ’ዩ?

መልሲ፡- ምሉእ ስሙ፡ Eritrean Professionals and Entrepreneurs Network ዝብል ኮይኑ፡ ንኤርትራውያን ሰብ-ሞያ፣ ኣብ ንግድ ዝነጥፉ ሰባት፣ ከምኡ ‘ውን ተማሃሮ ኮለጃትን ዩኒቨርሲቲታን ንምርኻብ፡ ተራኺቦ ‘ውን ምስ ከምኦም ተመሳሳሊ ሓሳብ ዘለዎም ንምስራሕን ናይ ስራሕ ዝምድና ንምድልዳልን ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተመስረተ፡ ብወለንተኛታት ዝካየድ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ነጻ ዝኾነ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዘሳትፍ መርበብ እዩ። ኣብ 2015 ተመስሪቱ። ኣብ ዓመት ብውሑዱ ኣርባዕተ events ነካይድ። ኣነ ሓደ ካብቶም መስረትን ሰለስተ ቀወምቲ ኣካየድትን’የ።

ሕቶ፡- ካብቶም ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቑ ናይ ፈለማ ምሩቓት ኢኻ። ነዚ ጉጅለ’ዚ ከም ሓደ ወለዶ እንተወሲድናዮ፡ ብሓፈሻዊ ገምጋም ኣበርክትኡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ከመይ ኣሎ ትብል?

መልሲ፡- ክልተ ካብተን ዕድለኛ እየ ኢለ ዝንየተለን ነገራት ክጠቅስ፡- 1) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምምሃረይ፣ 2) ካብቶም ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝተመረቑ ቀዳሞት ምዃነይ። በዚአን ንኣምላኽ አመስግኖ።

እዚ ናትና ወለዶ፡ በቲ ሓደ ወገን ክትሪኦ ከለኻ ኣብ ዓዱ፡ ነቲ ዘምሃሮ ሕብረተ-ሰብ ጻምኡ ክኽፍሎ እናተዳለወ እንከሎ ብደይ-መደይ ካብቲ ዓዲ ተሶጊጉ። ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት፡ ነቶም ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝነበሩ መማህርትናን የዕሩኽትናን፡ “ንስኻትኩም እንተዘይተመለስኩም ካብ ባንግላድሽ ወይ ህንዲ ክኢላታት ከነምጽእ ኢና” ዝብል ዝተነግሮም ናይ ንዕቀት ዘረባ’ዩ። ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ ካብ መራሒ ሃገር ዝበሃል ዘይትጽበዮ ዘረባታ’ዩ።

እዚ ወለዶ እዚ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ፍሉጣትን ህቡባትን ኮለጃት ከም ፕሮፌሰራት፣ ዳይረክተራን ተመራመርትን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ሊቃውንቲ ዘፍረየ ወለዶ’ዩ። ፍልጠቶምን ተሞክሮኦምን ኣብ ምክፋል ይርከቡ። እዚ ዓቕሚ ሰብ’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ከፍሪ ይኽእል ኔሩ። ኣብታ መጻኢት ሓርነታዊት ኤርትራ ክንጥቀመሉ ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ይኹን ‘ምበር እዚ ወለዶ’ዚ ኣብዚ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ቃልሲ ተሳትፍኡ ኣዝዩ ዉሑድ እዩ ኔሩ ክብሃል ይክኣል። ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ንነብር። እቶም እንሳተፍ ኣዚና ዉሑዳት እና ኔርና ክሳብ እዚ ናይ ቀረባ ይኣክል ምንቅስቓስ ዝበጋገስ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ግን ዘተባብዕ ነገራት ይርአ ኣሎ። ብዙሓት ይጽንበሩ ኣለዉ። ነቶም ድሮ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ኣበርክትኦም ከዕዝዙ እላቦ። እቶም ብዝተፈላለይ ምኽንያት ዘይተጸንበሩ ዘለዉ፡ ካባኹም ዝሓልፍ ኣይኮነን’ሞ ኢድኩም ሓውሱ ክብል እፈቱ።

ሕቶ፡- ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብታሪኹ ህዉጽ ናይ ኵናትን ዕግርግርን ዞባ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ነባሪ ሰላም ክመጽእ እንተኾይኑ፡ ብወገንካ ክግበር ኔርዎ እትብሎ ቀዳምነታት እንታይ’ዩ ትብል?

መልሲ፡- ከም ትዕዝብተይ ዳርጋ ኣፍሪቃ ብሙሉኡ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝተሸመመ’ዩ። እቲ ልሙድ ጸገም ናይ መራሕቲ’ዩ፤ ስስዐ ስልጣን፣ ብልሽውናን ካልእን። ገሊኦም፡ ብብረታዊ ቃልሲ ናብ ስልጣን ዝደየቡ እዮም። ናይ ህዝቢ ስቓይ ብዙሕ ኣይግድሶምን። ናይ ዞባና ኩነንታት ‘ውን ካብኡ ዝፍለ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ስልጣንካ ከመይ ጌርካ ተናውሕን ትሰርቕን እዩ እቲ ዕላምኦም።

ነባሪ ሰላም ካብ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ክመጽእ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት’ዩ። ኣህዛብ ግን ነዚ ተገንዚቦም ንመሰሎም ክቃለሱ ግድን ይኸውን። ንፖለቲካው መስርሓት ድማ ብንጥፈት ክዋስእዎ የድልዮም። ብንጡፍ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ጸገማት ክፍታሕ ይኽእል ኢለ እኣምን።

የቐንየለይ!

01.03.2020