ወግዒ ምስ በየነ ሰመረ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

መእተዊ፡- ናይ ሎሚ ዕዱመይ፡ ካብ ናይ ቤተ-ክህነት ስድራ ብምዃኑ፡ መዝሙረ ዳዊትን ኣርባዕቱ ወንጌላዊያንን ዝበሃሉ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ብግእዝ እናንበበ ዝዓበየ ሓው’ዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝረኸቦ፡ ከም በዓል ናይ በዓል በርሀ ኣርኣያ፡ ናይ በዓል ኣባ ይስሓቕ “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ”፡ ዝበሉ መጻሕፍቲ ትግርኛ፡ ደሓር ድማ ናይ ኣምሓርኛ መጻሕፍቲ፡ ድሒሩ ‘ውንናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ እናንበብበ ንእስነተይ ዘሕለፈ ሓው’ዩ። በዚ ዝተጠቕሰ ድሕረ-ባይታ፡ ጸሓፊ ወይ ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ክቱር ባህጊ ክሓድሮ ጀሚሩ ብምንባሩ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብቛንቋ ወይ ስነ ጽሑፍ ክመሃር ዝነበሮ ተስፋ፡ ብሰንኪ ዝነበረ ጸቢብ ዕድላት ኣይሰለጦን። ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ መጀመርታ ብሕርሻ፡ ደሓር ድማ ኣብ ኣስመራን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ብሕርሻ ቁጠባን ኣብ መወዳእታ ድማ ብ ደቨሎፕመንት ኢኮኖሚክስ (ናይ ምዕባለ ስነ-ቁጠባ) ተመሪቑ። ኣብ ኣስመራ ብሞያይኡ እንዳሰሐ እንከሎ፡ እቲ ናይ ቀደም ሕልሙ ከይጠፍኦ መታን ሓጸርቲ ልበወለዳትን ድራማታትን ምጽሓፍ ቀጺሉ፡ ከም ፍሪላንሰር ጋዜጠኛ ኮይኑ ውን ሰሪሑ። ብድሕርዚ ብስደት ናብ ኣውስትራሊያ ምስመጸ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ SBS ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ዝኾነ ሓው በየነ ሰመር ንሕቶታተይ ከምዚ ዝዕብ መሊስዎ ኣሎ።

ሕቶ፡- ጋዜጠኝነት ከም ሞያ፡ ብዙሕ መኣዝናት ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። ንሓላፍነትን ተማእዛዝነት ንሓቅን ብዝምልከት መዳያቱ ንስኻ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

መል፡- ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ጋዜጠኛ ምዃን ማለት ናይ ህዝቢ ስምዒት ተሰኪምካ ከም መጒልሒ ድምጺ ኮይንካ ምስራሕ ማለት’ዩ። ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምስዝህልወካ ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ፖለቲካ ከከም ብዝሒ ውክልናኦም ነቲ ህዝቢ ዘሕልፍዎ መልእኽትን ዘውጽእዎ ፖሊሲታትን መምርሒታትን ናብ ህዝቢ ዘሕልፍ መሳርሒ’ውን እዩ። ጋዜጠኛ፡ ንሕቶታት ህዝቢ ዋላ ናይቶም ርሱዓትን ንኡሳንን ክፋል ሕብረተሰብ ጥርዓኖምን ናብራኦምን ኣቃሊሑ፡ ፍታሕ ንዘድልዮ ፍታሕ፡ ኣቓልቦ ንዘድልዮ ኣቓልቦ፡ ክቃላዕ ዝግብኦ ዘቃልዕ ስራሕ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ናትና ዘይንቡር ኩነታትን ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መድያ ግና ነገራት ከም ኣብኩሉ ዓውዲ ጋዜጠኝነት’ውን ኣንፈቱ ስሒቱ ኣሎ። ኣብ ገለ መናቖቲ፡ ኣብ ገሊኡ መከፋፈሊ፡ ብዓቢኡ ድማ መሳርሒ ዓመጽቲ ስርዓታት ኮይኑ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሕቶ፡- ብዝተፈላለየ ናይ ጋዜጠኝነት መቓናት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኣውስትራልያን ከም በዓል ሞያ ኮይንካ ፈቲንካዮ ስለ ዝኾንካ፡ ብዘይካ እቲ ፍሉጥ ናይ መሰል ምግሃስ ሕቶታት፡ ብውልቀ-ጦብላሕታ ደረጃ ፍሉይ እትብሎ ንጽጽራት እንታይ ምገለጽካ፧

መልሲ፡- ነጻነትን ትርጉምን ጋዜጠኝነት ኣብ ኤርትራን ኣውስትራሊያን ብግሉሕ ትርእዮ ኣብቶም ናይ መንግስቲ መድያታት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብምርኣይ ጥራይ ክመዝኖ’ከለኹ ክሳብ ክንደይ ፍልልይ ከምዘሎ እዕዘብ። ንኣብነት እዚ ኣነ ዝሰርሓሉ ትካል SBS ይኹን ABC ፈደራል መንግስቲ ዝውንኖን ዝምውሎን’ዩ። እንተኾነ እዘን መዲያታት ለይቲን መዓልቲን እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ጌጋታት ወይ ንህዝቢ ዘይግባእ ነገራት እናሃደና ዘቃልዓ እየን። ናይ ኤርትራ ገዲፍና፡ ካብኡ ናብኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ መንግስቲ መዲያታት እንተተዓዚብካ፡ ናብ ስልጣን ዘዝመጸ ስርዓት ክኾሓሕላ፡ ህዝቢ ሓሳረ መከራ እናበልዐ ነታ ሃገር ካብ ገሃነም ናብ ገነት ዝቐየረ መንግስቲ እናበላ እየን ክውድሳ ዝውዕላ። ዝገርመኒ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዘበን ደርግ ንመንግስቱ ዝውድሱ ዝነበሩ፡ ንመለስ ክውድሱ ሪኢና ድሒሮም ድማ ነዚ ዘሎ ንኣብይ እናወደሱ ቀጺሎም፡ በታ ነቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ መራሕቲ ዝወደሳ ኣፎም ክኹንኑንለን ትሰምዖም፡ ናይ እንጀራ ሕቶ ስለዝኾነ። ኣብዚ ዘለኽዎ ግና፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ቖጻሪኦም መንግስቲ ለይቲን መዓልቲን ካብ ጭቡጥ ኩነታት ተበጊሶም ክጭፍጭፍዎ ክትርእይ ካብዚ ዝዓቢ መሳጢን ናይ ሕልናን ነጻነት ዝህብን ተመኩሮ ክርእይ ኣይክእልን እየ። ስራሕ ጋዜጠኛ ኣብ ርትዒ ተመርኲሱ ስራሑ ክገብር እዩ ዝድለ፡ ከምኡ ብምግባሩ ድማ ዝወርዶ መቕጻዕቲ የለን፡ እኳ ደኣ ኣብ ገሊኡ ብላዕለዎት ሰብ መዚ ንዝተገብረ ገበን መርመራዊ ጋዜጠኝነት ብምግባሮም፡ እቲ በዓል መዚ ክቕጻዕ እቲ ጋዜጠኛ ክሽለም ተዓዚበ ኣለኹ፡ ካብዚ ዝዓቢ ሞያዊ ዕግበት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧

ሕቶ– ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብፍላይ ኣብ ፈይስቡክ፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ንብዙሕነትን ምጽዋውርን ዝምልከት ዓንቀጻት ትጽሕፍ ኢኻ። ኣብ ተሞክሮ ኤርትራ፡ እቶም ቀንዲ ንብዙሕነትን ተጻዋርነንት ዝምልከቱ ጸገማት ኣየኖት’ዮም ኢልካ ምገለጽካ (ከም ኣብነት)፧ መልሶም ወይ መፍትሒኦም’ከ፧

መልሲ፡- ኣነ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዙሕነትን ምጽውዋርን ክሓስብ’ከለኹ ናብቲ ኣብ ዓዲና ዝዓበኽሉን ነዚ ኣብዚ ወጻኢ ዝርአ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታትን ብምግንዛብ እየ ዝዛረብ እምበር ኣብ ክለሰሓሳብ ተመርኲሰ ወይ ከምቲ ገሊኦም ዝገልጹኒ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ስለዘለኒ ኣይኮነን። ክንዓቢ’ኸለና ዓርክና ወይ ቀረብና ክኸውን ንመርጾ፡ ዓዱን ሃይማኖቱን ኣጻሪና ዘይኮነ ብጠባይን ምስ ብብዝሒ ዝራኸበካ ሰብ ኢኻ ትቀራረብን ትመሓዞን። እዚ ዋላ ኣብተን ንኣሽቱ ከተማታትን ዓዲታትን ኤርትራ’ውን ልሙድ ነገር እዩ። ኣነ ከምዝመስለኒ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ምፍልላይ፡ ዝበዝሑ መንእሰያትና ነቲ ዝጸንሐ ክብሪታት ሕብረተሰብና ከየስተማቐርዎን ከይተለማመድዎን፡ ኣብ ንእስነቶም ናብ ማእቶትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎታትን ተወሲዶም ብኡ ኣቢሎም ድማ ፈቐዶ ስደት የምርሑ ብምህላዎም፡ እቲ ባህሊ ምክብባርን ፍቕሪን እናተባሕጎገ ከይዱ። ጠንቂ ናይቲ ኣብ ህዝቢና ዘሎ ኣደራዕን መከራን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ከተረኻኽበሎ ኣብዘይከኣለሉ እዋን፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ኮይኑ ናብ ካልኦት ምልጋብ ዝብገስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንገለ ገለ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት መንነቶምን ሃይማኖቶምን ኣለሊኻ ነቲ ካብቲ ዝመጽሉ ሃይማኖትን ዓዲን ኣብ ሕቖኡ ለጢፍካ ትዘልፎ ወይ ትውድሶ ነገራት’ውን እዕዘብ። ገለ ሰባት ናብ ወጻኢ ኣብዝኸድሉ እዋን ምስ ደቂ ዓዶም ወይ ወዲ ሃይማኖቶም ክጸጋግዑ ምርኣይ ንብዙሓት ከሰንብዶም ይኽእልዩ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ከተማታት ዝዓበዩ። እዚ ግና ንቡር ነገር እዩ። ልክዕ ከምቲ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ምስ ደቂ ገዛውቱ ዝቀራረብ፡ እቲ ካብ ዓዲ ዝመጸ’ውን ምስ ደቂ ዓዱ’ዩ ዝቀራረብ፡ ናይ ኣተዓባብያ ስምዒትን ልምዲን ተመሳሳሊ ኣብርእሲ ምዃኑ ብብዙሕ ነገራት ትረዳዳእ ምስ መተዓቢትኻን መማህርትኻን ስለዝኾነ እዩ። እዚ ወገናውያን ስለዝኾኑ እዮም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ኢልካ ምግናን፡ ካብ ዘይምፍላጥ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ኩነታት ግና ንዝተፈላለዩ ረብሓታት ክብሉ፡ ነዚ መዝሚዞም ናብ ረብሓኦም ለዊጦም ንገርህታት ኣብቲ ናቶም መጻወዲያ ዘእትዉ ብዙሓት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን እቶም ይፈልጡ እዮም ዝበሃሉ ጸግዖም ሒዞም ተዓዘብቲ ብምዃኖም እቶም ነዚ ጸይቂ ዝዘርኡ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዓብሊሎሞ ንሓንጎል መንእሰያትና ይጻወትሉ ኣለዉ። ካብዚ ብምብጋስ ስሕት ኢለ ዝመስለኒ እጽሕፍ። ብዛሕ ወሓድ ንሰባት ብዓዶምን ሃይማኖቶምን ዓሌቶምን ምግላል ማለት ንመላእ ህዝቢ ኣብ ቅልውላው ምእታው ማለት ብምዃኑ፡ እቲ ቀልቢ ዘለዎ ተዓዛቢ ጥራይ ካብ ምዃን ንኹሉ ዘሰማምዕ ሓሳባት ብዝተረኽበ ኣጋጣሚ ክገልጽ ኣለዎ።

ሕቶ፡- ኣብ ርእሲ ናይ ጋዜጠኝነት ሞያኻ ክንደይ ዝኸውን መጻሕፍቲ ጽሒፍካ ኣለኻ? ኣብ ምንታይ ዘተኮረ’ዩ (ፈጠራዊ ድዮ ወይ ካልእ ዓይነት)፧ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘለካ ናይ መጻኢ መደባት ከመይ ይመስል፧

መልሲ፡- ብዓቕመይ ኣብ ጋዜጣታት ዝጽሕፎ ዝነበርኩ ከይሓሰብካ ኣብ ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ሓጺር ዛንታ ዉድድር ኣብ 2006 ከምኡ’ውን 2007 ዘቕረብክወን ካብ ተዓወቲ ብምዃነን ምስ ናይ ካልኦት ዕዉታት ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ክልተ መጻሕፍቲ ተሓቲመን ኣለዋ። ብዜጋታት ንሰላም ዝተዳለወ ዉድድር ጽሑፍ ብዝሕ ዝበለ ናይ ገንዘብ ግንዖ ዘለዎ (ብUN ስለተመወለ) ዝጸሓፍኩዋ ተዓዊታ፡ ኣሕቲሞማ፡ ተርጒሞም ብቛንቋ ትግረ’ውን ተሓቲማ ኣላ። ናብ ኣውስትራሊያ ምስ መጻእኩ ሓንቲ “ሕልፈት” ትብል ናይ ሓጸርቲ ዛንታታት መጽሓፍ ኣሕቲመ። “ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ቃልሲ ንሃይማኖታዊ ነጻነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ” ትብል ብዛዕባ እታ ቤተ ክርስትያን ምስ ህይወት ፓትርያርክን እንጦንዮስን ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖትን እትትርኽ መጽሓፍ ድማ ምስ ቀሺ ተስፋ ኣለም ዓባይ መጽሓፍ ኣሕቲምና ኣለና። በብእዋኑ ሓጸርቲ ዛንታ ምጽሓፍ ደስ ይብለኒ እዩ፡ ግዜን ዕድልን ኣብ ዝረኸበሉ ብዛያዳ ናብኡ ኣትኲረ ብምስራሕ መጻሕፍቲ ክጽሕፍ ዝብል ናይ ወትሩ መደበይ እዩ።

ሕቶ፡- ክትብሎ እትደሊ ተወሳኺ ነገር እንተሎ፧

መልሲ፡- ሳላ ኣብ መዲያ ዘለኹ፡ እቲ ዝብሎ ቅድሚ ሕጂ ዝበልክዎ ክኸውን ይኽእል ወይ ውን ብሕጂ ክብሎ ስለዝኽእል ኣብዚ ይእከለኒ። ንኣኻ ግና ስለ ኩሉ ትገብሮ ስራሓት ኣድናቖተይ እገልጸልካ።

የቐንየለይ በየነ!

05.10.2020