ወግዒ ምስ ሳልሕ ዮኑስ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ኣቶ ሳልሕ ዮኑስ ብዙሕ መፋለጢ/introduction ዘየድልዮ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዑ ሃገራውያን ኮይኑ፡ ብዛያዳ ግን ኣብ awate.com ይጽሕፎ ብዝነበረ ዓንቀጻት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ Eritrea Digest ከምኡ ‘ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት/social media ይቕጽሎ ብዘሎ ኣበርክቶ ዝያዳ ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ሓው’ዩ። ኣብ ሓፈሻዊ ጉዳያት ብዛዕባ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ሓጺር ዕላል ኣካይድና ኔርና’ሞ ትሕትኡ እነሆ።

ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (ግንቦት 2019) ዝተዘርገሐ፡ ገለ ሰባት “ማኒፈስቶ ናይሮቢ” ዝብልዎ ሰነድ ካብ ዝፈረሙ 16 ሰባት ሓደ ኢኻ። ንናይ 1997 ቅዋም ብዝምልከት ዝወሰድኩሞ መርገጺ’ዶ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትገልጸለይ፧

መልሲ፡- ሓቂ ዘረባ፡ ነቲ ኣኼባ “ማኒፈስቶ ናይሮቢ” ኢሎም ዝጽውዕዖ ኣይፈልጥን። ከምኡ እንተይሎሞ ግን ኣይገርመንን፡ ከምኡ ምባል ኣመል ስለዘለና።

እቲ ናይ 1997 ቅዋም፡ ካብተን ንተቛዋማይ ዕድመ ተቛዋምነቱ ዘጉልሓ ነጥበ-ምዕራፋት ሓንቲ’ያ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን። ስለዝኾነ ድማ፡ ብሓደ ሸነኽ ሕብረተሰብና፡ ከም ዓባይ ስጉምቲ ናብ ጎደና ዲሞክራሲን ፍትሕን ኮይና ክትናኣድ ከላ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ 91 ክሳብ ለይቲ ሎም ዘዘውትሮ ምልክት ዕብለላን ክልከላን ተጌራ ትርአ። እዞም ክልተ ሸነኻት፡ ነቲ ጉዳይ ከም መትከላዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዓንዲ-መንነቶም ስለ ዝወስድዎ፡ ቅንጣብ ምትዕጽጻፍ ኣየፍቅዱን። ምትዕጽጻፍ፡ ከም ጥልመት ይወስድዎ።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ዝኾነ ዋዕላ ኤርትራውያን ነቲ ቅዋም 100% ዝደገፈ ወይ ዝጻረር ውሳኔ እንተተወሲዱ፡ እታ ሓንቲ ክንብላ ንኽእል፡ “እቲ ዋዕላ ስፍሓትን ዕምቆትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይውክልን እዩ” እያ።

ኣብዚ ሰልሚ-ሑጻ ከይኣትዉ ኢሎም መብዛሕቶም ወይ ዳርጋ ኩሎም መወልቲ ዋዕላታት፡ ነቶም ክብርታቶም ዘንጸባርቑ ወይ ምስኦም ዝሰማምዑ ጥራይ እዮም ዝዕድሙ። ሽዑ “ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ!” ኢሎም ይእውጁ። እቲ ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ መኸተሚ ውሳኔታት ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ባህጊታትን ስክፍታታትን ዘስፈረ እዩ ኔሩ ክብል እደፍር። ኣብቲ ሰነድ ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ኔርና።

“ንቅዋም 1997 ብዘርኢ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና ዕቱብን ሸለል ክብሃል ዘይግብኦን ዘይክኣልን ፍልልያት ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንቅዋም 1997 ሲቪላዊ ሓርነታትን መሰላትን ዘውሕስን ዝከላኸልን ሓያል ዓናቅጽ ዘለዎ፣ ኣብ ምንዳፉ ኣማእት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዕቱብን ብዋንነትን ዝተሳተፍዎ፣ ኣብ ሃገርና ለውጢ ንምምጻእ ንዝተገብሩ ከም ናይ ጉጅለ-15ን ስርሒት ፎርቶን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ድርኺትን መወከስን ዝኾነ ብሉጽ ሕጋዊ ሰነድ ገይሮም ዝጥምትዎን ዘኽብርዎን ኣለዉ። ብኣንጻር’ዚ፡ ብዙሓት ካልኦት ኤርትራውያን፡ እቲ ቅዋም ክንደፍ እንከሎ ኣግላሊ ከም ዝነበረ፣ መንፈሱን ትሕዝትኡን ንክብርታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ጥራይ ከም ዘንጸባርቕ፣ ንጉዳይ ቋንቋ፡ ባንዴራ፡ ዋንነት መሬት፡ ቅርጺ መንግስቲ ዝትንኪ ዓናቀጻቱ ድማ ዕቱብ ኣበር ከም ዘለዎን ዝኣምኑ ኣለዉ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እዚ ደገፍን ተቓውሞን፡ ምስቲ ኣብ ህዝብና ዝርከብ ሃይማኖታዊን ጂኦግራፍያዊን (ምስልምናን ክርስትናን፡ መታሕትን ከበሳን) ፍልልያት ስለ ዝገጥም፡ እቲ ጉዳይ ተሃዋሲ እዩ። ኣቐዲምና ከም ዘመልከትናዮ፡ ቅዋም 1997 “ተደለኻ ተቐበሎ እንተዘይደለኻ ጠንጥኖ” ብዘስምዕ ናይ ድርቅና ኣገባብ ከተስገድዶ ወይ ድማ ብኣንጻሩ ሓንቲ ከም ዘይረብሕ ገይርካ ክትጽየኖን ዝክኣልን ዝሰርሕን ኣይኮነን። እቲ ዝሰርሕን ዘሰጉምንሲ ክልቲኣቶም ወገናት ገለ ሕድገታት ብምግባር ማእከላይ መንገዲ ሃሰው እንተበሉ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘመልከትናዮ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ ንቅዋም 1997 ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ጥራይ ከም ዝለዓለ ሕጋዊ ሰነድን መወከስን ክንርእዮን ክንጥቀመሉን ንእምም። እዚ እንብለሉ ዘለና ኣውራ ምኽንያት፡ ንሰለማዊ ምስጋግር ስልጣን ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ ካብ ዘለና ድልየትን፡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክመርሑ እንጽበዮም ዘለና ስቪል ይዂኑ ኣብ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን ዝርከቡ ዜጋታትና ዘኽብርዎን ንመሰጋገሪ መድረኽ ዘገልግል ዝለዓለ ሕጋዊ ሰነድን መወከስን እንተድኣ ዘይሃልዩ ዕግርግርን ግጭትን ክፍጠር ዓቢ ዕድል ኣሎ ኢልና ስለ እንሰግእን እዩ። ድሕሪ ዕዉትን ሰላማዊን ናይ ምስግጋር መድረኽ፡ ህዝብና እንተደለየ ብኸፊል ንገለ ዓናቅጽ እንተዘይደለየ ድማ ብጃምላ ንብምልኡ ነቲ ቅዋም ናይ ምምሕያሽ ወይ ናይ ምትካእ መሰል ስለዘለዎ።”

ነዚ መደምደታት’ዚ ዘንጸባረቐ’ዩ ኔሩ እቲ ርክብ ናይ ናይሮቢ።

ሕቶ፡- ደንበ ተቓውሞ፡ ከም ኣንከር/anchor ኮይኑ ክሰርሕ ዝኽእል ስጡም ተበግሶ ኣብ ምዕዋት ብዙሕ ኣይሰለጦን ዝብል ናይ ገለ ሰባት ርእይቶ ትሰማምዓሉ’ዶ፧ ስለምንታይ፧

መልሲ፡- ናይ ገለ ሰባት ርእይቶ ጥራይ ዘይኮነስ ግሁድ ሓቂዩ ክንብል ንኽእል ምኽንያቱ ናይ ውድባት ኪዳን ካብ ዝምስረት 21 ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ። ነብሰ-ምርመራ እንተ ጌርና ምትእስሳር ናይተን ውድባት ካብ ሽዑ ሕጂ ሓይሽ ዝብል ገምጋም ውድዓዊ ኣይኮነን።።

ስለምንታይ እንተ ኢልና መልሱ ናብ 40ታት እዩ ዝወስደና። ኣብ ዝሓለፈ 80 ዓመታት ዝተፈላለዩ ኣክቲቪስት ዝተፈላለየ ትምህርቲ ቀሲሞም እዮም። ኤርትራ ህዝባ ውሑድ ክነሱ ምሒር ብዝሐ-ቋንቋን ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘዘውትር፡ መሬታ’ውን ከምኡ፡ ገሊኡ ጻዕቂ ህዝቢ ዝበዝሖ ገሊኡ ሜዳ፡ ዋንነቱ ንኽብርታት ገድሊን ባህሊን ዘናጉጽ፡ ኣቀማምጥኣ (ብሕልፊ ቀይሕ ባሕራ) ህሩፋትን ሓያላትን ዝዕድም … ከም ጭርሖ ነዚ ኩሉ ጸጋትት ክንብሎ ንኽእል፡ እኩብ-ድምሩ ብዓይኒ ፖለቲካ ግን ኣዝዩ በዳሂ እዩ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ እቲ መልሲ ዝወሃብ ገሊኡ ኣብ 40ታት ንመለስ እሞ እቲ ተኾልፈ ምይይጥ ዋዕላ ንቐጽሎ ዝብል ሸነኽ ኣሎ። ከምኡ ዝብል መብዛሕቱ እቲ እስላማዊን ቆላዊን ሸነኽ እዩ። ዘይተማእከለ ዞባዊ ምሕደራ ዝሓትትዩ:።
ይውሓድ ይብዛሕ ዘይተማእከለ ኤትኒካዊ ምሕደራ ዝሓትት’ውን ኣሎ:። ብፖለቲካ ቫንጋርድ (vanguardism) ዝኣምን ውን ኣሎ። መጻኢት ኤርትር መሰል ዜጋ ጥራይ ተኽብር ትኹን’ምበር ከመይ ኢላ ከም እትማሓደር መጻኢት ፓርላማ ትወስኖ ዝብል ሸነኽ ኣሎ። ኣይ! መሰል ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኮነ መሰል ሕብረተ-ሰባት ብቅዋም እንተዘይጸዲቑ፡ ዲሞክራሲ ካብ ዕብለላ ኣየድሕንን ዝብል ሸነኽ’ውን ኣሎ።

እቲ ሽግር: “Crisis of Leadership” ኢሉ ዝግለጽ ቅልውላው ባዶሽ መሪሕነት፡ ቅልውላው ግቡእ መዝነት ዘለዎ መሪሕነት ዘይምህላዉ’ዩ። ምኽንያቱ ዝመጽአ እንተመጽአ “እንታዋይ ኢኻ እስኻ/እንታወይቲ ኢኺ እስኺ” ስለ ዝበሃሉ። ብውድቦም ዝምረጹ ሓቂ እዩ መዝነት ኣለዎም። ግን ስሙር ግንባር ጌሮም ሓያል ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይፈጠሩ ኣየድምዑን እዮም። ናብኡ ከምርሑ ብዙሕ ፈተነታት ኔሩ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣይሰጎመን።

ካልእ ክርሳዕ ዘይብሉ፥ “ኤርትራ ዲሞክራሲ ይግባኣ’ዩ’ሞ ክሳብ ዲሞክራሲያዊት ትኸውን ክቃለስየ” ዝብል ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ዲሞክራሲ ኣብ ባህልታትና ልሙድ ስለ ዘይኮነ። እቲ ዕቡድ ስርዓት ነቲ ዝወሓደ ሰብኣዊ መሰላት እንተዘኽብር፡ እሱራት እንተ ዝፈትሕ፡ ቅዋም፡ ሓውሲ-ነጻ ኣብያተ ፍርዲ እንተዘተግብር፡ መብዛሕቱኡ ካብቲ ፖለቲካዊ ዓለም ምስትፋነወ ኔሩ።

ሕቶ፡- ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ነዊሕ ዝገበርካ ከም ምዃንካ መጠን፡ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሓያልን ድኹምን ጎድኒ ብዝምልከት ክልተ ቀለልቲ ኣብነታት ጥቐስ እንተዝብለካ እንታይ ምበልካ፧

መልሲ፡- ካብ ድኽመታት ሓደ እቲ ስም ባዕሉ — “ደለይቲ ፍትሒ” — ቀደማይ ነገር ኣዝዩ ልሙስ እዩ። ድልየትን ጠለብን ነንበይኖም። ካልኣይ ነገር ፍትሒ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ስራሓት ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎ። ማሕበራዊ ፍትሒ (social justice)፣ ቁጠባዊ ፍትሒ (economic justice) ወዘተ። ንሕና መሰል ኢና ንጠልብ ዘለና ንሕና ህዝባዊ ልኡላዊነት (popular sovereignty) እዩ ድማንዳና። ህዝባዊ ልኡላዊነት ድሕሪ ጆግራፋዊ ልኡላውነት እዩ ዝመጽእ በሃልቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ምስምስ 22 ዓመታት ሓሺሾሞ። 75% ካብ ዕድመ ናጻ ኤርትራ ማለትዩ።

ካልእ፡ ተጻባእቲን ጸላእትን መጋበርያታትን ንኹሎም ብሓደ ዓይኒን ሚዛንን ንሪኦም። ስለ ዝኾነ ሽቶና ንስሕት። ኣብ ጓል ነገር ነጥፍኦ ግዜ ይበዝሕ። ቱኽረትና፡ ሽቶታትና ንጹር ምስ ዝኸውን፡ ብትግሃት ንሰርሕ፣ ንምርሽ ንጸላኢ ርዒዱ ጠባዩ ከም ዝቕይር ንገብሮ። እዚ ኣብ ጄኔቫ ብ2015-16 ዝተመስከረ እዩ። ኣብ ክንዲ መትከልን ትካላውነትን፡ ጽሩራታትን ውልቀሰባትን ንስዕብ። እቲ ሓይሊ ኢለ ዝኣምነሉ ኣህዛብ ክጥቅዑ ከለዉ፡ እታ ናይ መጨረሻ ደጀኖም ቀቢላነት እያ። ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ 30-60 ዓመታት ሓያል መጥቃዕቲን ሃስያን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ከተወዳድሮ ከለኻ ብርእይቶይ ኤርትራዊ/ዊት ጌና ሰረተ-እምነት ኤርትራውነቱ/ነታ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ይመሰለኒ።

ሕቶ፡- ሓደ እዋን ናይ ማራቶን ወይ ሓውሲ ማራቶን ጉያ ትጎዪ ኔርካ መስለኒ፧ ቀጺልካዮ’ዶ፧ ኣብ ከክንደይ እዋን ትጎዪ፧

መልሲ፡- ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ምናዳ ቅልጣፈ ዘየግድስ ተኾይኑ: ተውህቦ ኣይሓትትን እዩ። ንኣብነት ኣነ ጉያ ኣርባዓታት ምስ ኣተኹ ዝጀመርኩዎ ስፓርት እዩ። ዓቕሊን ምጽማምን ጥራይ እዩ ዝሓትት። ሙዚቃ ትፈቱ፣ ከርሸት ትጸልእ ተኾንካ ቀለለ። ማራቶን (26.2 mile) ፍርቂ ማራቶን (13.1 mile), 10 ሽሕ፣ 5 ሽሕ እፈታትን እየ። ግን ከምዚ ከማይ ዕድመ ትደፍእ እንተለኻ ብሰንኪ መውጋእቲ ካብ ትጎዮ ሰንከልከል እንዳበልካ ሓጎጽጎጽ ትብሎ …

ሕቶ፡- ካብ ሓፈሻዊ ናይ ፍትሒ ጉዳያት ወጻኢ፡ ካልእ እንታይ “ቢዚ” ይገብረካ፧

መልሲ፡- ስራሕ! እንጌራ! እዚ’ውን ኣብቲ ድኽመታት ተቓወምቲ ክድርደር ይኽእል። ዳርጋ ኩላትና ቃልስና part-time (ናይ ትርፊ ግዜ) እዩ። እቲ ሕቶ፡ እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ባንዳ ማፊያ ብ part-time ቃልሲ’ዶ ከተሰንፎ ትኽእል?

የቕንየለይ!

08.09.2020