ወግዒ ምስ ሓው ኢሳያስ ስዩም

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

መእተዊ

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታም “ብ1000 ቃላት”፡ ንሓጺር ናይ ጽሑፍ ዝርርብ ተዓዲሙ ዘሎ ሰብ፡ ሓው ኢሳያስ ስዩም ይበሃል። ንሕቶታተይ ዝሃቦ መልሲ ሕጽርን ምጥንን ዝበለ ምስ ምዃኑ፡ ተወሳኺ ናይ መላለዪ ሕጡበ-ጽሑፍ ክምልኣሉ ኣኽኢሉኒ’ዩ (ኢሰያስ ዘረባ ምንዋሕ ዝፈቱ ኣይመስልን)።

ንነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ምፍላጥ ሓድሕድ ኣለና። ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝተፈጥረ ሕውነት ምዃኑ’ዩ። ንመጀመርታ ብኣካል ዝተራኸብናሉ እዋን፡ ኣብ 2015’ዩ። ኣብቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ዘካየድክዎ ጽዑቕ ናይ ሓደ ዑደት ካብ ዝወደቡ ሰባት ሓደ ንሱ’ዩ። ብኣካል ምስ ተራኸብና፡ ኣብ ርእስ’ቲ ንዓይን ንሓፍትና ሜሮን እስቲፋኖስን ምስ በዓልቲ ቤቶም ኮይኖም ዝገበሩልና ምዉቕ ኣቀባብላ፡ ብነብሱ ህድእ ዝበለ፡ ፈታው ሰብ ምዃኑ ኣስተብሂለ ኔረ።

ኢሰያስ፡ ከም ናይ ኮምፕዩተር ሳይንስ በዓል ሞያ፡ ንዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል፡ ምስ IBM እተበሃለ ፍሉጥ ናይ ኣመሪካ ካምፓኒ ዝሰርሐ በዓል ሞያ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣዕሊሉኒ ምንባሩ እዝክር። ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ካሊፎርንያ ይነብር ድሕሪ ምንባር፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንኣትላንታ/ጆርጅያ ብምግዓዝ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን እንዳነበረ፡ ናይ ብሕቲ ናይ መጎዓዝያ ትካል ይውንን የካይድን ከም ዘሎ ፈሊጠ። ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ፍሉጥ ተራን ኣበርክቶን ዘለውም ወገናት’ዩ። ብፍላይ ኣብ ምስረታን ኣላይነትን “ዓርቢ ሓርነት” ዝተበሃለ ፕሮጀክት ፍሉጥ ተራ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዝን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታትን ናይ ዘካየድናዮ ሓጻር ዕላል ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ሕቶ፡- ፕሮጀክት “ዓርቢ ሓርነት” እንታይ’ዩ፧ መዓስን ከመይን ኢሉ ጀሚሩ፧

መልሲ፡- ፈለማ ዝኸበርካ ሓው ዳክተር ዳኒኤል ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃብካኒ አመስግነካ። ሓደ ካብቶም ኣዚየ ዝንእዶምን ዘኽብሮምን ኣሕዋት ምዃንካ’ውን ክገልጸልካ እፈቱ። ናብ ሕቶኻ ክምለስ፡ ዓርቢ ሓርነት ብዕሊ ኣብ ለካቲት 2012 ኣብ ፈይስቡክ ዝተገበሰ ፕሮጀክት ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ፍትሒ (ዝተወደቡን ብውልቆም ዝነጥፉን) ዘቖምዎ ፕሮጀክት እዩ። እቲ ፕሮጀክት፡ በቲ ኣብ 2011 ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም፡ ዝለዓዓል ዝነበረ ህዝባዊ ኣብያታት (ንኣብነት ብ “Arab Spring” ዝፍለጥ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ)፡ ብኸምኡ ዝኣመሰልዎ ተሞክሮታት ዝተደረኽ ኮይኑ፡ ነቲ ዓርቢ ዓርቢ ዝለዓዓል ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፍታት ናብ ሃገርና ጽልዋ ንምፍጣር ዝሓለነ እዩ። እቶም ጀመርቱ፡ ብሓጽሮት EYC ኣብ ዝበሃል ናይ ፈይስቡክ ግሩፕ (Facebook Group) ኢና ተራኺብና። Eritrean Youth for Change ወይ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ዝበሃል ተበግሶ ማለት’ዩ። ንፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ከነበግሶ ከለና፡ ማሕበርና/ EYC ዝተወደበ ኣካል ብንምባሩ ዑዙዝ ተራ ኔርዎ እዩ።

ሕቶ፡- ዓርቢ ሓርነት ሕጂ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ፧ ምስ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ስቱራት ምቅስቓሳት ምትእስሳር ክፈጥር ፈቲኑ’ዶ፧ ከመይ፧ ስለምንታይ፧

መልሲ፡- እዚ ፕሮጀክት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ምንቅስቓስ ወይ ተቓውሞ ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ተቓውሞ ንምትእስሳር ዝሓለነ እዩ ኔሩ። በዚ ድማ (ነብሰ ናእዳ ደኣ ክይመስል እምበር) እቲ ፕሮጀክት ኣዚዩ ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ጅምር ምስ ኣበልና ኢና ምስ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ርክብ ጀሚርና። እቲ ዝፈጠርናዮ ርክብ፡ ኣብ ህዝቢ ምንቕቓሕ፡ ከምኡ ‘ውን ተስፋ ኣብ ምሃብን ድፍረት ኣብ ምስራጽን ሓጊዙ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ዝከኣለና ጽዒርና። እቲ ካብ ኩሉ ዝተዓወትናሉ ግን ቁኑዕን እዋናዊን ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣስሊኹካ ብምውጻእ ናብ ኣብ ደገ ዝቅመጥ ህዝብና ብጭቡጥ ምምጋብ እዩ። እዚ ድማ ዓቢ ፍናንን ሞራልን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ‘ውን ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ዝበሉዎ ሓቂ እዩ ኢሎም ይኣምኑን ይምስኩሩን። ስጋብ ሕጂ ዘውጸናዮም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓበሪታታት ልክዕ ምዃኖም ተረጋጊጹ እዩ። ሕጂ፡ በዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተጀመረ፡ ናይ ይመሰል (ስማዊ) ናይ ሰላም ስምምዕን ናይ ለበዳ ኮሮናን እቲ ዝነበረና ንጥፈታት ኣዚዩ ተዳኪሙ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ግን ዳግም ንምብጋሱ ንሰርሕ ኣለና። ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኣብ ሓበሬታ ምምጋብ እዩ ጸኒሑ ዘሎ ሕጂ ግን ናብ ግብራዊ ስራሕ ንምስግጋር ኩልና ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ከድልየና እዩ። ሎሚ እንታይነት ጉጅለ ኢሰያስ ምንጋር እዋኑ ዝሓለፈ እዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ፈሊጡዎ እዩ እንትርፎ ብዘበን ውበ ዝጸመሙ።

ሕቶ፡- ምስዚ ኣብዚ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ተበጊሱ ዘሎ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ከምኡ ‘ውን ብሓፈሻ ምስ ካልእ ተመሳሳሊ ኣንጻር ቃልሲ ዝቐንዐ ተበግሶታት ብኸመይ ክቋረን ይኽእል፡ ወይ ንምቑራኑ እንታይ ዝተገብረ ፈተነታት ኣሎ፧

መልሲ፡- ሓደ ካብቲ ደስ ዘብል ኩነት ናይዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ይኣክል ኢሉ ምብጋሱ እዩ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ቁጽሪ ህዝቢን ገንዘብን ብወፈያ መልክዕ ተራኢዩ። ነዚ ዓቂብካ ንቅድሚት ኣብ ምስጓም ጻዕሪ የድልየና ኣሎ። እቲ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸነሔ ጻዕሪ፡ ሰብ ንመሰሉ ደው ከም ዝብል ምግባር ዝብል ዕላማ ዝተዓወተ ይመስል። እዚ ግን ብቁኑዕ መልክዑ ኣብ ሕግን ሕጋውነትን ዝተመስረተ ምንቅስቃስ ኣብ ምምስራት ገና ክንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ ይመስለኒ። ከም መደብ፡ ልክዕ ከምቲ ስራሕ ዘይብልካ ሰብ ዘይትቖጽር፡ ሕግን መደብ ስራሕን ዘይብልና ሰባት ናብ መሪሒነት ኣብ ምምራጽ ደው ክብል ኣሎዎ። መጀመርታ ሕጊ ብስርዓት ኣውጺእና፡ መደብ ስራሕና ኣዋዲድና ከሳልጡ ዝኽእሉ ሰባት ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ። ህዝባዊ ቃልሲ መብዛሕቱኡ ጊዜ እዋናዊን ስሚዒታዊን እዩሞ ቀጻልነቱ ክነረጋግጽ ኣለና። ነዚ ክነረጋግጽ ድማ ኣርሒቅና ናይ ምሕሳብ ልምዲ ክነጥሪ ኣለና።

ሕቶ፡- ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ነዊሕ ዝጸናሕካ ከም ምዃካ መጠን፡ ተደጋጊሙ ዘጋጥም ነባሪ ፍታሕ ድማ ዘይረኽብናሉ ትብሎ ጸገም፡ ከም ኣብነት እንታይ ምጠቐስካ፧

መልሲ፡- ሓንቲ ኩሉ ግዜ ተጋጥመና ጸገም፡ ንኣፈታትሓ ሽግር ወይ ግርጭት ብዝምልከት፡ ብእዋኑ ተዳሊኻ ዘይምጽናሕ እያ። መብዛሕቱኡ እዋን ኣዚዮም ንኡሳን ዝኮኑ ማሕለኻታት ካብ መጠን ንላዕሊ ተመጢጦም ናብ ዝከፍአ ደረጃ ይወስዱና። እታ ካልአይቲ ጉድለት ተጻዋርነት ኮይና ትስመዓኒ። ንዝተፈልየ ሓሳብ ዘይምጽዋር ማለተይ እየ። ኣካላትና ዘይኮነስ ኣተሓሳስባና እዩ ካብ ህግደፍ ክፍለ ዘለዎ። ሓንቲ ካልእ ፍልጥቲ ጸገም ወይ ኣብነት ‘ውን ክውስኽ። ፍልልይ ናይ ሓሳባት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ኣብ ክንዲ ምስዓር፡ ናብ ውልቀ-መንነት ናይ ሰባት ምኻድ ልሙድ ተርእዮ ምዃኑ ሓደ ጸገም’ዩ። እቲ ክኸውን ዝግብኦ፡ ነቲ መፈላለይ ሓሳብ ምርኣይ’ዩ።

ሕቶ፡- ዕምሪ ምልኪ ኣብ ምሕጻር ክንክተሎ ካብ ዝግበኣና ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት እንታይ’ዩ ትብል፧

መልሲ፡- ኣብ ነኣሽቱ ፍልልያት ከየድሃብና ኩልና እጃምና ክንጻወት ኣለና። ነዚ ክብል ከለኩ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ሕጊ ክንኣምንን ብሕጊ ክንግዛእን ክንክእል ኣለና። እዋኑ ናብ ግብራዊ ስራሕ ንሰጋገረሉን ዋልታ ህዝቢ ንኾነሉን እዋን እዩ’ሞ በብዝከኣለና ነዞም ውሑዳት ደመኛታት ህዝብና ክንኣልዮም ኣለና። ቅልጽም ኤርትራዊ ኣብ ምውህሃድ ዘድልዮ ሓገዛት ኣብ ምንዳይ ኩልና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና።

ሕቶ፡- ዘይበልካዮ’ሞ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንተሎ?

መልሲ፡- ንኹሎም ኣብ ፕሮጀክት ዓርቢ ዓርነት ዘለዉ መሳርሕተይ፡ ንኣበርክትኦምን ዘይሕለል ጻዕሮምን ከመስግኖም እፈቱ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት ድማ ፍሉይ ክብሪ ኣለኒ። ብናይ ሓባር ጻዕሪ ቃልስና ከም ዝዕወት ጥርጥር የብለይን።

መደምደምታ

ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ኢሳያስ መልስታቱ ሕጽርን ምጥንን ብዝበለ ኣቀረራባ ክገብሮ’ዩ መሪጹ። ብጽሑፍ ዝተኻየደ ዕላል ምስ ምዃኑ፡ ንኣዳላዊ ናይዚ ዓምዲ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምጡን ኣቀራርባ ሓጋዚ’ዩ — ብፍላይ ንኣርትዖት/editing ብዝርኢ መዳያቱ። “ዘረባን መሸላን ክሳድ ክሳዱ እንተበልካዮ’ዩ …” ኣብ ዝብል ብሂል ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ይመስል ሓው ኢሳያስ።

ንዝሃበኒ ዕድል እንዳመስገንኩ፡ ኣብ ኩሉ ዝግብሮ መደባቱ ዓወትን ኣሳልጦን እምነየሉ። ኣንበብቲ ድማ ሓድሽ ሓበሬታ ዝረኽቡሉን ገለ ኣስተምህሮኣዊ መዳያት ዘለዎ ንባብ ክኾነሎምን እትስፎ።

24.08.2020