Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ ብዛዕባ ኮረና ቫይረስን እቲ ንሱ ዘስዕቦ ሕማምን (ኮቪድ-19)፡ ብዛዕባ ካልእ ምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለንን። ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሎሚ ሕታም “ብ1000 ቃላት” ‘ውን ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከተድህብ ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም፡ እቲ ሻቕሎት ጸኒሑ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ሃገር (ስዊዘርላንድ)፡ ብሃገር ደረጃ ኣሻቓሊ ክኸውን ዝጀመረ ካብ 13 መጋቢት ጀሚሩ’ዩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻሉን ንምምካቱን ዘኽእሎ ሕጊ ብወግዒ ብምእዋጅ’ዩ ክገጥሞ ተበጊሱ። “ወይለይ! ኣዋጅ’ከ የድልዮ ድዩ?” ዝብል ኣይስኣንን ይኸውን እንድዩ፡ እቲ መልሲ እወ የድልዮ’ዩ። ዘድልየሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ተባሂሉ ዝውሰድ ስጉምትታት ንገለ መባእታዊ መሰላት (ንኣብነት መሰል ብናጻ ምንቅስቓስ) ዝሓማትል ክኸውን ስለ ዝኽእል። ንግዚኡ ‘ውን እንተኾነ፡ መሰላት ዘደስክል ሳዕቤን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ጥዑይ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት፡ መንግስታት ከምኡ ዝኣመሰለ ስጉምታት ክወስዱ እንከለዉ ናይ ግድን ሕጊ ብምእዋጅ ክግበር ስለ ዝግብኦ’ዩ።

ናይ “ዓዲ ገሌና” ኣካይዳ ከመይ ዝነበረን ከም ዘሎን መቸም ዝጠፍኣና ነገር ስለ ዘይኮነ ንግዚኡ ኣብኡ ይጽንሓልና ኢልና ክንሓልፎ። “ኣይትብከ እንድዩ ዘይብክየኒ ዘሎ” ዝብል ምስላ ዘኪርና ክንሓልፍ ድማ ግድን ይኾነና። ኪንኡ ግን፡ እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብዝተፈላለየ ናይ ጽልዋ ዓቐናት ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝርከቡ ወገናትና ፍታሕ ክብረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ክፍጠረሎም ምምናይ፡ ካብ ምምናይ ሓሊፍካ ድማ ዓቕምኻ ዝፈቕዶ ምብርካት መድረኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ምዝዝኻር ግድነታዊ’ዩ። ዛጊድ ብዝተፈላለዩ ወገናት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ቦታታትን ዝካየድ ዘሎ፡ ንወገናትና ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተበገሰ ንኡድ ተበግሶታት ‘ውን እግረ-መገደይ ከሞግሶን ዓወት ክምነየሉን እደሊ። ኩሉ ዝኽእል ዘበለ ዓዓቕሙ ከበርክት ድማ እትስፎን አዘኻኽርን።

ጉዳይ ኮቪድ-19 ግን ካብ ጉዳይና (ካብ ጉዳይ ኤርትራውያን) ውጽእ ብዝበለን ስፍሕ ብዝበለን መገዲ ክንርድኦ ዝግባኣና ጉዳይ ምዃኑ ‘ውን ክንዝግዕ የብልናን – ምኽንያቱ እዚ ሕማም’ዚ፡ ዶብ፣ ኩነታት ኣየር፣ ድኽነትን ሃብትን፣ ሕብሪ ቆርበትን ዓሌትን፣ ወዘተ ከይበለ ንብምሉኣ ዓለም ኣናዊጽዋ ስለ ዝርከብ፡ ናይ ግድን በቲ ብዙሓት ኣህዛብ ዝርእይሉ ዘለዉ ዓለም-ለኻዊ መቓን እንኮላይ ክንርእዮ ንግደድ። ንምሸቱ፡ ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ እንተኾይኑ ‘ውን፡ እቲ ፍታሕ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ተሓጺሩ ዝተፍር ክኸውን ከም ዘይኮነ ርዱእ እንዳኾነ ይኸይድ ስለ ዘሎ።

ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ሃገር፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ጸገም ብርኡይ ከሻቕል ዝጀመረ ካብ 13 መጋቢት ጀሚሩ ኮይኑ፡ ካብ ዕለት 16 መጋቢት ጀሚሩ ድማ፡ ብውሑዱ ክሳብ 26 ሚያዝያ፡ ኣብያተ-ትምህርትን ካልእ ኩሉ ትካላትን (ብዘይካ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካላት) ክዕጾ ተወሲኑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ። ካልእ ዘይንቡር ውሳኔታት ‘ውን ተወሲኑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ማእከላይ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኽ እዚ ሃገር፡ ብኣዋጅ ደረጃ፡ ንገለ ስልጣናት ናይ ኣውራጃታት (ካንቶናት) ዝድርት መምሪሕታት ከውጽእ ተገዲዱ ከም ዘሎ ብወግዒ ተሓቢሩ ኣሎ። ከምኡ ‘ውን ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ስዊዘርላንድ ዝለዓለ ቁጽሪ ወተሃደራት ንሓደ ሃገራዊ ዕዮ ተልእኾ ሂባ ኣዋፊራቶም ከም ዘላ ተገሊጹ ኣሎ።

ናይ ስዊዘርላንድ ኣሰካፊ ዝገብሮ ሓደ ነገር ኣሎ። ብገለ መለክዕታት፡ ካብታ ኣዝያ ተጠቒዓ ተባሂሉ ዝዝረበላ ዝነበረ ጥልያን ዝገድድ ኣመታት ስለ ዘለዎ’ዩ። ንኣብነት ንሓፋሻዊ ቁጽሪ ብዝምልከት፡ ክሳብ ዕለት 12 ምያዝያ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ 25398 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ፡ 1103 ድማ ዝሞቱ ሰባት ኣለውዋ ተባሂሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ቁጽሪ ልኹፋት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 1 ሚልዮን ህዝቢ ብዝብል መለክዒ፡ ስዊዘርላንድ ካብ ዓለም ካልኣይቲ ኣላ፡ ስፐይን ጥራይ ትቕድማ። ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህዝቢ ናይ ስዊዘርላንድ ከባቢ 8.5 ሚልዮን’ዩ። ስፐይን 47 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 1 ሚልዮን ህዝቢ፡ ስዊዘርላንድ 2937 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉዋ። ስፐይን 3553 ኣለውዋ ይብል እቲ ጸብጻብ (ክሳብ ዕለት 12 ምያዝያ ኣብ ዘሎ እዋን)። ንስዊዘርላንድ እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣዝዩ ኣሰካፊ ቁጽሪ’ዩ።

ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ፡ “ንመጀመርታ ግዜ ከምዚ ኮይኑ”፣ “ንመጀመርታ ግዜ ከምዚ ተኸሲቱ”፣ ወዘተ እንዳተባህለ ዝዝረብ ዘረባታት ማእለያ የብሉን። ኣብዚ ኩሉ ዝዕንድረሉ ግራት ናይ ማሕበራዊ መራኽብታት ከማን ብዙሕ ነገራት (ርጡብን ዘይርጡብን) ይበሃል ከም ዘሎ ንሰምዕ ከም ዘለና ፍሉጥ’ዩ። ካብ ርጡብ ዘረባታት ገለ ኣብነት ክጠቅስ። ንኣብነት፡ ንብከላ ከባቢ (climate change) ብዝምልከት፡ ገለ ዘደንጹ ነገራት ይርአ ከም ዘሎ ይዝረብ ኣሎ። “ለካሚኻ መርዓ ኣሎ፡ ቀዳዊኻ ሞት ኣሎ” ከም ዝበሃል፡ ገለ ብሰሪ ክቱር ብከላ ከባቢ ዝዓኑ ዝነበረ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዓለም (ንኣብነት እዚ መዓልታዊ ከነተንፍሶ ዝግባኣና ጽሩይ ኣየር)፡ ኮቪድ-19 ፈጢርዎ ብዘሎ “ግዱድ ህድኣት”፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ገጹ ክምለስ ተራእዩ ዝብሉ በሃልቲ ኣለዉ። ኣብ ህንዲ፡ ንኣብነት፡ ድሕሪ 30 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ እምባታት ሂማላያ ካብ 200 ኪ.ሜ. ርሕቀት ክርአ ከም ዝተኻእለ ሲኤንኤን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ቅድሚ 5 ወርሒ፡ ከተማ ደልሂ ናይ ህንዲ፡ ዝለዓለ ደረጃ ብከላ ኣየር ተራእይዋ ተባሂላ ኣብ ማዕከናት ዜና ተጠቒሳ ኔራ። እቲ ንጽጽር ዘገርም’ዩ። ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣይስሕቶን።

ምስ ኮቪድ-19 ካብ ዝተሓሓዝ ዜናታት ግን፡ ከምዚ ዝስዕብ ጌሩ ቀልበይ ዝገዝአ የለን – ክሳብ ሕጂ። ትማሊ ምሸት ቅድሚ ናብ ድቃስ ምኻደይ ዝረኣኽዋ ሓንቲ ሓዳስ “ዶክመንታሪ” ፊልም፡ መንከሰይ ንታሕቲ ክወድቕ ክሳብ ዝደሊ ምሉእ ምሸት ከተገርመኒ ኣምስያስ፡ ለይቲ ‘ውን ኣብ ድቃሰይ ካብ ምሕሳብ ኣይገላገለትንን። ኩሉ ኣብታ ዶክመንታሪ ዘሎ ሓበሬታ መንፊት ከይበርካ ክጉሰም ኣለዎ ዝብል እምነት’ኳ እንተዘይብለይ፡ ገለ ኣብኡ ዝረኣኽዎን ዝፈለጥክዎን ዝርዝራት ግን ምእማኑ ዝኸብድን ዘደንጹን’ዩ። ዓለም ናበይ ገጻ’ያ ትኸይድ ዘላ ዘየብል ‘ውን ኣይኮነን። ገለ እዋናት ኣሎ፡ “ምስ ዝወጹ የውጻና” ንምባል ድሕር ዘይትብለሉ። እዚ ‘ውን ከምኡ ከብል ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ናይ ምፍላጥ ድሌትና ዝፈጥሮ ተርባጽ ግን ጸጸኒሑ ክሓቑነና ግድን’ዩ። ኣብቲ ዶክንመንታሪ ዝቐረቡ ክኢላታት ከም ዝሓበርዎ፡ ኮረና ቫይረስ፡ ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ብሓቂ ኣብ ከተማ ውሃን (ቻይና) ካብ ዝርከብ ዕዳጋ ስጋ (ዕዳጋ ሕሩድ) ብሃንደበት ዝነቐለ ዘይኮነስ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ፍሉጥ ናይ ሳይንስ ቤተ-ምርምር (ላቦራቶሪ) ዝነቐለ፡ ሰብ-ሰርሖ ቫይረስ’ዩ እዮም ዝብሉ። “ሰኣሊለነ!” ዘየብል ኣይኮነን። ሕጂ ንግዚኡ ክረኽቦ ኣብ ዘይከኣልኩ ካልእ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ቪድዮ፡ ኣብቲ ላቦራቶሪ ናይ 1500 ቫይረሳት ባንክ ከም ዘሎ ኣንቢበ ኔረ። እቲ ላቦራቶሪ ንባዕሉ፡ ብወግዓዊ ኣጸዋውዕኡ “ውሃን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቫይሮሎጂ”፡ ኣብ ኤስያ እቲ ዝዓበየ ናይ ቫይረሳት ባንክ ኢሉ’ዩ ንገዛእ-ርእሱ ዝገልጽ።

ኮቪድ-19 መዛረቢ ኣርእስቲ ካብ ዝኾነሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብፍላይ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት 2020 ጀሚሩ፡ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ዘረባታት፡ ገሊኡ “ስነ-ሓሳብ ውዲት” (ኮንስፒራሲ ትዮሪ) ኢልካ ሸለል ኢልካ ትሓልፎ ዘረባታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሰምዕ’ኳ እንተነበርኩ፡ ከምዛ ናይ ትማሊ ዶክመንታሪ ጌራ ቀልበይ ዝሰሓበትኒ ግን የላን። እንደገና ንጹር ንምዃን፡ ኣብታ ዶክመንታሪ ዘሎ ኩሉ ሓቂ’ዩ ክብል የጸግመኒ። ብዙሕ ሓበሬታ ግን ኣሎ፡ “ከምዚ’ኸ ተጌሩ ኔሩ ድዩ፣ ከምዚ’ኸ ክግበር ይከኣል ድዩ፣ ከምዚ ‘ውን ኣሎ ብሓቂ?” ብዝብል ኣግርሞታዊ ሕቶ ንሕልናኻ ዘናውጽ። ምቕናይ ጥራይ ኣይስኣን እምበር ብዙሕ ንሰምዖ ነገራትሲ ይህሉ ይኸውን’ዩ።

ኣብቲ ብሞያዊ ዓይኒ ዘገድሰኒ ቀንዲ ዓውዲ-ፍልጠት (ኣህጉራዊ ሕጊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት) ምልስ ኢለ ክሓስብ ምስ ጀመርኩ፡ ገሊኦም “መቓጽጽተይ” ድሮ፡ ብበርቃዊ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ኣብ ንጽጽራዊ መጽናዕቲ (comparative study of Covid-19 legal responses) ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ዘከርኩ። ካብታ “መስተውዓሊት” ዘትከኸ ዉሉፍ ይገብሮ ብዝብልዎ ዓይነት “ምንቕቓሕ”፡ ካብ ድቃሰይ ብር ዝበልኩ ኮይኑ ተሰመዓኒ’ሞ፡ ጽሑፈይ ካብዚ ንላዕሊ ከንውሖ ከም ዘይብለይ ተገንዘብኩ።

12.04.2020