“ከለሪዝም” / colourism እንታይ እዮ?

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ብቛንቋ እንግሊዝ፡ ብዛዕባ “ከለሪዚም” ንፈልጦ ብዙሕ ይህሉ ይኸውን’ዩ። ብቛንቋ ትግርኛ፡ ብፍላይ ብናይ “ሓበሻ” ኣበሃህላኸ ኣፍልጦና ክሳብ ክንደይ’ዩ? መልሲ ናይዘን ሕቶታት ኣብ መወዳእታ ክንጽር’ዩ።

ቅድም ግን፡ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ክተናኽፍ ብዛዕባ ዘበገሰኒ ጉዳይ ሓጺር ትዕዝብት ከቐምጥ። ናይዚ እዋን’ዚ ኣገዳስን ዓለም ምሉእ ድማ ከዛርብ ዝቐነየን፡ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ቅትለት’ዩ ነዚ ናይ “ከለሪዝም” ሓሳብ ኣበጋጊሱለይ። ዓሌታዊ ኣድልዎ ብጋህዲ ዝተንጸባረቖ፡ ኣርሜናዊ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ “ላይቭ”/live ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ዓለም ብምልእታ፡ “ፍትሒ-ፍትሒ” ብዝጨኑ ሰላማዊ ሰልፍታት ክትናወጽ ክንርኢ ቀኒና።

እዚ Black Lives Matter (BLM) ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝኸይድ ዘሎ፡ ዓለማዊ/ግሎባዊ ክበሃል ዝኽእል ናይ ፍትሒ ምንቅስቓስ፡ ድሕሪ ኮቪድ-19፡ እንኮ ብደረጃ ዓለም ሰፊሕ ተፈላጥነት ዝረኸበን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘበጋገሰን ተርእዮ ኮይኑ ምህላው ‘ውን ንዕዘብ ኣለና። አረ ኣብ ገለ ሃገራትሲ፡ ናብ ምርሳዕ ቀሪቡ ዝነበረ፡ ናይ ግዜ መግዛእቲ/colonialism መዛጋብ ታሪኽ ከም ዝግንጸል ጌሩ፡ ዘይተወራረደ ናይ ታሪኽ ሕሳባት ንኽወራረድ ዝጠልብ ኣድማታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከም ዝካየድ ‘ውን ጌሩ’ዩ።

ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት፡ ናይ ቤልጅም ምጥቃስ ይከኣል።  እታ ሃገር፡ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት (ካብ 1865 ክሳብ 1905 ኣብ ዝነበረ ግዜ)፡ ንጉስ ሊኦፖልድ ዝበሃል መራሒ ኔርዋ። ልክዕ ከም ካልኦት ናይቲ እዋን መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ንሱ ‘ውን ኣብ ኣፍሪቃ ግዝኣት ነበሮ። ናይ እንዳማቱ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ከም ሕሱም ዝገሓጠን ንዕኡ ንምግባር ድማ ክትሰምዖ ዘደንጹ በደላት ዝፈጸመን ንጉስ ከም ዝነበረ ይንገረሉ።

ሊኦፖልድ፡ ኣብታ ሎሚ ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ተባሂላ ትፍለጥ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ደቀ-ባትን ደቀ-ናትን ናይታ ሃገር እዚ ዘይበሃል ዘስካሕክሕ በደላት ከም ዝፍጸመ’ዩ ዝንገረሉ። ተርቩረን ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ናይ መንበሪ ገዝኡ፡ 267 ኣፍሪቃውያን ዝሓዘ፡ ናይ “ደቅ-ሰብ ቤተ-እንስሳ/zoo” ከም ዝነበሮ ይንገር። ኣፍሪቃውያን ሰባት፡ ከም እንስሳ ኣብ ቤተ-እንስሳ ተዓጽዮም፡ ብበጻሕቲ ዝርኣይሉ ዝነበሩ ናይ መዘንግዒ ቦታ ማለት’ዩ።

ብሰሪ ከምዚ ዝኣመሰልዎ ዘሕፍር ታሪኽ፡ ኣብ በልጅም ዝቕመጡ ኣፍሪቃውያን፡ ምስ BLM ተኣሳሲሩ ተላዒሉ ኣብ ዘሎ ናዕብታት፡ ንታሪኽ ናይቲ ንጉስ ዝኹንን ኣድማታት ክገብሩ ቀንዮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓወልታት ናይቲ ንጉስ ኣዕንዮምን ከም ዝንቀል ‘ውን ጌሮም። ታሪኽ ተመዓራርዩ ክንገርን ክጸሓፍን ‘ውን ይጽውዑ ኣለው።

ብፍላይ ኣንትወርፐን ኣብ ዝበሃል ከተማ ዝነበረ ናይ ንጉስ ሊኦፖልድ ሓወልቲ፡ ኣድመኛታት ምስ ኣቃጸልዎ፡ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ ከውርድዎ ከም ዝተገደዱ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ተመሳሳሊ፡ ታሪኽ ክተዓራረ ዝጠልብ ኣድማታትን ምውራድ ሓወልትታትን ይካየድ ምህላዉ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ክሕብራ ቀንየን’የን።

ምስዚ ጉዳይ’ዚ ተኣሳሲሩ፡ ከለሪዝም ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደ ካልእ ሕብረተሰብኣዊ ጸገም ‘ውን ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ ቀንዩ ኣሎ። ከለሪዚም ማለት ኣብ ሕብሪ ቆርበት ናይ ደቂ ሰባት ምርኩስ ዝገበረ ኣድልዎ ማለት’ዩ። ምስ ዓሌትነት/racism ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ’ኳ እንተኾነ ሓደ ግን ኣይኮነን። ዓሌትነት፡ ሓደ ጻዕዳ ንሓደ ጸሊም፡ ወይ ‘ውን ብግልባጡ፡ ብሕብሪ ቆርበቱ ጥራይ ብኣድልዎ ክጥምቶ እንከሎ የመልክት። ክልቲኦም ዝተፈላለየ ሕብርን ዓሌትን ዘለዎም ማለት’ዩ። ከለሪዝም ግን ዋላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓሌትን ሓደ ዓይነት ሕብሪ ቆርበትን ዘለዎም ሰባት ‘ውን ከጋጥም ዝኽእል ናይ ኣድልዎ ጸገም የመልክት። 

ብዙሕ ደኣ ከም ጸገም ወይ ከም ናይ ኣድልዎ ሕቶ ኣይርአን’ዩ’እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ዘጋጥም ጸገም’ዩ። ብጋህዲ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ ምስ ምዃኑ፡ እቲ ልክዕ ሕብረተሰብኣዊ ርድኢት ብንጹር ምፍላጡ ከጸግም ይኽእል’ዩ። ካብ ሓፈሻዊ ርድኢታት ዝነቅል፡ እዚ ዝስዕብ ትዕዝብታት ግን ክውሰድ ይከኣል።

ሕብሪ ቆርበቱ ጽልም ዝበለ ሰብ፡ “ባርያ፣ ጠቃር፣ ቀርጫፍ፣ ወዘተ …” ዝብል ግሁድን ዘይግሁድን ቅጽል ኣስማት’ዩ ዝወሃቦ። እቲ ግምት፡ ጸሊም ሓበሻ የለን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝነቅል’ዩ ክበሃል ይከኣል። ሓበሻ ሕብሪ ቆርበቱ ብርህ ዝበለ፡ እኳ ደኣ ናብ ቀይሕ ገጹ ዝኸደ’ዩ ዝብል ኣልማማዊ ግን ቅኑዕ ዘይኮነ ኣተሓሳስባ ዝፈጥሮ ስምዒት’ዩ። በዚ መንጽር’ዚ ጸሊም እንተኾንካ ወይ “ባርያ” ኢኻ ወይ ካልእ ኢኻ ማለት’ዩ። ከምዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ናይ መሰልን ማዕርነትን ሕቶታት ‘ውን ማዕረ ኣይኮንካን፡ ወይ ከም ሰብካ ኣይኮንካን ከስምዕ ዝኽእል ኣመታት ዘለዎ’ዩ።

ከምቲ ዝበልክዎ፡ ኣብ “ሓበሻዊ” ዓንኬላት፡ ብግህዶ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ BLM ተኣሳሲሩ ግን ገለ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ክዝትይሉ ኣንቢበ ኔረ። ኣብ ትዊተር ካብ ዘንበብክዎ ናይ ሜሮን እስቲፋኖስ ርእይቶን፡  ኣብረሃም ተስፋልኡል ንዕኡ ዝሃቦ ግብረ-መልስን፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝቐጸለ ተወሳኺ ርእይቶን ከም ኣብነት ክጠቅስ።

ኣብቲ ፈላሚ ርእይቶኣ፡ ሜሮን “ዓሌትነት” ዝብል ቃል’ያ ተጠቂማ። ነቲ ናታ ርእይቶ መልሲ ብምሃብ (retweet ጌሩ) ዝጸሓፈ ኣብራሃም ግን ከለሪዝም’ዩ ዝብል።  ኣብቲ ናይ መጀመርታ ልጥፎ/posting፡ ሜሮን ከምዚ ትብል፡- “ኣደይ ፍርቂ ጎና ጥልያን፡ ፍርቂ ጎና ኤርትራዊት ብምዃና፡ ቀያሕ’ያ። ኩሎም ደቃ ብጀካይ ቀያሕቲ እዮም። ማዕረ’ቲ ነደይን ነሕዋተይን ዘፍቅሮም፡ ምስኣታቶም ኣብ ደገ ክርአ ይሽቑረር ነይረ።” 

ነቲ ሜሮን ዝበለቶ ከም ዝሰማማዕሉ ዝሓበረ ኣብራሃም፡ ካልኦት ኤርትራውያን ንዕኡን ንሜሮንን ብምቅዋም፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ከለሪዝም ጸገም የለን ኢሎም ከም ዝኽሕዱ ይሕብር።

ሜሮን ግን በቲ ኣብ ላዕሊ ዝበለቶ ጥራይ ኣይተሓጽረትን። ኣብ ግዜ ህጻንነታ፡ ብሰንኪ ጽልማ፡ ኣንቲ “ባርያ፣ ኩናማ፣ ጋምቤላ” ዝብል ቅጽላት፡ ጸርፊ ዘይክነሱ ግን ከም ጸርፊ ዝሕሰብ ጥብቆታት ይወሃባ ከም ዝነበረ ትገልጽ። ሓደ ካብቶም ምስ ሜሮን ዝሰማማዕ ርእይቶ ዘቐመጠ ዶ/ር መሓመድኬር ዑመር ብወገኑ ከምዚ ይብል፡-  “ኣዚና ዓሌታውያን ሕብረተሰብ ኢና፡ ዋላ’ኳ ዘይንኣምነሉ እንተኾና። ካባና ጽልም ዝበለ ሕብሪ ቆርበት ንዘለዎ ሰብ፡ ብምስትንዓቕ ንጥምት። ተመሊስና ግን ካልኦት ካባና ዝጻዕደወ ሕብሪ ቆርበት ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ነማርር።” 

ብርግጽ ኣብ ኤርትራውያን ዝርአ ምስ ከለሪዝም ዝተኣሳሰር ጸገማት መሰንበድ’ዩ። ኣብ ብዙሕ ውልቀ-ዕላላት ንሰምዖ ጠገለ ዘይብሉ ርእይቶታት ማእለያ ዘይብሉ’ዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ኣብነታት ኣፈናዊ ትዕዝብታት ንምውህላል እንተሓገዘን ካብ ስፍሕ ዝበለ ክትዓት ድማ እንተለዓዓለ ብዝብል ሓሳብ ደኣ’ምበር፡ ንኹሉ መዳያት ናይቲ ኣርእስቲ ዝጥምት ከም ዘይኮነ ርዱእ። እቲ ኣርእስቲ ሰፊሕ ምስ ምዃኑ፡ ብኸምዚ ዝኣመስልዎ ሓጺር ትዕዝብቲ ጥራይ ንኹሉ መዳያቱ ምድህሳሳ ኣይከኣልን። ከም ጸገም ክስዓር ዝግባኦ ድሑር ኣተሓሳስባ ምዃኑ ርእሰ-ግሉጽ’ዩ።

ናብቲ ናይዚ እዋን’ዚ ዓለማዊ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ BLM ዝብል ናይ ፍትሒ ጎስጓስ ምልስ ኢለ ብኡ ክዛዝም። ገለ ኤርትራውያን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ከለሪዝም ዝንባሌታቶም ከይፈወሱ፡ ወይ ነብሶም ሓራ ከይገበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝወርድ ዘሎ በደል ኣተሓሲስቦም “ኣካኪ ዘራፍ” ክብሉ ምርኣይ ንኣዳም ገረሞ ዘየብል ኣይኮነን። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን ናይ ደገፍቲ ህግደፍ’ዩ

15.06.2020

(ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሕተም ዝግብኦ ዝነበረ ክልተ-ሰሙናዊ ናይዚ ብሎግ’ዚ ዓንቀጽ ብቴክኒካዊ ጸገማት ኣብ እዋኑ ከም ክሕተም ከም ዘይከኣለ ምስ ናይ ይቕረትኡ ንኣበብቲ እሕብር።)