ኣናብባ ታሪኽ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ኣሐፊሽካ ምዝራብ (generalize ምግባር) ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ዘይተዓርቀ ናይ ታሪኽ ምዕራፋት ዘይብላ ሃገር፡ ትህሉ ትኸውን ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኮይኑ ኣይስመዓንን። ዓቕኑ ድኣሉ ዝፈላለ ዝኸውን ‘ምበር፡ ነብሱ ዝኽኣለ ጉርፍጥ ምስ ሕሉፍ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ታሪኽ፡ ዘይብለን ሃገራት እንተሃለዋ ‘ውን፡ ብቑጽሪ ኣዝየን ውሑዳት’የን ክኾና ዝኽእላ። ብብዙሕነት (ናይ ቋንቋ፣ ሃይማኖትን ካልእን ብዙሕነት) ኣብ ዝልለያ ሃገራት እቲ ብድሆ ብዝያዳ ጎሊሑ ይርአ። ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ድማ ብዛያዳ የጋጥም። ካልኦት ሃገራት ናጻ’የን ካብዚ ጸገም ማለት ግን ኣይኮነን።

ገለ ክፋላት ናይ ታሪኸ፡ ብኸመይ ይትርጎምን ብኸመይ’ከ ይዝከርን ኣብ ዝብል ነጥቢ መሰረታዊ ፍልልይ ዘለወን ሃገራት፡ ሃገራዊ ስኒት ኣውሒሰን ብህዱእ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ክጎዓዛ ኣዝየን ይጽገማ። ጽኑዕ ሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ትካላት (ከም ፓርላማ፣ ናጻን ዘይሻራውን ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣደልዲሉ ዝረገጸ ፕረስ፣ ዝተርነዓ በርጌሳዊ ማሕበራት፣ ወዘተ) ዘይብለን ምስ ዝኾና ድማ እቲ ብድሆ ክብድ ዝበለ ይኸውን።

ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጸዓዱ ኣብ ግዜ ባርነት ጸለምቲ (slavery) ይፍጽምዎ ንዝነበሩ በደላት፣ ነቲ በደላት ኣብ ታሪኽ ተዋሂብዎ ዝጸንሐ ምዕራፋት፣ ኣነጋግርኡን ኣተራርኽኡን፣ ወዘተ ሓድሽ መልክዕን ኣቀራርባን እንዳሓዘ (ከከም ኣቕረብቲ ናይቲ ጉዳይ) ነናሻዕ የዘራብ’ዩ። መግዛእታዊ ታሪኽ ኣብ ዘለወን ሃገራት ‘ውን ተመሳሳሊ ጸገማት የጋጥም። ዳርጋ ኩሉን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብመግዛእቲ ባዕዲ ዘይተተንከፈ ታሪኽ ስለ ዘይብለን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብዚ ጸገም’ዚ ናጻ ዝኾነት ሃገር ኣላ ኢልካ ምዝራብ ኣየድፍርን።

ገለ ካብቲ ጸገማት ኣናብባ ታሪኽ ዝገሃደሉ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ንሓደ ምዕራፍ ናይ ታሪኽ ከም መግለጺ ዘገልግል ሓወልቲ፣ ቤተ-መዘክር ወይ ካልእ ተምሳላዊ ነገራት፡ ብገለ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ከም ቅቡል ክውሰድ እንከሎ፡ ብኻልኦት ድማ ከም ዘይቅቡል ክውሰድ ይከኣል።  ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ቀንዲ ጠንቂ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ኣብ ምትርጓም፡ እንኮላይ ኣብ ምስናዱን ምንጋሩን (ምምሃር፣ ምዝንታውን ካልእን ሓዊስካ) ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ኣገባባት ስለ ዝህሉ’ዩ። እቲ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ዝበሃል ኣገባባት ንባዕሉ፡ ከከምቲ ሰባት ዝጥቀምሉ ናይ መጠመቲ “መረጼን” ክፈላለ ይኽእል። 

ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ “ዙም” ናብ ከባቢና (ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ) ኣቕርብ እንተቢልናዮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ዝተበሃለ ኢትዮጵያዊ ምሁር (ኦሮሞታይ)፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2020፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ሓደ ጉባኤ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዘዘክረና ኣይጠራጠርን። ንሱ ኣብ ጽሑፍን መደርኡን፡ ነቲ ካብ መፋርቕ 19 ክፍለ-ዘመን ዝጅምር ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከመ ቀንዲ መበገሲ ወሲዱ፡ ኣብዚ ታሪኽ’ዚ ዘሎ ዘይተዓርቀ ናይ ታሪኽ ኣረዳድኣታት ክሳብ ዘይተፈወሰ፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ኢትዮጵያ (ኣየናይ መራሒ መዓስ መጺኡ ብዘየገደስ) ኣብ ሸንኮለል ክነብር ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ብፍላይ፡ ንታሪኽ ሃጸይ ዮሃንስ፣ ሃጸይ ቴድሮስ፣ ሃጸይ ምኒሊክን ሃጸይ ሃይለስላሰን ብዝምልከት፡ ብገለ ኢትዮጵያውያን (መብዛሕትኦም ናይ ብሄረ-ኣምሓራ ናይ ፖለቲካ ሊሂቃን ማለቱ’ዩ) ዝቐርብ ናይ ታሪኽ ትንተና፡ ብኻልኦት ብሄራት ናይታ ሃገር ክንገር ንዝድለ ሓቅታት ኣብ ግምት ዘይእቱ ስለ ዘነበረን ዘሎን፡ ንቐጻሊ ግርጭታት ጠንቂ ይኸውን ከም ዘሎ’ዩ ገሊጹ። 

ካብ ኣተራጓጉማ ታሪኽ ዝብገስ ቁስልታት ብግቡእ እንተዘይተሓኪሙ፡ ሃገራት ቅሳነት ረኺበን ብሰላም ክጎዓዛ ዘጸግም ምዃኑ’ዩ እቲ ፕሮፌሰር ዝገልጽ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ንኣብነት ታሪኽ ምኒሊክ እንተወሲድና፡ ብገለ ወገናት ከም መስራቲ ዘመናዊት ሃገረ-ኢትዮጵያን በዓል ዓቢ ውዕለትን ዝርአ ሃጸይ ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልኦት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ሕልፍ ዝበለ ጭፍጨፋ ብምክያድ፡ ብዋጋ እቶም ዝተጨፍጨፉ ብሄራት ዘመናዊት ሃገር ዝመስረተ መራሒ’ዩ ዝርአ።

እቲ ጸገም ኣብዚ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ካልኦት ብሄራት ኣብ ልዕሌና ተፈጺሙ ዝብልዎ በደላት፡ ቀዲሞም ብዝነበሩ መንግስታት ተፈላጥነት ዘይተውሃቦን ንምክሕሓሱ ‘ውን ዝጠቅም ስጉምታት ዘይተወስደሉን ምዃኑ’ዩ። ብርዱእ ምኽንያታት፡ ኣብ ኣናብባ ታሪኽ ፍልልይ ከም ዝህሉ ይገብር። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገፊሕ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክዓርቕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ቀመር (formula) ረኺብካ ነቲ ፍልልይ ከተጽቦቦ ክሳብ ዘይተኻእለ ውሑስ ሰላምን ርግኣትን ክርከብ ኣጸጋሚ ይኸውን።

ኣብ ተሞክሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተራእየ፡ ሓደ ካብቲ ፍቱን መድሃኒታት፡ ንሓድሕዱ ከይተነጻጸገ፡ ተጸዋዊሩ ዝኸይድ ሃገራዊ ቃና ምፍጣርን ክፍጠር ምጽዓርን እዩ። ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ ግን ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል። ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ነዚ ክውን ክገብር ዝኽእል ህዝባዊ ትካላት ስለ ዘይጸንሕ እቲ ብድሆ ክብድ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ’ዚ ግን ፖለቲካዊ ድሉውነት ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ከም ቀንዲ ኣገዳሲ ረቛሒ ዝርአ ጉዳይ’ዩ። 

ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ተሞክሮ ከይወጻእና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ዝኽተሎ ናይ ታሪኽ ኣረዳድኣን ኣተረጓጉማን ካብቲ በዓል ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ዝኽተልዎ ዝተፈለየ ምስ ምዃኑ፡ ዝቕጽል ፖለቲካዊ መስርሕ ናይታ ሃገር ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታት ቀሊል ከም ዘይኮነ ጥራይ ኢና ክንግምት ንኽእል። ናይ ህወሓትን ናይ ካልኦት ፖለዊካውያን ሓይልታትን ኣተረጓጉማ ታሪኽ ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ መሊሱ ዝተሓላለኸ ይኸውን። እቲ ኣተረጕጉማ፡ ነዊሕ ንዝጸንሐ ናይ ታሪኽ ሰንሰለት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ዝተፈጸመ ፍጻመታት ‘ውን ዝተናኽፍ ክኸውን እንከሎ ዝበኣሰ ይኸውን።

ኣብ ተሞክሮ ኤርትራ ‘ውን ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘሎ ዘከራኽር ኣይመስለንን። ታሪኽ ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ሓጺር ምስ ምዃኑ፡ እቲ ኣዝዩ ዘከራኽር ዝበሃል ናይ ታሪኽ ኣተረጓጉማታት ነዊሕ ንድሕሪት ዝምጠጥ ዘይክኸውን ይኽእል። እቲ ናይ ግዜ ተመጣጥነት ክንደይ ዝኣክል ንድሕሪት ይጉተት ዝብል ግምታዊ ዘረባታት ንጎድኒ ገዲፍና ግን፡ ኣብ ገለ መሰረታዊ ናይ ታሪኽ ኣረዳድኣታት፡ ምስ ቆላን ከበሳን፡ ክርትስናን እስምልናን፡ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተተሓሓዝ፡ ብግቡእ ዘይተዓርቀ ናይ ታሪኽ ኣናብባታት ከም ዘሎ ንዕዘብ ኢና። 

ንኣብነት፡ እቲ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ዝበሃል ታሪኽ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ንኹሎም ሃገራውያን ሓይልታትን ሰብ-ብርክን ብዘዕግብ መገዲ ወግዓዊ መዕጸዊ (closure) ስለ ዘይተገብረሉ፡ ብሰንኩ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ፡ ነናሻዕ ዝገሃድ ፖለቲካዊ ቀሓር በጨቕ ክብል ንዕዘብ ኢና። ንኣብነት፡ ጀብሃ ብውዲት ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ኢያ ተደፊኣ ወጺኣ ዝብል ትረኻ/ትርኺት/narration ብሓደ ወገን፡ ኖን ኣይፋልን ተሳዒራ ድኣ ዝብል በቲ ካልእ ወገን፡ በቲ ክወሃቦ ዝግብኦ ሃገራዊ ቆላሕታ፡ ካሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ንኹሎም ሃገራውያን ሓይልታት በዘዕግብ መገዲ መዕጸዊ ዘይተገብረሉ ምዕራፍ’ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጉዳይ ቅዋም 1997 ዘሎ ክልተ ተተፋናኒ መርገጽታት ንባዕሉ፡ ኣብ ኣተረጓጉማ ናይቲ ቅዋም ንምንዳፍን ንምጽዳቕን ዝተኸተደ መስርሕ ዘሎ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ዘመልክት ጸገም’ዩ።  እቲ ቅዋም ሓላል’ዩ ኣይሓላልን ንዝብል ክትዓት ድማ ብኡ መጠን የራስኖ።

ከምዚኦም ዝኣመስሉ ኣካታዕቲ ጉዳያት፡ ንኹሎም ሰብ-ብርኪ ዝበሃሉ ሃገራውያን ሓይልታት ብዘሳተፈ ሓቛፊ ሃገራዊ ናይ ዘተ መኣዲ ኣቢልካ፡ ልቦና ዝተሓወሶ ፍታሕ ክትረኽበሎም ክሳብ ዘይተኻእለ፡ ፈኸም እንዳበሉ ዝቕጽሉ ረመጽ እግሪ ካብ ምዃን ዝዓግቶም ሓይሊ የለን። ኣብ ገለ ሃገራት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት፡ ምስ ካልእ ኣካታዒ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓደ ጠሚሩ፡ ዘሰማምዕ መዕበሊ ከም ዝርከበሉ ብዝገብር መርማሪ ኮምሽናት ኣቢልካ’ዩ ዝተሓዝን ዝእለን።

ኣብ ኣካታዕቲ ዝኾኑ ሃገራውያን ጉዳያት፡ ሓቂ ኣየናይ’ዩ ብርጉጽነት ንኽትውስን ኣጸጋሚ’ዩ። ነቶም ኣቕረብቱ፡ ክልቲኡ ወገን ናይ ሓደ ክትዕ፡ በብወገኖም ከም ሓቂ ተጌሩ ክውሰድ ይከኣል’ዩ (ብትርጓመ ደረጃ)። ኣብ ታሪኽ ግን ክልተ ሓቂ (እኳ ድኣ ተጻራሪ ሓቅታት) ከህሉ ኣይክእልን። ስለዚ፡ ሃገራት ኣብ ኣናብባ ታሪኽን ኣተዓርቕኡን ዝኽተልኦ ኣካይዳ፡ ንሰላመንን ርግኣተን ካብ ዘድልዩ ቀንዲ ረቛሕቲ፡ ሓደ ምዃኑ ክእመነሉን ክስርሓሉን የድሊ።

21.09.2020