ኣሃዛት (ቁጽርታት)

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ዓሰርተው ሸውዓተ፣ ዕስራን ሸውዓተን፣ ሰላሳ፣ ከምኡ ድማ ሓደ።

ብዙሕ ተጀሚሩ ዘይውዳእ ጽሑፋት ኣሎ። ወይ ‘ውን ምስ ተወደአ፡ “ኦይ! ነዚኣስ ከምዝን ከምትን ኢንታ ከውጹላ’ዮም” ኢልካ ትርጥርጦ ‘ውን ኣሎ። ገለ ክፋል ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ካብ ከምኡ ንዋራ’ዩ ወጺኡ፤ “ዝበሉ ይበሉ” ኢልካ ትፍንዎ ‘ውን ስለ ዘሎ።

ሓደ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ (ምስ ከምዚ ተመሳሳልነት ዘለዎ) ጽሑፍ ክሓናጥጥ ዘስተብሃለ ሓደ ዓርከይ፡ “እዚኣስ ምሳኻ ኣይትኸይድን’ያ። ንበዓል ግርማይ ሳንድያጎ’ያ ተጸብቐሎም” ክብለኒ ፈቲኑ። ንሳቶምሲ ደርሆ ሓሪዶም’ዶ ጀሚሮሞ ኮይኖም፡ ኢለ ክምልስ ድንዕ ዝበልኩ ይመስለኒ።

ነዛ ዓንቀጽ ተመሪጹላ ዘሎ ኣርእስቲ ንባዕሉ (እቲ “ጸገም” ካብኡ ዝጅምር ክኸውን ይኽእል)፡ ንኸምቲ ተኣሚቱ ዘሎ ዓይነት “ናይ ምርጥራጥ” ሓደጋ ዘለዋ ተጋላጽነት (vulnerability) ዝሰፍሐ ይገብሮ። ዳሕረዋይ ክፋል ናይዛ ዝሓለፈት ምልእቲ ሓሳባት ንባዕሉ፡ ወግዓዊ ናይ ኣኼባ ቋንቋ ስለ ዝመስል፡ ካልእ ተወሳኺ ጸግም ክፈጥር ይኽእል። ኩሉ ግን፡ ሓሳብካ ብሓርነት ናይ ምግላጽ ሓርነት እንተዘይህሉ ጥራይ’ዩ ኣጸጋሚ ጸገም ክኽውን ዝኽእል።

ብዙሕ ክሓስብ ቀንየስ፡ ኢለ-ኢለ ናብ ኣሃዛት ዘንቢለ። ማሪታዊ/superstitious ብዝመስል ኣተሓሳባ፡ ብዛዕባ ቁጽርታት ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን። ኣብ ገለ-ገለ ባህልታት፡ ገለ ቁጽርታት ፍሉይ ትርጉም ይወሃቦ’ዩ።  ንኣብነት፡ ኣብ ቻይና፡ ኣደማምጻ ናይ ቁጽሪ 4 ምስ “ሞት” ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ቁጽሪ ፍቱው ኣይኮነን ዝበሃል ዘረባ ኣሎ። ኣብ ጃፓን ቁጽሪ 9፣ ኣብ ጥልያን ቁጽሪ 17 (ብፍላይ ዕለተ-ዓርቢ እንተኾይኑ)፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን 39፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ድማ ካልእ ቁጽርታት ምስ ማሪታዊ እምነት ዝተኣሳሰር ትርጉማት ከም ዝወሃቦ ይንገረሉ’ዩ። ካብ ማሪታዊ እምነታት ውጽእ ኢልካ ምስ ገለ ክውንነታት ከተተሓሕዞ ትፍትን ቁጽርታት ‘ውን ኣሎ። ናብ ንፈልጦ ተሞክሮ ኣቕርብ ከነብሎ ክንፍት።

ኤርትራ ከም ሃገር ናጻ ካብ ትኸውን፡ 30 ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ኣድልይዋ። 30 ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ/ብዙሕ ግዜ’ዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ከም “ናጻ” ሃገር 30 ዓመት ክትመልእ እያ – ዕድመ ሓደ ወለዶ። እዛ ዓመት እዚኣ፡ “መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ” ጥራይ ድያ ክትብሃል ወይስ ካልእ መግለጺ ‘ውን ክውሰኻ’ዩ፧ መልሱ ኣብ ጥሪ ኮንካ ምፍላጡ ከጸግም ይኽእል’ዩ። ክሳብ ታሕሳስ 2021 ምጽናሕ ዝደሊ ክኸውን ‘ውን ስለ ዝኽእል፡ ክሳብ ሽዑ ዝጸንሕ ትንፋስ ይበሃና — ኣሃዛት እንዳጸብጸብና።

ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዘወር ምስ እንብል፡17ን 27ን ዝበሃላ ቁጽርታት ፍሉይ ትርጉም ሒዘን ንርእየን። 17 ዓመት ደርግ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ወይ ድማ ህወሓት ንደርግ ክዓሉ ዝወሰደሉ ዓመታት’ዩ። ህወሓት ንባዕሉ (ምስቲ ዝዝውሮ ዝነበረ ኢህወደግ) ካብ ስልጣን ክእለ 27 ዓመታት ወሲዱ። 30 ዓመት ድሕሪ ናብ ስልጣን ምድያቡ ድማ (ጎደሎ ሒደት ኣዋርሕ)፡ ብዘሕዝን መገዲ፡ ከም ውድብ ፋሕ ብትን ኣትይዎ፣ ላዕለዎት መራሕቱ ብዘሕፍር መገዲ ተማሪኾምን ተቐቲሎምን። እታ 30 ናይ ህወሓትን እታ 30 ናይ ኤርትራን ወዝቢ ዝተጋጠማ ቁጽርታት ይመስላ’ኳ እንተኾና፡ ኣብ ኣሃዛትሲ ብተራ ኣዕዒንቲ ደቂሰብ ዘይርአ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ይህሉ’ዶ ይኸውን፧

30 ዓመት ድሕሪ ውድቀት ደርግ፡ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣቀታትላን መራሕቲ ህወሓት ዝተራእየ ኣረሜንያዊ ኣገባባት (ኣብ መራሕቲ ደርግ ዘይተገብረ)፡ ብድሕሪ ሕጂ፡ ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ብፍላይ ንኤርትራን ኢትዮጵያን) ብኸቢድ ዝጸሉ ኣመታት ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ኮይኑ፡ ክኹነን ዝግብኦ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ። ካልእ ኩሉ እቲ ኵናት ቅድሚ ምጅማሩን ምስ ተጀመረን ዝተፈጸመ ዝተፈላለየ ኣረሜናዊ ኣገባባት፡ ብመን ተጌሩ ብዘየገድስ፡ ንሱ ‘ውን ክኹነን ከም ዝግባእ ምዝካር የድሊ። ካብ ኵናት ዝርከብ ረብሓ ስለ ዘይምህላዉ፡ “ናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ ብምርር ዝበለ መልክዑ የድልየኩም ኣሎ” ንበሃል ዘለና ኢና ንመሰል። ከምኡ ስለ ምዃኑ ኣብ ታሕቲ ዝጠቕሶ ገለ ካልእ ኣሃዛት ምስ ኣተንባህኩ ይበርህ ይኸውን እቲ ሓሳብ። እምበር ንገሊኦምሲ ገና እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ዕንወትን፡ ኤርትራ ፈጺማ ዘይተሳተፈትሉን ዘይወለዓትሉን ይመስሎም ስለ ዘሎ ምረቱን ዘኸትሎ መዘዝን ክርድኡ ገና ካልእ ኣሃዛት ናይ ኣዋርሕ ወይ ‘ውን ናይ ዓመታት የድልዮም ይኸውን።

ዘለናዮ እዋን፡ መስደመም ዝኾነ እዋን ብምዃኑ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ብመጠኑ ‘ውን እንተኾነ ታሪኻውን ኣሃዛውን ውዕለት ዝነበሮ ውድብ ህውሓት፡ ናጽነት ኤርትራ ገና ብዘይ ተዋሕጠሎም ዓንደርቲ እንኮላይ ክድሰቕ ምርኣይ፡ ነቲ ምድሳቕ ድማ ሃገረ-ኤርትራ ብመገዲ ውልቀ-መላኺኣ ከተሽኮንድረሉ ምርኣይ/ምስማዕ፡ ኣስደሚሙናስ ንብሎ’ኳ ጠፊኡና። ኣብ ሞንጎ ቅጅል ናይ ዝብሉኒ “ደለይቲ ፍትሒ” ዝብል ስም ንነብሶም ናይ ዘጠመቑ “ተዋሳእቲ” ባህርያት፡ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ገሊጸ ክውድኦ ኣይክእልን፤ ኣሃዛት ‘ውን ኣይኣኽሎን።

‘ግዳስ ናብቲ ቀንዲ ናይ ኣሃዛት ውነይ ምልስ ምስ በልኩስ፡ ካልእ ዘባህርር ቁጽርታት ክርኣየኒ ጀሚሩ። ኣብ ጎቦታትት ትግራይ ናይ ዝወደቑ ወተሃደራት ኤርትራ ቁጽርስ ብክልዕ ክንደይ ኮን ይኸውን፧ ዝሰንከሉ’ኸ፧ ዝዘኽተማ ስድራ-ቤታት’ከ፧ ግን ንምንታይ፧ ክንደይ ሰባት እዮም’ከ ክሕተቱሉ ነቲ ህልቂት፧  ነቲ ገበን፧ ኣድላዪ’ዶ ኔሩ ኣይነበረን፧ መን’ከ ፍቓድ ሃበ፧ ዝብልን ካልእን ሕቶታት ውርም-ውርም ይብለኒ። ካልእ ‘ውን ኣሎ። ናይቲ ዝሕተት ሕቶታት ቁጽሪ’ኸ ክንደይ ኮን ይኸውን፧ 

ብኣሃዛት ክዛረብ እንከለኹ፡ በቲ ዝስፍሐ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ምጅማረይ ርዱእ ኮይኑ፡ ንውልቀ-ተሞክሮይ ብዝምልከት፡ ሓደ ንእሽቶ ቁጽሪ ጠቒሰ ክዛዝም። እዚ ዓምዲ’ዚ ካብ ዝጅምር (ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ) ኣብዚ ወርሒ’ዚ (ወርሒ 1) ቦኽሪ ዓመቱ መሊኡ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንኹሎም’ቶም ንቓለ-መጠይቕ ፍቓደኛታት ኮይኖም ዝተሓባበሩኒ ሰባት፡ ነዛ ዌብሳይት ብውሕሉል ኣሰራርሓ ኣወቂቡ ንዝፈጠራ (ሓው ናትናኤል)፡ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝተሓባበሩኒ ከመስግን እፈቱ። 

ነዚ ብሎግ’ዚ፡ ካብ ብዛዕባ ኵናት፡ ብቐንዱ ብዛዕባ ሰላምን ትሩፋቱን ጥራይ እንተዝጽሕፈሉ ክንደይ ደስ ምበለኒ። ክንደይ ጉዕ/ጥረ ከብስል ዝኽእል ኣስተምህሮታት፡ ከምኡ ‘ውን positive energy (እወታዊ ሓይሊ) ጥራይ ዘፍልቕ ትሕዝቶታት ጥራይ እንተዝጽሕፈሉ ‘ውን ክንደይ ደስ ምበለኒ። ኵነታት ግን ኩሉ ግዜ ከምቲ ንምነዮ ስለ ዘይከውን፡ በቲ ኵነታት ዝፈጥሮ ግድነታት ክንመላለስ ንግደድ። 

2020፡ ካብ ብድሆታት ኮቪድ-19 ጀሚሩ፡ ክሳብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣመሪካ፡ ክሳብ ሓድሽ ደማዊ ኵናት ቀርኒ ኣፍሪቃ (እንኮላይ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን) ዝተጋህደላ፡ ኢሉ ‘ውን ናብዛ ሓዳስ ዓመት ዝሰገረላ፡ ኣዝያ ጽንክርቲ ዓመት’ያ ነይራ። ገለ ሰባት፡ ኣብ ምእታው ናይዛ ዝተዓዝረት መራር ዓመት ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ሃቂኖም ኔሮም ይኾኑ እዮም። ዕስራ ብዕስራ “ምሉእ” ቁጽሪ (even number) ስለ ዝኾነትሲ “ክትርሕሰና” ኢና ዝብል ማሪታዊ ግምታት ዝወሰዱ ኔሮም ይኾኑ ዝብል ግምት ኣለኒ። በዚ ዝተተስፈዉ ኔሮም እንተኾይኖም፡ 2020፡ ነገራት ካብ ቁጽሪ ጥራይ ከም ዘይኮነ ብጋህዲ ዝነገረት ትመስል። ሕጂ ‘ውን 2021 “ጎደሎ” ቁጽሪ (odd number) ብምዃና “ኣይትርሕሰናን’ያ” ዝብሉ ተነበይቲ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሰባት ይኾኑና ብዘበልዎም ሰባት ምስ ተጠልሙ ናብ ቁጽርን ኣሃዝን ማሪትን እንተኸዱስ ከመይ ኢሉ ይተሓዞም፧

18.01.2021