ቅድሚ ዩትዩብ ናስትሮ ነበረ

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ቅድሚ ዩትዩብ ናስትሮ ነበረ። ቅድሚ ናስትሮ ‘ውን፡ ዘየርከብናሉ ክንከውን ንኽእል ኢና እምበር፡ ዲስኮን ካልእን ነበረ።

ገለ ኣርእስታት/ዛዕባታት ኣሎ፡ ክጽሕፈሉ ኢለ ክሓስበሉ ይቕኒ’ሞ፡ እቲ ዝሓስብክዎ ከይጸሓፍክዎ እንከለኹ፡ ገሊኦም ንዕኡ ዝመሳሰል ቀዲሞምኒ ይጽሕፉ’ሞ፡ ብገለ ምትሃታዊ ሓይሊ ሓሳበይ ዝተሰረቕኩ ኮይኑ ይስመዓኒ። ገለ መዳያት ናይዛ ዓንቀጽ’ዚኣ ‘ውን ብኸምኡ ተደናጉዩ ዝጸንሐ’ዩ።

ናይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይኣኽለና፡ ካብ Instagram/ኢንስታግራም ‘ውን ድሒርና እንዳበልና፡ TikTok/ቲክቶክ ዝበሃል ኣርኪቡና። ካብ “ቶኽቱኽ” ወይ ከኣ ካብ “ቲኽቲኽ” ዝቦቐለ ክመስል ይኽእል’ዩ። 

ቴሌግራም/Telegram ዝበሃል ‘ውን ኣሎ ኢሎሞ። በዓል ፒንተረስት/Pinterest፡ YouTube/ዩትዩብን ካልኦትን ከይረሳዕካ ማለት’ዩ። ምስ “ምድፋእ ዕድመ”፡ ንሓደስቲ ነገራት ሃንደራእ ኢልካ ናይ ዘይምቕባል ዝንባለ ክጸልወና ጀሚሩ ከይከውን ካብ ምጥርጣር ዓዲ ኣይወዓልናን። ይኹን እምበር፡ ግደ ሓቂ፡ ካብ ፈይስቡክ ጀሚርካ፡ ሓሙሽተን ልዕሊኡን ዝኸይድ ናይ social media ኣስማት/accounts ከፊትካ ምንጣፍ’ሲ ክሳብ ክንደይ ኮን ከቢድ ወይ ቀሊል ይኸውን? ዝፈተኑ ይንገሩና።

መብዛሕትኡ፡ ንጥቁው ጽሑፍን ንባብን ዘተባብዕ ዘይምዃኑ ቁሩብ ከተሓሳስብ ይኽእል’ዩ። ምኽያቱስ ጽሑፍን ምጽሓፍን እንተዘይህሉ እንታይ ምወሓጠና? ተዓብዒና ም’ተረፍና ወይ ም’ተፈንጀርና። ጽሑፍ ዝፈጠረ ኣምላኽሲ ከመይ ምስጋና ይኹኖ! ምጽሓፍ፡ ካብቲ ሓሳብካ ብሓርነት ምግላጽ ዝብል መባእታዊ መሰል ደቂ ሰባት ተነጻጺሉ ክርአ ዘይክእል ነገር ብምዃኑ፡ ኣብ ምጽሓፍ ክቱር ፍቕሪ ክሓድረና (እቶም ዝሓደረና) ባህርያዊ’ዩ። ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ብዝብል ሕጽር ዝበለ ሸንኮለል ተዃሊለ፡ ናብታ ናይ ዩትዩብን ናስትሮን ክምለስ’የ።

ሓደ እዋን፡ ቅድሚ 11 ዓመት ኣቢሉ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራውያን ዓውደ-ዘተ፡ መደረ ኣቕሪበ ምስ ወዳእኩ፡ ሓደ ሓው ከምዚ ይብለኒ፡ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባሲ ወግዓዊ/formal ቋንቋ ጥራይ ክትጥቀም ኔሩካ” ይብለኒ። ኣብ መደረይ፡ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ገሊጸ ነበርኩ። ዓመጽ ኣብ ዝነግሰሉ ኩነታት፡ ሰባት ብረት ኣልዒሎም፡ ንመሰሎም “ክታዋሽሑ” መባእታዊ መሰል ኣለዎም ዝብል ሓሳብ’የ ገሊጸ። እታ “ምትውሻሕ” ትብል ቃል ብኻልእ ቃል (ንኣብነት፡ ክቃለሱ) ዝብል ክትካእ ኔርዋ በሃላይ’ዩ እቲ ሓው (ፎርማል ብዝኾነ ኣዘራርባ)።

በቲ ናቱ ርድኢት ቅኑዕ ክኽውን ይኽእል’ዩ። በቲ ናተይ ርድኢት ግን ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣይረኣኹሉን። ዘረባ ከሕጽር ኢለ፡ ሓቅኻ ኢኻ ኢለዮ፡ ምቕልል ብዝበለ መልሲ። ከም ተሞክሮ ግን ኩሉ ግዜ ይዝክራ፡ ሓሳብካ ብሓርነት ምስ ናይ ምግላጽ መሰል ምትእስሳር ስለ ዘለዋ።  እንተ ካብ ኣተዓባብያ፣ እንተ ካብ ንሰርሓሉ ትካላት፣ እንተ ካብ ካልእ ብዝወረስናዮ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ተሞክሮን ካልእን ጽልዋ፡ ዘይቅየር መሲሉ ዝረኣየና ገለ-ገለ ልምድታት ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ሓደ-ሓደ ግዜ ግን፡ ንሓሳባትካ በቲ ዝመጸልካ ኣቀራርባ/ላዛ/ቃላት ክትገልጾ ምድላይ (ካብ ስነ-ምግባር ኣዐርዩ ክሳብ ዘይማሕደገ)፡ ካብ ሰማዒኡ ንላዕሊ ነቲ በሃሊኡ ዝያዳ ትርጉም ኣለዎ። ናይ ሓርነት ትርጉምን ነቲ ሓርነት ብዘተበረሃካ ኣገባብ ከተስማቕሮ ናይ ምድላይ ክቱር ባህግን ዘመልክት ኮይኑ ይስመዓኒ።

ሎሚ-ሎሚ ኣብ ፈይስቡክን ካልእ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኻትን ዝዝረብ ዘረባታት (edit ዝገብሮ ዘይብሉ) ኣበየናይ ጠርዚ በጺሑ ከም ዘሎ መቸም ንርእዮ ኣለና። ኣብ ውሽጢ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ጥራይ ርኢናዮ ዘለና ስጉሚ ናይ ዘነበ-ሓበሬታ/information age ክትዕቅኖ ዘጸግም’ዩ። ከም መነጻጸሪ እንተሓገዘ፡ ቁሩብ ናብ ቀደም ዘበን ክምለስ። ናብ ጉብዝና ገጽና ንጸጋጋዓሉ ዝነበረና እዋን ምዃኑ’ዩ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 80ታት (ክሳብ መወዳእታ 90ታት ‘ውን ከምኡ’ዩ ኔሩ)። ኣብቲ ዘበን’ቲ፡ ሓዳስ ደርፊ ከም ዝወጸት ብቤት ሙዚቃ ሓጎስ ወይ ብቤት ሙዚቃ ተኽለ ኢና ንፈልጥ ኔርና (ብናይ ደቀምሓረ ተሞክሮ’የ ዝዛረብ ዘለኹ)። ንኣብነት፡ ኣብ ዘበንና ግኑናት ካብ ዝነበራ ደርፍታት ሓንቲ፡ “የጥቅምት ኣበባ” ትብል ደርፊ ናይ ንዋይ ደበበ ክንሰምዕ፡ እተን 10 ደርፊ ናይ ሓንቲ ናስትሮ/ካሴት ተጠምጢመን ተደሪፈን፡ እታ ካሴት ተገልቢጣ ክሳብ ትድገም፡ ከይሰልቸወና ኣብ ኣፍደገ ቤት ሙዚቃ ሓጎስ ወይ ቤት ሙዚቃ ተኽለ ተሰጢሕና፡ ደሮና ቁሕም ንውዕል። ኣቤት ስጥሖ! 

ዘይርስዓ ነገር ግን፡ እታ “የጥቅምት ኣበባ” ትብል ደርፊ ንባዕላ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ’የ ሰሚዐያ። 6ይ ክፍሊ ከለኹ። ናይ ትምህርቲ ረድዮ ዝበሃላ ኔረን ሽዑ። ስሕት ኢልና፡ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ “ሳብጀክትታት” ብቛንቋ ኣምሓርኛ ንመሃረለን ኔርና። ሓደ መደብ ትምህርቲ ወዲኡ ናብ ካልእ ቅድሚ ምስጋሩ፡ ከም መሰጋጋሪ፡ ሓደ ወይ ክልተ ደርፊ ይፍኖ ነበረ። ኣብታ ዕለት፡ ትምህርቲ ናይ ረድዮ ውድእ ምስ በለ፡ ወያ ረድዮ “የጥቅምት ኣበባ” ክትደርፍ ጀሚራ።

እቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ቤት-ትምህርቲ (SIM) እንዳ ሚስዮን/ከንሻ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ወይ ‘ውን ኣብቲ ቀጽሪ ዓለማዊ ደርፊ ምድራፍ/ምስማዕ ፍቑድ ኣይነበረን። አረ ገለ መምህራንሲ ራድዮ ምስማዕ ንባዕሉ (ዋላ ንዜና) ‘ውን ሓጥያት’ዩ ይብሉና ኔሮም። ሽዑ ዕለት፡ መምህር እዮብ ነታ ራድዮ ቀልጢፉ ከጥፍኣ ይዝከረኒ። እታ ደርፊ ሽዓ ኣብ ሓንጎለይ ምስ ተሰመረት፡ ናይ ኣተኣታትዋኣ ዝኽሪ ክሳብ ሕጂ ኣይሃሰሰን። ፍሉይነት ናይቲ ዝኽሪ ምስቲ ዘጋጠመ “ኩልፈት” ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓኒ። እታ ደርፊ፡ ከም ደርፊ፡ ኣብ ግዚኣ ኣዝያ ህብብቲ ምንባራ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ነታ ደርፊ ከመይ ኢለ ከም እተላለኽዋ፣ ድሒረ ከመይ ኢለ ከስተማቕራ ከም ዝጀመርኩ፡ ኣብ ሞንጎ’ዚ ኩሉ (ምስ ካልእ ኩሉ ብልጫታቱ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ሓጺናዊ ዲስፕሊንን ጸቓጢ ባህልን)፡ ከምኡ ‘ውን ምስ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይቲ እዋን ዝተሓሓዝ፡ ገለ-ገለ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ዘይምግላጽ ጸገም ወይ ከም ዝደለኻዮ ናይ ዘይምዃን ረጋጺ ባህልን ስርዓተ-ትምህርትን፡ ኣብቲ ገና ዓዅዂ ዘይወደአ፡ ኣብ ሞንጎ ቁልዕነትን ጉብዝናን ዝነበረ ኣእምሮይ ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝኽእል በሰላ ኔሩ’ዶ ይኸውን፡ ዝብል ሕቶ ወትሩ ግዜ’ዩ ዝመላለሰኒ።

ልክዕ ከምቲ ናይ ሽዑ ግዜ ዝነበራ “ቴብ” ዝገብርኦ fast forward ብዝበሃል ፍጡን ምረሻ ናብ 2020 ፈጢንና ንምምጻእ’ሞ ዘሎ ህሉው ኩነታት ንምዘን። ዝረኣየና ስእሊ ፈጺሙ ዝተፈለየ’ዩ። ሎሚ፡ ትደልያ ደርፊ፡ ኣብ ዩትዩብ ውቅጥ ኣቢልካ (type ጌርካ) ሚእቲ ግዜ ድግም ትውዕላ። ኣብ ኢንተርነት ዘለዎ ቦታ እንተሊኻ ማለት’ዩ። እምበር ቀደም ‘ውን’ኮ ኣብ ገዝኦም ቴብ ናይ ምውላዕን ሓድሽ ካሴት ኣብ እግሪ-እግሪ ናይ ምዕዳግን “ሓረነት” ዝነበሮም ሰባት’ኮ፡ እንተገደደ ነታ ካሴት ብፒሮ እንዳጠምጠሙ ዝደልይዋ ደርፊ ስምዕ ይውዕሉ ኔሮም ይኾኑ’ዮም። fast forward and rewind ንምግባር (ንቕድሚትን ድሕሪትን ምሕላፍን ምምላስን) ኣብ ዝግበር ርብርብ፡ ቴብ ኣልማዝ ከይትውድእ መታን፡ ዝሓሸ ኣማራጺ ነቲ ናስትሮ ብፒሮ ምጥምጣም’ዩ ኔሩ። ንደቂ ሎሚ  (ብፍላይ እዞም ኣብ ድያፖራ ዝውለዱ ዘለዉ ደቅና)፡ ኣልማዝ ምውዳእን ናስትሮ ብፒሮ ምጥምጣምን እንታይ ምዃኑስ ብኸመይ ከተረድኦም ትኽእል? ኩርሽን ሰሌዳን የድሊ ይኸውን።

ገለ ክፋል ካብ ወለዶ “ናይ ሕማመይ” ‘ውን እዚ ትዕዝብቲ’ዚ ይምልከቶ’ዩ ዝብል ርድኢት ኣለኒ። እታ “ናይ ሕማመይ” ትብል ቅጽል፡ ብኣሉታ ዘይኮነ፡ እንተወሓደ “ኒውትራል” ብዝኾነ/ጸግዒ ብዘይብሉ ቃና፡ እንተተኻኢሉ ድማ ናብ እወታ ብዝዘጥጥ ቃና’የ ዝቀመላ። ከምቲ ገለ ሰባት ዝመስሎም፡ “ጣጣ” ዘይብሎም ወይ “ኣይግዳዶም” ንምባል ኣይኮንኩን ዝጥቀመላ። ከም ርድኢት፡ እታ “ናይ ሕማመይ” ትብል ደርፊ ኣብ ዝገነነትሉ እዋንን ድሕሪኡን ዝጎበዙ መንእሰያት ንምባል ዝተማህዘት ሳጓ ኮይና’ያ ትሰመዓኒ። ኣጠቓቕማይ ካብዚ ግምት’ዚ ዝብገስ ርድኢት’ዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ኣብ ብዙሕ ንገብሮ ነገራት፡ ንጡፍ ተሳትፎ “ናይ ሕማመይ” — ወለዶ ሎሚ — ከነረጋግጽ ንደሊ እንተኾይንና፡ ቅድሚ ዩትዩብ ናስትሮ ዝበሃል ከም ዝነበረ ምንጋር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣብ ዘበነ-ዩትዩብ ዝሳለጥ ዕዮታት ብናይ ዘበነ-ናስትሮ ቀመር/ምዕሪት (formula or equation) ከተኺዶ ዘይከኣል ምዃኑ መዚንካ፡ ንዕኡ ዝምጥን ምትዕራርይ ምግባር የድሊ። ምትዕጽጻፍ ከም ማለት’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፡ ቅድሚ ብኣይፎን ወይ ካልኦት ዓይነት “ስማርት ፎናት” ዝስደድ ናይ ዋትስኣፕ፣ ናይ ቫይበር፣ ናይ ፈይስቡክ መሰንጀርን ካልእ ተመሳሳሊ መልእኽታትን (“ሼር” በሎ እንዳበልካ ዝስደድ)፡ ብኮምፒተር ዝጸሓፍ፡ ኢመይል ዝበሃል፡ ዝበለጸ ተዓጻጻፍነት ዘለዎ መልእኽታት ይስደድ ከም ዝነበረን ዘሎን ‘ውን መዘኻኸሪ ዝደልዩ ኣይስኣኑን’ዮም። ቅድሚ ብኮምፒተር ምጽሓፍ/type ምግባር ምጅማሩ፡ ብታይፕ ራይተር/type writer ትብሃል ማሽን ይጽሓፍ ከም ዝነበረ’ኸ መዘኻኸሪ ዝደልዩ ይህልዉ’ዶ? ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ዩትዩብ ናስትሮ ዝበሃል ዝነበረ፡ ቅድሚ’ዚ ሎሚ መወዳድርቲ ዘይብሉ መሲሉ ዝረኣየና ፍርያት ቴክኖሎጂ፡ ንዕኡ መንጸፍ ዝመድመደ ካልእ ርኽበታት ‘ውን ኔሩ’ዩ። ካበይ መጺኻ ወይ ተበጊስካ ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻ ምፍላጥ ዝመስልዎ የለን።

10.08.2020

(Photo Source: https://www.dw.com/en/wow-the-cassette-turns-50/a-17017802)