መመሪጽካ ነድሪ (ድርብ መለክዒ)

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ትማሊ (ዕለት 06.03.2021) ዝተፈነወ፡ ምስ ሰቲት ሜዳያ ዘካየድክዎ ቃለ-መሕትት ኔሩ። ኣብቲ ቃለ-መጠይቕ ከስምረሉ ደልየ ዝነበርኩ ገለ ተወሰኽቲ ሓሳባት፡ ግን ከይጠቐስክዎ ዝሓለፍኩ ብምንባሩ፡ ከም መመላእታ (follow-up)፡ ነቲ ብቛንቛ እንግሊዝ “selective outrage” ዝብል ሓሳብ ምርኩስ ጌረ፡ “መመሪጽካ ነድሪ” ብዝብል መልእኽቲ ከቕርቦ መሪጸ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብህግደፍ “ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ” ዝብል ስም ዝተወሃቦም፡ ሓደስቲ ዓይነት “ደለይቲ ፍትሒ” ተፈጢሮም ምህላዎም፡ ወይ ይምስርሑ ምህላዎም፡ ካብ ንሰምዕ ቅንይ ኢልና ኣለና። ካብ ቀንዲ መለለዪ ጠባያቶም፡ እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ ትግራይ፡ ብወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ፡ ዓለም ብዓለማ ትዛረበሉ ዘላ ጭፍጨፋ፡ እንኮላይ እቲ ክትዛረበሉ ዘሕፍር ዝምታን/ራስያን ካልእ ዕንወትን፡ ኮነ ኢልካ ንሃገራዊ ምስሊ ኤርትራ ክትድውን ኢልካ ዝዝርጋሕ ወረ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑን፡ ንኻልኦት ከእምኑ ህርድግ ዝብሉን (ያኢ ዘይተደወነ ምስሊ ኤርትራ ከም ዘሎ!) እዮም። ገሊኦም፡ ከይዶም ጸርዮምሲ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ክትፈልዮም ብዘጸገም ደረጃ ኣብ ናይ ሕስረትን ጻልጣ ክሕደትን ኩነተ-ሃለዋት ወሪዶም’ዮም። ኣብኡ ድማ የንገርግሩ ኣለዉ።

ካልእ ተወሳኺ መለለይ ጠባያቶም ‘ውን እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይከኣል። ንነብስኻ ፈላጥ ጌርካ ምእማን’ሞ ኣብቲ ዝኣመንካሉ ከንቱነት ምንግርጋር፤ ኣብቲ ዘዳለኻዮ ናይ ከንቱነት ጸብሪ፡ ከማኻ ድንጉራት ተኸተልቲ (ሰማዕቲ፣ ኣንበብቲ፣ ወዘተ) ምስኻ ስለ ዘንገርግሩ ጥራይ በዚ ምጽንናዕ፤ ንኻልኦት ኣብቲ ጸብሪ ከንገርግሩ ምዕዳም፤ ንምሸቱ ድማ ኩልኻ ተተሓሒዝካ ብድንቁርና ምጥፋእ። ድንቁርና ክብል እንከለኹ፡ ክልተ ዝዓይነቱ ድንቁርና ክህሉ ከም ዝኽእል ምግላጽ ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ሓደ፡ ካብ ድንቁርና ክትብሎ ዘይምፍላጥ ክትብሎ ዝቐልል ኮይኑ፡ እቲ ዘይፈልጥ ሰብ ዘይምፍላጡ ፈሊጡ ትም ዝብለሉ ኩነታት’ዩ። እቲ ዝኸፍእ ግን፡ ሓደ ዘይፈልጥ ናይ ብሓቂ ደንቆሮ፡ ዝፈልጥ መሲልዎ ንነብሱ የእምና’ሞ በቲ ዝኣመኖ መሰረት ድንቁርንኡ ክሒዱ ዝነብሮ ዝኸፍአ ናይ ዘይምፍላጥ ኩነታት’ዩ። ኣዝዩ ሓደገኛ ድንቁርና’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ምስ ደገፍቲ ህደግፍ ዘመሳሳሎም ጠባያት እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ትዕዝብቲ ክምላእ ይከኣል። ደገፍቲ ህግደፍ ካብ ዝልለየሉ ቀንዲ ጠባያት ሓደ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዓቐን ዝሓለፎ ግፍዒ (ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካልእን) ፍጹም ይግበር የለን ብዝል ጻልጣ ክሕደቶም’ዩ። ካብ ናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ ምጥቃስ እንተ ኣድለየ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪታ ተካይዶ ንዝነበረት መስርሕ መርመራ፡ ከምኡ ‘ውን ውጽኢቱ ንዝኾነ ክልተ ቀንዲ ጸብጻባታን፡ ንብምሉኡ ደገፍቲ ህግደፍ ሓሶት’ዩ ኢሎም ይኽሕዱ ኔሮም። ክሳብ ሕጂ ከምኡ ኢሎም ይኣምኑ (መብዛሕትኦም)። ምስ ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም ስለ ዘይጠጠዓም ደኣ እምበር ሓሶት ከም ዘይኮነ ግን ጠፊእዎም ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ጉዳይ’ዩ። ሕጂ ‘ውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካይድ ዘሎ ጭፍጨፋ ሲቪላውያን ሰባት ብዝምልከት ዝስማዕ ዘሎ ዘረባዕባዕ ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን።

ለንቀነ ኣዛራቢ ኮይኑ ካብ ዝቐነየ ሓደ ጸብጻብ፡ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል’ዩ። ስዒቡ ብህዩማን ራይትስ ዎች ተደጊሙ። ጸኒሑ፡ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮምሽነር ንሰብኣዊ መሰላት ተደጊሙ። ታሪኽ ክኽሕዱ ንዘይደልዩ ሰባት፡ እቲ መስርሕ ንጹር’ዩ። መርማሪት ኮምሽን ንጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪታ ዘቕረበቶ ክልተ ጸባጻባት (ናይ 2015ን 2016ን)፡ መብዛሕትኡ ኣቐዲሙ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ካልኦት ትካላትን ንብዙሕ ዓመታት ይንገር ኔሩ’ዩ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ መርማሪት ኮምሽን፡ ዝያዳ ተቐባልነት ብዘለዎ ኣቀራርባ ደጊማቶ (ደሪዓቶ)። ስርሓ ጀሚራ ክሳብ ትውድእ ንምሕጋዛ ኣብ እንገብሮ ዝነበረና ጻዕሪ፡ ብቐጻሊ ከም ሓሰውቲ ንግለጽ ኔርና — ብደገፍቲ ህግደፍ። ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ናይ ገለ “ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ” ዘርባዕባዕ ካብዚ ዝፍለ ብዙሕ የብሉን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሓት ገለ-ገለ ጉድለታት ከጋጥም ባህርያዊ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፡ ፍጹም ዝበሃል መስርሕ ስለ ዘየለ። ንብምሉኡ እቲ ዝቐርብ ጸብጻባት ዘፍሽል ጉድለታት ዘይምዃኑ ግን ዘካትዕ የብሉን።

ስለዚ ትማሊ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይኹን ካልኦት ዘውጽእዎ ዝነበሩ ጸብጻባት (ምስ ጉድለታቱ) ተተቐቢልካ ይጉሰም ከም ዘይነበረን ኣንጻር ህግደፍ ‘ውን ይጉስጎሰሉ ከም ዘይነበረን፡ ሕጂ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ይፍጽምዎ ንዘለዉ ጭፍጨፋ ዝምልከት ምስ ኮነ፡ ንምንታይ ቆጭ-ቆጭ የብል፧ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ምስ እትደልዮ፡ ደሪፍካ ግን ዘይትዛረበሉ ወይ ኣመኽኒካ ከተእምነሉ ዘይትኽእል፡ ፖለካዊ ኣጀንዳታት ስለ ዘይቃዶ’ዩ። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት እዚ’ዩ። እዚ’ዩ ድማ “መመሪጽካ ነድሪ” ወይ ቁጥዐ ዝበሃል።

እዚ ሕጂ፡ ኣብ ገለ ባእታት ናይ ደንበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ባህርያት፡ “መመሪጽካ ነድሪ” ዝበሃለሉ ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት የርእይዎ ምስ ዝነበሩ ግብረ-መልሲ ወይ ባህርያት ዘይቃዶ ብምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ብዛዕባል ዝበሃል ዝነበረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ካብ ሰቦም ንላዕሊ ዝንድሩ ዝነበሩ፡ ሕጂ ኣብ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጭፍጨፋ፡ ተመሳሳሊ ሞራላዊ መገጺ ክሕዙ ኣይረኣዩን፤ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምዃኑ’ዩ። ንፖለከቲካዊ ኣጀንድኦም ዝምእምእ ጸብጻባት ክሰምዑ እንከለዉ፡ ብነድሪ ይጭድሩ። ምስ ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም ዘይቃዶ ጸብጻብ እንተኾይኑ ድማ ጥርቅም ይብሉ።

ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ፡ ብገለ መልክዑ ቅድሚ ሕጂ ህወሓት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድዎ ብዝበሃል በደላት ክምኽነ ይፍተን’ዩ። ገለ ስሑዋት ‘ውን፡ “ምቹእ ናይ ሕነ ምፍዳይ” ወቕቲ ዝፈጠሮ ዘይርከብ ዕድል ጌሮም ከቕርብዎ ሕንኽ ዘይብሉ ኣለዉ። ክፍለጥ ዝግብኦ ነገር ግን፡ ኣብቲ ናይ 1998-2000 ናይ ዶብ ኩናት፡ ብኽልቲኡ ወገናት ዝተፈጸመ በደላት ምንባሩ’ዩ። እቲ ተሞክሮ ዘሕዝን ምንባሩ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሽዑ ዝተፈጸመ በደላት ግን ነዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ጭፍጨፋ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምኽኑይ ክገብሮ ኣይክእልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ተፈጢሩ ዝጸንሐ በሰላ ክንዲ ዘሕዊ፡ ካልእ በሰላ ብምውሳኽ ንዝምድናን ጉርብትና ክልቲኡ ህዝብታት ብዝኸፍአ ዝጸሉ ተሞክሮ’ዩ።

እዚ ጸገም’ዚ ዘለዎም ሰባት ዘርእይዎ ዝነበሩን ዘለውን ካልእ ቀንዲ መለለዪ ጠባያት ‘ውን ኣሎ። እቲ ኵናት ጅምር ምስ ኣበለ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ መፈለምታ ኣትሒዞም ይተሳተፉሉ ምንባሮም ፍሉጥ’ዩ ኔሩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነባራት ንዝበሃሉ ተቓለስቲ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ክሳብ ክንድኡ ስዉር ምስጢር ኣይነበረን። በብዘለዎም ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ግን ካብ መጀመርታ ጀሚሮም ኣብ ክንዲ ህግደፍ ብምዃን ኣሉ ቐጣን ይብሉ ኔሮም (ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ የለን ዝብል ሙጉት)። ጸኒሑ መርገጺኦም ተቐይሩ፡ ምኽንያቱ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ከይተረፉ ምስ ተኣመኑ። ድሒሩ ዝመጸ ሽሕጣን ድማ ሰራዊት ኤርትራ ገበናት ይፍጽም የለን ዝብል’ዩ። እዚ ‘ውን ናይ ከንቱነት ክትዕ ምዃኑ እንዳነጸረ ከይዱ። እቲ ናይ ጭፍጨፋ ጸብጻባት ካብ ሓደን ክልተን ምንጭታት ሓሊፉ፡ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ክዝረበሉ ጀሚሩ ስለ ዘሎ፡ ናበይ ገጹ ክኽይድ ከም ምዃኑ ኣመታቱ ዳርጋ ተነጺሩ’ዩ። ጽቡቕ ነገሩ፡ እዚ መስርሕ’ዚ እኽልን ሓሰርን ክንፈሊ ‘ውን ኣኽኢሉና’ዩ። ክንደይ “ደላይ ፍትሒ” ዝብል ስም ንነብሶም ኣጠሚቖም ዝጸንሑ ሰባት፡ ግልህ እንተበልካዮም ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ዘይተሕሹ (በተሓሳስባ) ጓንጓታት ኮይኖም ጸኒሖም።

06.03.2021