ሕውስዋስ፡ ቅንጥብጣብ፡ ቡምባ ቻይናን ካልእን

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ሕውስዋስ፣ ቅንጥብጣብ፣ ቡምባ ቻይናን ካልእን

 

ሎሚ ብDisclaimer’የ ክጅምር (የለኹላን ከም ማለት’ዩ)።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ሓደ ውጹእ ቴማ የብሉን። ኣንባቢ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ነዚ ከስትብህል ይመዓድ (ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይና ድማ ትመዓድ – ከምዚ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ጾታ ዘይፈሊ “they” ዝብል ዓይነት ኣጸሓሓፋ ክሳብ ነተኣታቱ)።

ኣቐዲመ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ሓሲበሉ ዝነበርኩ ኣርእስቲ፡ ደጊመ ደጋጊመ’ኳ እንተፈተንክዎ፡ ጠላሕ ምባል ምስ ኣበየኒ፡ ነዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ሒዙ ይውጻእ ናብ ዝብል ርዒመ።

***

ሳላ ዘበነ-ኢንተርነት፡ እንታይ ተሳኢኑ፡ ዝደለናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ከብዲ ኢድና ወይ ኣበ’ጻብዕትና ካብ ዝኸውን ክልተ ዓሰርተ ደፊ’ና።  ልዕሊ’ዚ ዘቑጸሩ ‘ውን ይህልዉ። ኣነ ንባዕለይ፡ ቅድሚ ዘነበ ፈይስ ቡክ፡ ናይ መጀመርታ ናይ yahoo mail ኣድራሻይ ካብ ዝኸፈትሉ እዋን ጸብጺበ’የ ክልተ ዓሰርተ ዝብል ዘለኹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንዓሰርተ ዓመት/decade ትውክል ሓዳስ ቃል፡ እንተ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ እንተ ኣብ ካልእ ኣንቢበ ኔረስ፡ ከይመዝገብክዋ ሓሊፋትኒ። እታ ቃል ሕጂ ረሲዐያ። ግብ ኢላ ጠፊኣትኒ።

***

እወ! ሳላ ኢንተርነትሲ፡ ሓበሬታ ካብ ንፋስ ብዝቕልጥፍ ፍጥነት ይበሓጽና ኣሎ። ማዕረ ማዕረኡ ድማ የዋድኣናን የኳስተረናን ኣሎ። እዚ ናይ ለንቅነ ናይ ERISAT ጉዳይ፡ ዝበለጸ ናይ ከምዚ ኣብነት’ዶ ጌርና ክንርእዮ ንኽእል? ብZoom ዝግበር ኣኼባታት ዝወለዶ መዘዝ’ዶ ይኸውን? (ኮረና ቫይረስ ኢዱ ኣይስኣን!)

ነቶም “ፖለቲካ ኤርትራ” ብኸመይ ከም ዝጽወት ኣዳቒቕና ንፈልጥ ብዙሕ ዘገርመና ነገር ዘለዎ ኣይመስለንን። ዝግረሙ ግን ኣይስኣኑን’ዮም። እቲ ተሞክሮ፡ መዘዙን ጠንቁን፡ ብሕጂ ዝህልዎ ሳዕቤናቱን ካልእን ብዘየገድስ ግን፡ ERISAT ኣብ ኢዶም ቡምባ ቻይና ተፈንጂራቶም ትመስል ኣላ። ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝተሞኮርክዎ ሓደ መሪር ተሞክሮ ናይ ፓለቲካ ኤርትራ ኣዘኪሩኒ (ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ)። ኣብ ፖለቲካ፡ ውዲት ቀንዲ ናይ ስራሕ መካየዲ “መሻርፍ” ምዃኑ ምፍላጥ፡ ከምዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ነገር ከጋጥም እንከሎ፡ ካብ ምስንባድ የድሕን’ዩ። ይኹን እምበር፡ ንብዙሕ ሰብ ግር ኢልዎ ከም ዘሎስ ዘጠራጥር የብሉን።

***

ገለ ነገር ደልየ ኣብዚ ኢንተርነት ዘወር ክብል ከለኹ (ንጉግል “እዚኣ እንታይ ማለት’ያ” ትብል ሕቶ ከቕርበሉ)፡ India Today ዝበሃል ጋዜጣ Anti Fake News War Room (AFWA) ወይ ከኣ “ጸረ ስኑዕ ዜና” ዝብሃል ጉጅለ ከም ዘለዎ ኣንቢበ። ዕላምኡ ርእሰ-ግሉጽ’ዩ። ናይ ሓሶት ዜና (fake news) እንዳኣረኻ ምቅላዕ’ዩ። ኣብዚ ናትና ናይ ማሕበራዊ ሜድያ መራኸብታት ‘ውን ከመይ መድለየ ኢለ ሓሲበ። ገለ ዕዉታት ዶኾን ይብገሱላ ይኾኑ?

ብዛዕባ ሕውስዋስ፣ ቅንጥብጣብን ካልእን ስለ ዝኾነ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ናብ ካልእ ክሰግር። 

***

ሕጂ ‘ውን ኣብ ጉግል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓደ ካብቲ ድራር እለተይ ዝምእርረሉ ጉዳያት ክዓምም ሃተምተም ይብል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ንቛንቋ ትርግኛ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ጉግል ክደሊ እንከለኹ፡ እዚ ሃይፐርሊንክ/hyperlink ጌረዮ ዘለኹ፡ ብLibrary of Congress ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ረኺበ። ነቲ ደልየዮ ዝነበርኩ ኣብ ምርካብ ሓጊዙኒ።  ኣርእስቲ ናይ’ቲ ጽሑፍ ግን ሰገጥ ኢለ ከም ዝሓስብ ጌሩኒ። ምኽንያቱ embeded ዝኾነ (ስቱር) ስም ናይቲ ፋይል፡ “Tigrinya normalization table” እዩ ዝብል። ኖርማል ዘይነበረ ነገር ኖርማል ምግባር ስለ ዘስምዕ፡ ናይ ብሓቆም ድዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ ኢለ ሓሲበ። እቲ ቋንቋ ንተዛረብቱ ኖርማል እንተኾነ’ኸ? የንብቡና’ዶ ይህልዉ?

***

ቅድሚ ሕጂ ገሊጸ ኔረ። ገለ ኣንበብተይ ‘ውን የስተብህሉ ይኾኑ’ዮም። ኣብ ኣቃውማን ቅርጽን ቃላት ተገዳስነት ኣለኒ። ትኩር ኢለ ግዜ ዝቐትለሉ እዋናት ‘ውን ኣሎ። ናይ ቃላት ጸወታ ንባዕሉ ዕሙቕ ኢልካ ብዛዕባ ነገራት ንኽትሓስብ ዝፈጥሮ ድርኺት (ኩል ግዜ ዘይክኸውን ይኽእል) ኣለዎ በሃላይ’የ።

ለንቅነ ብወዝቢ፡ “ሰብኣይ” ብዛዕባ እትብል ቃል ዝጀመርክዎ ኣስተንትኖ፡ ናብ ካልኦት ዘይሓሰብክዎ ቃላት ወሲዱ ሽርብ ኣቢሉኒ ቀንዩ። ክጅምሮ እንከለኹ፡ እታ ሰብኣይ ትብል ቃል ባዕላ፡ ካብ “ሰብ” ዝብል ቃል’ያ ፈሊቓ ኢለ’የ ክሓስብ ጀሚረ። ይመስለኒ ድማ ከምኡ። ምኽንያቱ፡ “ሰብኣይ” ዝጎደሎ “ኣይ” እንተ ኢልና “ሰብ” ጥራይ’ያ ትተርፍ (እታ “ኣይ” ትብል ናይ መወዳእታ ክፋል እንተኣሊናያ፡ “ሰብ” ትብል ቃል ጥራይ ትተርፍ ማለት’ዩ)።

“ሰብ” ንበይና ከም ቃል ትርጉማ ርዱእ’ዩ። “ኣይ” ውን ትርጉም ዘለዋ ቃል’ያ። “ኣይ! እንታይ ረኸበካ ወደይ?” ኣብ ዝብል ሕቶ ትርጉማ ክንጸር ይኽእል። ከመይ ኢላ ደኣ ምስ ሰብ ተሓዊሳ ሰብኣይ ዝብል ቃል ሰሪሓ? መልሱ ንተመራመርቲ ስነ-ቋንቋ ክገድፎ።

ብኣንጻሩ ኣብቲ ሰበይቲ ዝብል ቃል፡ ሰብ ዝብል ቃል የለን። “ሰበ” ዝብል፡ ዳርጋ ግእዝ ዝመስል፡ ናብ ሰብ ዝቐረበ ፊደላት ግን ኣሎ። ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ግን፡ he/ንሱ ዝብል ቃል ካብ she/ንሳ ዝብል ቃል ዝወጸ’ዩ ይብላ’የን ገለ feminists፡ ማለት ኣብ ማዕርነት ደቀንስትዮ ኣትኪለን ዝቃለሳ/ዝጽሕፋ/ዝሙግታ ደቀንስትዮ። ኪንዮ’ዚ ምቕጻል፡ እዚ ዓምዲ’ዚ ዘቐምጦ ደረት ናይ 1000 ቃላት ኣይፈቕደለይን።

ከምኡ እንዳበልኩ፡ ከም በዓል ክብሪ፣ ጠስሚ፣ ሰዓረ፣ ወዘተ ዝብሉ ቃላት (ገሊኦም ኣስማት) ምሕሳብ ቀጺለ። ካብዘን ቃላት፡ እተን ናይ መጀመርታ ፊደላት ምስ ተኣለያ ዝፍጠር ዝተፈልየ ትርጉም ከም ዝርከብ ርእየ።

ኣብ ሞንጎ ሓሳበይ፡ ሓደ ናይ ቀደም ዓርከይ ዝብለኒ ዝነበረ ነገር ዘኪረ። ኣብ መገዲ እንዳኸድና፡ ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ወዝቢ ገለ ንእሽቶ ንዓይ ኣድህቦይ ዝስሕብ ንዑ ግን ፈጺሙ sense/ትርጉም ዘይህቦ ነገር ርእየ፡ “እውይ! እዚኣ’ባ ርኣያ፡ እንታይ ትመስል፡” ምስ ዝብሎ፡ ቀው ኢሉ ጥምት የብለኒ’ሞ፡ “ንስኻ’ኮ፡ ሓላው ጽጉማት ኮንካ ክትርፍ ኢኻ!” ይብለኒ ኔሩ። 

ጽቡቑ ነገሩ፡ ከምቲ ዓርከይ ዝብለኒ ዝነበረ፡ ሓላው ጽጉማት ኮይነስ ኣይተረፍኩን። እኳ ድኣ ኣብሊሑኒ። ገና ግን በሊሐ ኣይወዳእኩን፡ ዘየቋርጽ/ዘይውዳእ መስርሕ ስለ ዝኾነ። እቲ እንሓንሳብ ዝገብሮ፡ ንኻልኦት ደቂቕ ነገር መሲሉ ዝረኣዮም፡ ንዓይ ግን ውነይ ዝሰልብ ነገራት፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ ከምኡ ነገራት ኣድህቦ ምግባር ኣይገደፍኩን። ንፊደላት፣ ቃላት፣ ወዘተ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ተገዳስነተይ መሊሱ’ዩ ዝዓዝዝ።

***

ናይ ነገር “ሕውስዋስ፣ ቅንጥብጣብን ካልእን፡” በታ ኣብ ላዕሊ ዘፍኣምክዋ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ትምልከት ዘረባ፡ ብኣኣ ክውድእ። በዚ ናይ ERISAT ዝመጸ’ዩ። ፖለቲካ ኤርትራ፡ ውዲት፣ ሸርሒ፣ “ብድሕሪት ኮንካ ጦሾቕ” ምባል ዝበዝሖ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸወታ’ዩ (ብውሑዱ፡ ካብ ኣርባዓታት ጀሚርካ – ካብ ዘበነ ወልወልን ተድላ ባይሩን!)። ነቶም ንፈልጦ ግን ብዙሕ ኣየገርመናን።

ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ሓደ ካብ ኣመኻነይቲ/apologists ናይ ህግደፍ (ሰናይ ወልደኣብ)፡ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ኣካዳምያዊ መደረ ክቕርብ ይመጽእ ነበረ’ሞ፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ብሕጋዊ መገዲ ብድሆ ክብልዎ ንምምሕጻን (ባዕለይ ከይከድ ሽዑ ቪዛ ኣይነበረንን፡ ግዜ ድማ ሓጺር ኔሩ)፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝረከቡ 11 “ሕሩያት” ሰባት፡ ብሓባር ሓንቲ ኢመይል ይልእከሎም። ንኹሎም ብዝተፈላለየ ዓቐን ብውልቂ እፈልጦም’የ (ኣስማቶም ምጥቃስ ኣገዳሲ ኣይኮነን)። ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ርጡባት ኢለ ዝኣምነሎም ሰባት’ዮም። ገሊኦም ኣብዚ ደንበ ተቓውሞ ክንዲ እምባሶይራ ዝኸውን ስም ዘለዎም’ዮም።

ሓደ ካብኣቶም፡ ብቓጻ ነታ ኢመይል ኣስሊኹ ናብ ዘይምልከቶ ሰብ ብምስዳድ ነታ መደብ የፍሽላ። ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ክቱር ተጻባኢ ውዲት ‘ውን የግህድ። ድሒሩ፡ 90% ርግጽ ክብሎ ብዝደፍር ርጥበት መን ምዃኑ ዳርጋ ፈሊጠዮ።

ካብኡ ንላዕሊ ዘሰንበደኒ ግን፡ ከምዚ ተረኺቡ ኢለ ኣብቲ ጉጅለ-11 ተመሊሰ ምስ ጸሓፍኩሎም፡ ንፈውሲ ማሕላ ሓደ’ኳ ነቲ እከይ ግብሪ ብቓልዕ ዝኹንን ኣይተረኽበን። ካብቲ እቲ ተጻባእየይ ዝገበሮ (ናይ ፈሽኳል ሰብ ስራሕ) ንላዕሊ እቲ ምጽቃጥ ናይቶም 11 ሰባት ኣዝዩ ኣሰንቢዱኒ።

ካብ 3 ዘይበዝሑ ሰባት ብውልቂ ረኺቦም ከንፈሮም ረምጢጦምለይ። ስለምንታይ ኣብቲ ናይ ሓባር መኣዲ ከምኡ ክብሉ ትብዓት ኣይረኸቡን ንዕኦም ይምልከት። ዋላ ንዓኣቶም ክዒበዮም። ብገለ መልክዑ፡ እዚ ንኣባላት ERISAT ኣጋጢምዎም ዘሎ “ምፍንጃር ናይ ቦምባ ቻይና” ምስዚ ዝገለጽክዎ ተሞክሮ ተመሳሳልነት ኣለዎ። ፍልልዩ፡ ኣባላት ERISAT ኣብ ነንሕድሕዶም’ዮም ዝናቖቱ ኔሮም። ስለ ዝኾነ ድማ ዝኸፍአ መልክዕ ኣለዎ። እቲ ናተይ ተሞክሮ ግን ንጽምዶ ኣንጻር ህግደፍ ይሕግዙኒ ብዝበልክዎም ሰባት ዝተገዳዕኩሉ መሪት ተሞክሮ ምዃኑ’ዩ። ፖለቲካ ከምኡ ምዃኑ ዘይፈልጥ እንተዝኸውን ኔረ (ቅድሚኡ ካብኡ ዝኸፍእ ኣጋጢሙኒ ስለ ዝፈልጥ) ብኣ ዝኣንፈይ ኣይምተመለስኩን። ናይ ሰዓሪ መንፈስ ግን ንዕኡ ኣይፈቅድን።

30.06.2020

(Photo Credit)