ሓንቲ ካብ መሰረታውያን ሕቶታት ናይዚ እዋን

Share on facebook
Share on google
Share on twitter
Share on linkedin

ኤርትራስ፡ ኣብቲ ናይ 1998 ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ወራር ፈጺማ ኔራ’ዶ ኣይነበረትን ትብል ሕቶ’ያ። እቲ ዝሓጸረ መልሲ፡ እወ ዝብል ኮይኑ፡ ቁሩብ መብርሂ ግን ይደሊ።

እታ ሕቶ ሓዳስ ሕቶ ኮይና ኣይኮነትን። ብተረድኦይ፡ ዳርጋ ብዘየሻሙ መገዲ ‘ውን ተመሊሳ እያ ቅድሚ ሕጂ። ግዳስ፡ disingenous (ቅንዕና ዝጎደሎ) ኣተርጓጉማ ናይቲ መልሲ ክወሃብ ስለ ዝሰምዕ፡ ትም ኢልካ ምሕላፉ ድማ ስለ ዘየኽእል’ዩ። እቲ disingenous ዝብሎ ዘለኹ ዘረባታት ብገለ “ልሂቃን” (elites) ዝወሃብ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ተራ ህዝቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ምድንጋር ቀሊል ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ስኽን ዝበለ መልሲ ዘድልዮ። እታ ሕቶ፡ ምስዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኩናት ብዝተሓሓዝ፡ መልክዕ ቀይራ ትቀላቐል ስለ ዘላ እምበር፡ ብርግጽ ቅድሚ ሕጂ ተመሊሳ’ያ።

መልሲ ናይታ መሰረታዊት ሕቶ፡ ብዕለት 19 ታሕሳስ 2005 ኣብ ዝተዘርገሐ ውሳኔ ናይቲ Eritrea-Ethiopia Claims Commission (ኮምሽን ካሕሳ ኤርትራን ኢትዮጵያን) ዝበሃል ሓውሲ-ፍርዳዊ ኣካል ብንጹር ተገሊጹ’ዩ፡- https://pcacases.com/web/sendAttach/763 (እቲ ውሳኔ ብዕለት 26 ሚያዝያ 2004 ዝተወሃበ’ዩ)። ብዕለት 12 ግንቦት 1998፡ ኤርትራ፡ ንዓንቀጽ 2 ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ዝጥሕስ ግህሰት ከም ዝፈጸመት እቲ ኮሚሽን ወሲኑ። ካብ መበል 14 ክሳብ መበል 16 ሕጡበ-ጽሑፍ ናይቲ ውሳኔ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራራባ፡ ኤርትራ “ነብሰ-ምክልኻል’የ ፈጺመ” ክትብል ንዘቕረበቶ ሙጉት ነጺጉ’ዩ እቲ ኮምሽን ነቲ ውሳኔ ዝሃበ። ብመምዘንታት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ እቲ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ተግባር ወራር’ዩ።

እቲ ተጣሒሱ ዝበሃል ዘሎ ዓንቀጽ፡ ዝኾነት ኣባል ሃገር ሕቡራት ሃገራት፡ ጎነጽ ወይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገር ከይትጥቀም ዝኽልክል መትከል ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ። ኤርትራ፡ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምጥቃማ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሳ ማለት’ዩ፡ ብመሰረት እቲ ውሳኔ። ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ (ብፍላይ International Humanitarian Law ኣብ ዝበሃል ዓውደ-ፍልጠት)፡ እቲ ኤርትራ ፈጺማቶ ዝብሃል ዘሎ ገበን፡ ብርግጽ ወራር ወይ ድማ aggression ይበሃል። ሰባት ዝደለይዎ መመላኽዒ ወይ ኣማራጺ ሓረጋት ዋላ እንተሃብዎ፡ እቲ ፍሉጥ ስሙ ግን ወራር’ዩ።

ሓውሲ ሰንኮፍ ኣካዳምያዊ ክትዕን ዘይቅኑዕ ውርጻጸን ዘንቀሎ ገለ-ገለ ዘረባታት ኣሎ። ኪኑኡ ግን ኣይከይድን። እቲ ኮምሽን ካሕሳ፡ ካብ ዝተወሃቦ መዝነት ወጻኢ ከይዱ’ዩ ከምኡ ዓይነት ውሳኔ ሂቡ ዝብል ዘረባ ሓደ ኣብነት’ዩ። እንታይ’ሞ ይዓብስ’ዚ፧ ምኽንያቱ፡ ንውሳኔ ናይቲ ኮምሽን ዝቕይር ነገር ስለ ዘይኮነ። እቲ ኮምሽን ካሕሳ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኮምሽን (ኮምሽን ዶብ)፡ ውሳኔታቱ ናይ መወዳእታን ቀያንድ’ዩ። ስለዚ’ሲ ካብ መዝነቱ ወጺኡ ኣይወጸን ዝብል ዘረባ ንትሕዝቶን ሳዕቤናትን ናይቲ ውሳኔ ዝቕይር ኣይኮነን — ልክዕ ከምቲ ካልእ ውሳኔ (ንኣብነት ባድመ ናይ ኤርትራ መሬት’ያ ዝብል ውሳኔ)። እቲ መሰረታዊ ሓቂ ብዛዕባ ውሳኔ ናይ ኮምሽን ካሕሳ እምበርኣር እዚ’ዩ። ቅኑዕ መልሲ ናይታ ሕቶ ድማ ኣብኡ ኣሎ።

ታሪኽ ብልክዕ ክንገር እንተኾይኑ፡ ብዕለት 26 ታሕሳስ 2005፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ኮምሽን ካሕሳ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ (ዕቃበታት ኣለና’ኳ እንተበለ)፡ ነቲ ውሳኔ ከም ዝተቐበሎ ግን ብወግዒ ሓቢሩ። “ነዚ ክገብር ዝመረጸ ድማ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝኣተዎ መብጽዓታት፡ ከምኡ ‘ውን እቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮምሽን ዝህቦ ውሳኔታት ከኽብር፡ ካብ ኣህጉራዊ ውዕላት ዝምንጩ ግዴታታት ስለ ዘለዎ’ዩ” ኢሉ ኣብቲ ደብዳበ፡- https://cutt.ly/Vk5uXTV (ሕጡበ-ጽሑፍ 277 ተመልከት)።

እዚ ማለት ቅድሚ’ቲ ናይ ዕለት 12 ግንቦት 1998 ዝነበረ ፍጻመ ካልእ ዘይተማጻረየ ፍጻመታት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር እዚ ‘ውን ንውሳኔ ናይቲ ኮምሽን ካሕሳ ዝቕይር ነገር ኣይኮነን (ናይ መወዳእታን ቀያንድ ስለ ዝኾነ እቲ ውሳኔ)። ብተመሳሳሊ ኣዘራርባ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ካልእ መዳያት ናይቲ ግጭት ጥሕሰታት ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ‘ውን ንውሳኔ ናይቲ ኮምሽን ካሕሳ ዝቕይር ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈጺምዎ ዝበሃል ግህሰታት፡ ከም ኣርእስቲ ንበይኑ ክዝረበሉ ይኽእል’ዩ። ንሎሚ ግን ኣተኩሮይ ንሱ ኣይኮነን። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ግህሰታት ምንባሩ፡ ብወገን ኤርትራ ግህሰታት ኣይነበረን ዘብል ኣይኮነን።

ንገለ ግሩሃት ክመስሎም ከም ዝኽእል፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ ዘሎ ትዕዝብታት ናይቲ ውሳኔ ኮሚሽን ካሕሳ፡ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ምስ ሕብሓብን ዘይምሕብሓብን ብዙሕ ዘተሰኣሳስር ነገር የብሉን። እንተሃልይዎ ድማ፡ ነቲ ዝስዕብ ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ይግብኦ። እቲ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ረብሓ ሓቀኛ ኣናብባ ታሪኽ ብምሕብሓብ ጥራይ’ዩ ዝሕሎ። 

ካልእ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝቕርብ መስደመም ዘረባ ‘ውን ኣሎ። ኤርትራ፡ ሕጂ ‘ውን እንተኾነ፡ ተጎቢጡ ንዘሎ መሬታ ብሓይሊ ብረት ከተምልስ መሰል ኣለዋ ዝብል’ዩ (ንልዕሊ 20 ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬት ማለት’ዩ!) ብስነ-ሞጎት ሓይሊ (ዓቕሚ እንተሎ) ይክኣል ይኸውን፡ ምኽንያቱ ገለ-ገለ ናይ ዶብ ሕቶታት ብሓይሊ ብረት ጥራይ ዝፍታሕ ክመስል ስለ ዝኽእል። ብስነ-ሞጎት ኣህጉራዊ ሕጊ ግን፡ እንትርፎ ኣብ ናይ “ሆት ፐርሱት” (hot pursuit) ዝመሳሰል ናይ ነብሰ-ምክልኻል መሰል፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ተጎቢጡ ዝጸንሐ መሬት ብሓይሊ ብረት ናይ ምምላስ መሰል ኣሎ ዝብል ጥቁው ሕጋዊ ወይ ኣካዳምያዊ መጎተ ኣሎ እንተኾይኑ ከነንቦ ምበሃግና።

ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዝቐርብ ገለ-ገለ “ዕሙቕ” ዝበለ ርእይቶታት፡ ፍሉጥ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣካዳምያዊ ወይ ሞያዊ ድሕረ-ባይታ ብዘይ ብሎም ሰባት ዝወሃብ ርእይቶታት ምስ ምዃኑ፡ ዘየተዓዛዝብ ‘ውን ኣይኮነን። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብፍሉጥ ኣገባባት ናይ “ዲሞክራስያዊ ቁጽጽር ሰራዊት” (democratic control of the armed forces) ትኸይድ ሃገር ኣምሲልካ ዝቐርብ ካልእ መስደመም ርእይቶ ‘ውን ኣሎ። ደረት ቃላት ናይዚ ዓምዲ’ዚ ውሱን ምስ ምዃኑ ግን፡ ንበይኑ ክትሓዝ ዝግባእ ኣርእስቲ ምዃኑ ኣፍኢምካ ምግዳፉ ይሓይሽ። በዚ ርእይቶ’ዚ ዝሓርቁ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ፡ ንሕርቃኖም ደረት ክገብሩሉ ምዝኽኻር ‘ውን የድሊ። ካብ ምዕቡል/civilized ናይ ምብህሃል መስመር ዘይወጽእ፡ ተጻራሪ ሓሳባት ግን ቅቡል’ዩ።

18.02.2021